ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደት ዘኽፍሎ ዋጋ ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደት ዘኽፍሎ ዋጋ 

ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደት ዘኽፍሎ ዋጋ

. . . ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዘሎ ናይ ሰላም ምልክት ጠቒሶም፥ በቲ ኣብ ጉደና ሰላም ዝገበርኩምዎ ንእሽተይ ዕብየት ሕጉሳት እንተኾንና ሕዝብኹም ጽልዋ ምሉእ ሰላም ክስምዖ ግና እዅል ኣይኮነን ስለዚህ ኣብ ጐደና ሰላም ኣበርቲዑኵም ክትዓዩ ንላበው፡ . . . ደቡብ ሱዳን ንኽንበጽሕ ክንመጽእ እንከሎና ለውጢ ዝገበረ ሕዝቢ ክንርእን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክንምስክርን ሃረር ንብል”

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰበኻ ሩምበክ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ  ኣብ ልዕሊ ኣባ ካርላሳረ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እታ ሃገር ከም ሃገር ኰይና ካብ እተቐውም፡ ሰላምን ድሕንነትን ውሑስ ንምግባር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ዘጓንፋ መተዓናቕፎ ዘመላኽት ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎትም ዘይርስዕዋን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክትከውን እውን ዝተፈላለዩ መደባት ብምንቕቓሕ ቅርበቶም ዘረጋግጹላ ምዃና ዜና ቫቲካን የሕብር።

ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደትን ዘኽፍሎ ዋጋ
ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደትን ዘኽፍሎ ዋጋ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 25 ሚያዝያ ናብ ዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ብዘይተፈልጡ ሰባት 43 ዓመት ዝዕድመኦም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳይ ናይ ሩምበክ ሰበኻ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝሰምይዎም ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ኣባ ክርስቲያን ካርላሳረ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ቅዱስነቶም ምስ ተሓበሮም ምእንታኦም ከምዝጽልዩ ኣረጋጊጾም ቅሉጡፍ ሕውየት እምነይ ከምዝበሉ ዕለት 27 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘፍለጡ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባ ካርላሳረ ኣብ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ ቶምቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ገበነይናታት ብቑልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ናይቲ ዞባ ሰበ ስልጣናን ሓይሊ ጸጥታን ኣበርቲዖም ክዓዩ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ጻውዒት ኣቅሪቦም፡ ተግባር ሒደት ገበነይናታት ንመዳባት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተዓናቅፉ ኣይኽእልን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደትን ዘኽፍሎ ዋጋ

ኣብ መንጐ ምትእምማንን ሻቕሎትን

ኣብ ሩምበክ ናይ ማሕበር ኣሓው ላሳል ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ሓው ጆሰፍ ኣላክ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ውግእ የሎን፡ እቲ ዝተበጽሐ ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝኽበር ዘሎ እይመስል፥ እዚ ዝርአይ ዘሎ ሰላም ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ ንገብር፥ ቢሎም ማሕበር ኣሓው ላሳል እቲ ውግእ ደው ምስ በለ ንመንእሰያት መደብ ሕንጸት ንምቕራብ ዘቖሞ ቤት ምህርቲ ኣመሓዳሪ ሃው ኣላክ ኣስዒቦም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዙሓት መንእሰያት ነኣሽቱ ኣጽዋር ውግእ ዝተዓጥቁ እያቶም፡ እዚ ኸኣ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ሳዕቤን እዩ፡ መንእሰያት ንሰላምን ንብርሁ መጻእን ከማዕድዉ ዝሓንጽ ቤት ትምህርቲ እውን ምዃኑ ሓቢሮም።

ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደትን ዘኽፍሎ ዋጋ
ደቡብ ሱዳን፥ ሰለይ እናበለ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ኪደትን ዘኽፍሎ ዋጋ

በዓለ ትንሳኤ፥ ይቕረታን ምሕረትን

ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ከተም ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላ፥ ብዙሕ እውን ኣይኹን ኾሮና ተህዋስ ንምብዳህ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክትባት ገሊጾም፡ ድኻታት ኣብ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ቀዳምነት ክወሃቦም ከምእተላበዉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕነቶም ቁልጡፍ ምሕዋይ ኣባ ክርስቲያን ካርላሳረ ተመንዮም፡ ኣብ ጸሎቶም እውን ዝኵር ምዃኖም ከምዘረጋገጹን ንበዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረግዎ ምስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት “ምሕረትን ይቕረታን ትንሳኤን ሓደ እያቶም፥ ምሕረት ማለት ትንሳኤ እዩ፡ እንመሓር ምስ እንምሕር እዩ፡ ክርስቶስ ብመስቀሉ ኣድሓነና ይቕረ ቢሉ እውን ምሕረቱ ለጊሱልና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ደቡብ ሱዳን ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዕለት 11 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክወርድ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ምኽትላቶምን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት መራሕትን ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዓዲሞምን ኣብ መዛዘሚ እቲ ሱባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ናይ ሰላም ኪድት ኣበጊስኩም ኢኻትኩም ኣብ መንጐዅም ናይ ሓሳብ ፍልልያትን ዘምርድዳእ ክህሉ ዝከኣል እዩ እዚ ኣብ ኣባይቲ ጽሕፈትኵም እተካይድዎ ይኹን ኣብ ቅድሚ ሕዝብዅም ዝተጣመራ ሰላም ዝበሃሃላ ኣእዳው ይሃልኹም በዚ መገዲ እዚ ጥራሕ እዩ ኣበው ሃገር ኣትኾኑ . . .” ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንክሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ  ናይ ካተርብሪ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይን ኣብ ስኮዚያ ናይ ፕረስቢተርያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣወሃሃዲ ማርቲን ፋይን ብሓባር ከቲሞም ናብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ . . . ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዘሎ ናይ ሰላም ምልክት ጠቒሶም፥ በቲ ኣብ ጉደና ሰላም ዝገበርኩምዎ ንእሽተይ ዕብየት ሕጉሳት እንተኾንና ሕዝብኹም ጽልዋ ምሉእ ሰላም ክስምዖ ግና እዅል ኣይኮነን ስለዚህ ኣብ ጐደና ሰላም ኣበርቲዑኵም ክትዓዩ ንላበው፡  . . . ደቡብ ሱዳን ንኽንበጽሕ ክንመጽእ እንከሎና ለውጢ ዝገበረ ሕዝቢ ክንርእን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክንምስክርን ሃረር ንብል” ከምዝበሉ የዘኻኽር።

28 April 2021, 15:36