ናይ ዘይተፈቕሩ ቈልዑ ኣቦ ምዃን ናይ ዘይተፈቕሩ ቈልዑ ኣቦ ምዃን 

ናይ ዘይተፈቕሩ ቈልዑ ኣቦ ምዃን

“ኣብ ብራዚል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት እዩ ዜጋጥመና ዘሎ። ምስ ኣገደስትን ልዑልን ስነ ምግባራዊ ክብርታት እተተሓሕዘ ቅልውላው ኣሎ፥ ናይ ምፍቃር ውህበትን ናይ ምፍቃር ሰብኣዊ ብቕዓትና እውን ነጥፍእ ኣሎና”

“ፍቑር ቈልዓ” ዘርእስታ ብዛዕባ እቶም ኣብ ብራዚል ግዳም ሓደር ሕጻናት “meninos de rua” ኵነታት እተዘንተው ብኢጣሊያዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ረናቶ ኪየራ ኣብ ብራዚል ዘዳለውዎ ዕዮ ሰነዳዊት ፊልም ብሕቡራት መግንስታት ዓለም ማዕከን ንህጹጽ ሓገዝ ቈልዑ በቢ ዓመቱ ንዝዳለዉ ብዛዕባ ሕጻናት ጉዳይ ዘዘንትው ዕዮታት ሰነዳዊ ፊልም ምሩጽ ብምባል ንዝህቦ ስልማት 2021 ዓ.ም. ከምዝሃረዮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ብራዚል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት እዩ ዜጋጥመና ዘሎ። ምስ ኣገደስትን ልዑልን ስነ ምግባራዊ ክብርታት እተተሓሕዘ ቅልውላው ኣሎ፥ ናይ ምፍቃር ውህበትን ናይ ምፍቃር ሰብኣዊ ብቕዓትና እውን ነጥፍእ ኣሎና” እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኣብታ “ፍቑር ቈልዓ” ዘርእስታ ብኢጣሊያዊ ተወላዲ ዞባ ፒየሞንተ ኣብ ብራዚል ኣብ ጐድኒ ግዳም ሓደር ቈልዑ ዝነብሩን ነዞም ቈልዑ ኣብ ምእላይን ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ተጸሚዶም ኣብ ምግልጋል ዓርብዓ ዓመት ዘቑጽሩ ዘለዉ ኣባ ረናቶ ኪየራ ዝደረስዎን ብኢጣሊያዊ ናይ ፊልም ቀረጺ ተዳልዩን ንምርኢት ዝቐረበ ፊልም፥ ጽዑቕን ምፍጣርን ህልውናን ኣብ ሕቶ ዘእትው ዓሚቝ እውን እንተዀነ፡ በቲ ዘቕርቦ ታሪኽ ኣቢሉን ኣብቲ ዘቕርቦ ታሪኽን ተስፋ ዘመላኽት እዩ፡ እዞም ወንጌላዊ ልኡኽ ዘዘንትውዎ ታሪኽ ናይዞም ግዳም ሓደር ሕጻናት ኵነታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወርድ ግፍዕን ተወሊዶም ደኣ እምበር ዘይተፈቕሩን ወይ ከኣ ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ሰብኣውን ቍጠባውን ጸገም ሕይወት ኣብ ግዳም ንኸሕልፍዋ ዝገደዱን ሰብ ንምዃንና ዓቢይ ሕቶ ምዃኖም የረጋግጸልና። እዚ ፊልም እዚ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ዝተፈላለዩ ስልማት ከምዝረኸበን ሓደ ካብቶም ዝረኸቦ ስልማት ከኣ እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ዝኾነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብሕቡራት መግንስታት ዓለም ማዕከን ህጹጽ ሓገዝ ቈልዑ በቢ ዓመቱ ብዝዕባ ኵነታት ሕጻናት ኣብ ዓለም ዘዘንትው ምሩጽ ፊልም ቢሉ ናይ ዝህቦ ስልማት 2021 ዓ.ም. እዩ።

ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ማዕከን ንህጹጽ ሓገዝ ቈልዑ እቲ ብኣባ ረናቶ ኪየራ እተደርሰ ፊልም ናይ 2021 ዓ.ም. ብሉጽ ፊልም ኣንክብል ንኽሓርዮ ዘብቅዖ ምኽንያት፥ “ሓደ ቈልዓ ቈልዓ ስለ ዝኾነ ኣበይ ይወለድ ካብ መን ይወለድ ኣበይ ይዕበይ ካበይ ይምጻእ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ መሰላት ዘለዎ ምዃኑ ዘመላኽቶን። እቲ ኣብቲ ፊልም ዝዝንተወልና ታሪኽ ብዓብይ ተገድሶን ጥንቃቔን ፍቕርን ተወፋይነትን እቶም ግዳም ሓደር ሕጻናት ካብቲ ዝነብርዎ መከራን ዝነብርዎ ወልፊ ኣደንዛዚ ዕጽዋትን ካልኦትን ዘጓንፎም ዓመጽን ሕራጐትን፥ ንግዳም ሓደር ምዃን ዝደረኾም ኣብዚ ሕይወት እዚ መዓልትን ለይትን እዋን ቁርን ሃሩርን ካብ ዝፈጥረሎምን ዘጋጥሞም ዓመጽን ፍርህን ጥሜትን ካብ ዝፈጥረሎም ስቓይ ስእነት ፍቕርን ንኸምልጡ ዝወድቅሉ መደንዘዝታትን ኩሉ ዝትርኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ንምድሓንን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ውሑስ ክኸውን ግቡእን ቅኑዕን ኣጋጣምታት ዝግብኦም ምዃኖም ዝህብዎ ምስክርነት” ምዃኑ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ሓልዮ ቈልዑ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ፊልም ኣብቲ ኣባ ኪየራ ኣብ ባይሳዳ ፍሉሚነንሰ ኣብቲ ብዙሕ ዓመጽን ቅትለትን ዝረኣየሉን ወሰናስን ከተማን ህልውናን ዓባይን ገማግም ባሕሪ ዘዳብዋ ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ድሕረ ባይታ ዝገበረን ነቶም ግዳም ሓደር ንኽዀኑ ዝተገዱ ቈልዑ ዘጋጥሞ ኵለ መዳያዊ ጸገማት ዓመጽን ሞትን ዝነብርዎ ዘሕዝን ታሪኾምን ከተማታት ካብ ግዳም ሓደር ቈልዑ ምጽራይ ዝብል ከም ጓሓፍ ብዝሓስብዎም ጉጅለ ቀተልቲ ዝወርዶም መቕተልትን ማህሰይትን ነዞም ቈልዑ ካብቲ ዝወደቕሉ ኢሰብእዊ ኵነት ንምድሓን “ቤተ ቈልዑ” ብዝብል መጸውዕ ዝመስረትዎ መእለዪ ግዳም ሓደር ቈልዑ ዘቕርቦ ሓልዮት” ዘዘንትው እዩ።

 ኣባ ኪያራ በታ “ፍቑር ቈልዓ” ዘርእስታ ፊልም ኣቢሎም ነቲ መሪር ኵነታት ናይቶም ኣብ ብራዚል ናይ ዝርከቡ ድኻታት ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣዚይ ዓሚቝን እዋናውን ዝኾነ መልእኽቲ እዮም ዘመሓላልፉ። ኣብቲ ብዙሓት ዘይፈልጥዎ ኣብ ዓለም ዝርአ ሕራጐትን ራሕሪሕን ንኽንኣቱን ናይቶም ቈልዑ መሪር ጸገም ንኽንትክፍ ይገብሩና። ሓደ ቈልዓ ዘይተፈቕረ ምዃኑ ክስምዖ እንከሎ እንታይ ከምዘጓንፎ እተብርህን ከምቲ ቅዱስ ዶን ቦስኮ ዝብሎ “ንሓደ ቈልዓ ምፍቃር እዅል ኣይኮነን እተፍቅሮ ኰይኑ ከምዝስምዖ ምስትውዓል የድሊ፡” ስለዚ እቲ ንሕልና ዘናውጽ ታሪኽ እቶም ግዳም ሓደር ሕጻናት ንምድሓኖም ተግባር ክስጐም ዝድርኸና እዩ። እዚ ፊልም እዚ ንመንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ክርእይዎን ኣብ ቁምስናታትን ኣባይቲ ትምህርትን ንምርኢት ክቐርብ እውን ኣባ ኪያራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይምሕጸኑ።

እቲ 76 ደቒቕ ንውሓት ዘለዎ ፊልም ምፍቓር ወይ ንዳግማይ ምፍቃር ዘተባብዕ እዩ።

17 July 2021, 01:13