ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ፍርሂ እውን እንተሎ ቤተ ክርስቲያን ዕዮኣ ቀጻሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ፍርሂ እውን እንተሎ ቤተ ክርስቲያን ዕዮኣ ቀጻሊ  

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ፍርሂ እውን እንተሎ ቤተ ክርስቲያን ዕዮኣ ቀጻሊ

“ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እናሃለወ ክነሱ ቤተ ክርስቲያን ከይፈረሀት ህዝባ ተጸናንዕን ፍርሂ እውን ይሃልው ብእምነት ጸኒዕና ንቕድሚ ካብ ምባል ድሕር ኣይንብልን”

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዕለት 30 ሰነ መበል 61 ዓመት ናጽነታ ኣብዒላ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ክልተ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመን እዚ መጥቃዕቲ እዚ እውን ፍርሂ መሊሱ ክተኣታተው ይገብር እውን እንተሎ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሰበኻ ቡተምቦ በኒ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ሶንዲሪያ ይብሉ፥ “ቤተ ክርስቲያን ነዚ ከምዚ ዓይነት ጸረ ሰላም ተግባር ኩሉ ብቐጻሊ ትዅንን ኣብ ኣገልግሎታ እውን ኣብ እምነት ጸኒዓ ትስጒም”።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ዕለት 30 ሰነ መበል 61 ዓመት ዝኽሪ ናጽነታ ዘብዓለት ሃገር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ቤተ ክርስቲያን በቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሌኣ ብዝፍጸም መጥቓዕቲ ፍርሂ እውን ይሃልዋ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብታ ኣብ ሰሜን ኪቩ እትርከብ ሰበኻ ቡተምቦ በኒ ኣብ ዝርከባ ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ናይ ነታጒ መጥቓዕቲ፡ እቶም መጥቓዕቲ ዝፍጸሙ ከምቲ ዝሓሰብዎ ጃምላዊ ህልቂት ዘስዓበ እውን ኣይኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ማሕበረ ክርስቲያንን ፍርሂ ክህሉ ከምዝገበረን ከምቲ ዝተሓሰቦ እውን ማሕበራዊ ቅልውላው ከምዘይተኣታተወን ኩሉ ብሓባር ንሰላም ክቐውም ከምዝደረኾን ክንገር እንከሎ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2021 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ ዝተፈላለየ መጥቓዕቲ ልዕሊ 10 ሺሕ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. እውን ኣብ ከባቢ ጉማ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናስዮ ከምእተቐትሉ ዜን ቫቲካን የዘኻኽር።

ቃል ምስክርነት ናይ ሰበኻ ቡተምቦ - በኒ ሓዋርያዊ መስተናብር

“ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብነታጒ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፥ “ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኰይና እትዓዪን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊራ እተገልግልን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ንምድኻምን ንምፍርራህን እዩ”፡ ነዚ ዝበሉ ናይቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ሰበኻ ቡተምቦ - በኒ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ሎረንዞ ሶንዲርያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ንጐሆ ትሕቲ መሰውዒ መንበረ ታቦት ዝተጸምደ ቦምቢ ህዝቢ ንቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ሰዓት ሽዱሽተ ዝተፈንጀረ ብምንባሩ ንመስዋዕተ ቅዳሴ ዘድሊ ኣብ ምስንዳው ዝነበሩ ክልተ ምእመናን ጥራሕ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ናይ ሓደ ሞት እውን ይኹን ዓቢይ ሓዘን እዩ። ፍርሒ እውን እንተነበረ ምስጢረ ሜሮን ዝቕበሉ ምእመናንን መንእሰያትን ስለ ዝነበሩ እቶም ኣሸበርቲ ፍርሒ እውን እተዘርኡ እቲ በዓል ግና ክስረዝ ኣይገበርናን፡ ከምቲ ዘድሊ እውን መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉን ሕዝቢ ሓድነቱን ደላይ ሰላም ምዃኑን ኣመስኪሩ እዩ” ኢሎም፣

ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ዓማጽያን ሓይልታት ስለ ዘለዉ ናይቲ መጥቓዕቲ ተሓታቲ መን ይኹን ክትፈልጦ ዝክኣል ከምዘይኮነን ሓቢሮም፥ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ስለ ዝኾነ ብርግጽ ፍርሂ ኣሎ፡ ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጸጥታን ድሕንነትን ጽኑዕ ከምዘይኮነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ ኢሎም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጽንኵር ኩነት እዚ ዓቢይ ግደ ኣለዋ፡ ከምቲ ኵሉ ሳዕ ዝግበር ግብረ እከይን ህስያን ዓመጽን ትዅንን ውግእ ከምዘየርብሕን ሓቅን ሰላምን ኪድለ ተተባብዕን ትሓንጽን። “ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እናሃለወ ክነሱ ቤተ ክርስቲያን ከይፈረሀት ህዝባ ተጸናንዕን ፍርሂ እውን ይሃልው ብእምነት ጸኒዕና ንቕድሚ ካብ ምባል ድሕር ኣይንብልን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 June 2021, 15:43