ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ዛዕባ ዓፈና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘውጸኦ ጸብጻብ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ዛዕባ ዓፈና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘውጸኦ ጸብጻብ 

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር፥ ዛዕባ ዓፈና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘውጸኦ ጸብጻብ

እቲ ጸብጻብ ከከም ደረጃ ክብነቱ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብቐይሕን ብጫን ሕብሪ ብምምልካት፡ እቲ ቐይሕ ኣዚዩ ከቢድ ዝብልን እቲ ብጫ እውን ዘስከፍ ቢሉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ንገዛእ ርእሱ ከም ተህዋስ ብዙሕ ዘሰክፍን ተላባዕን ምዃኑን

ኣብ ዓለም እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ብሰፊሕ ተመስሎኡ ዝሕብር ናይ ጸብጻብ ሰነድ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬት ወግዕዊ ከምዝገበሮን፡ እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነት ኣዚዩ ዘሰክፍ ከምዝኾነ ክሕበር እንበሎ፡ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ’ዚ እታ ፓኪስታናዊት ኣብ ገዛእ ሃገራ ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስኪ ብዝብል ክሲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተሓቢሰን ዝነበራ ሰዓቢት ሃይማኖት ክርስትና እስያ ቢቢ ሎሚ ኣብ ስደት ዝርከባ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፥ እምነትካ ምንባር ናይ ካልእ እምነት ዘይምኽባር ማለት ኣይኮነን ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ንመበል 11 ግዜ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ጥዕና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዓለም፥ እቲ ዕለት 20 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ፥ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ብፍሉይ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ዓለም ለኻዊ ማሕበር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እምነትካ ናይ ምግላጽ መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ክብ ይብል ከምዘሎ ዝሕብር ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

እስያ ቢቢ ፓኪስታናዊት ሎሚ ኣብ ካናዳ ምስ መላእ ስድራ ቤተን ኣብ ዝስደት ዝነብራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣብ 2009 ዓ.ም. ሃይማኖት ኣርኪስክን ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጐና ስድራ ቤተንን፥ ደቀን ጓል 9ን እታ ካልአይቲ እውን ጓል 8 ዓመት ዝነበረን ዘሕለፈኦ ከቢድ ኩነት ዘኪረን፡ ንዓሰርተ ዓመት ብዘይ ኣዴአን ዘሕለፈኦ መሪር ኩነት እናሓሰባ፡ እቲ ኣብ ፓኪስታን ብዛዕባ እምነት ምርካስ ዝብል ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዝተኣታተወ ዓንቀጽ ክምርመርን ክተኻኸልን ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኮነ ተባሂሉ ናይ ካልኦት እምነት ንሓደጋ ንምቅላዕ ዝተደንገገ ብምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክሕክኽ እዩ ዘለዎ፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኮኑ ውሁዳን ሃይማኖታትን ከም ምእመናን ክርስቲያን ካልኦት ሃይማኖታትን ሰዓብቲ ውሁዳን ሃይማኖታት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፡ ኣብ ፓኪስታን ብዙሓት ክርስቲያን ምእመናን ክዕመጻን ክጭወያን በስገዳድ ሃይማኖት ምስልምና ዝቕበላን በስገዳድ ንመርዓ ዝዳረጋን ብዓቢይ ጦብላሕታ ዘኪረን፡ ኵሉ ተተኻኺሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሮማ መጺኤን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን ክራኸባን ሞሳኤን ክገልጻሎም ዘለወን ሃረርታ ሓቢረን ነቶም ኣብ ፓኪስታን ኣብ ቤት ማሕቡስ እንከለዋ ናጻ ክልቀቓ ዝተንቀሳቐሱን ዝተፈላለየ ጐስጓሳት ነዘነቓቐሑን ውልቀ ሰባትን ማሕበራትን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ምስጋናኤን ኣቕሪበን፡ ብፍላይ ኣብ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጉዳይ ሚኒ. ሻህባዝ ብሃቲን ናይ ፑንጃብ ኣመሓዳሪ ሳልማን ታሲር ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምናን ነቲ ሃይማኖት ምርካስ ዝምልከት ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዝተሳዅዔ ሕጊ ብሓባር ዝተቓወሙን በዚ ምኽንያት እውን ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተቐትሉን ዘኪረን፡ ነዞም ክልተ ደቂ ሃገረን ብሕይወት እውን ኣይሃልዉ ኣብነት እያቶም ቢለን ብዓቢይ ኣኽብሮትን ምስጋና ዘኪረን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።

5.2 ቢሊዮን ዝኾኑ ዜጋታት ምጉዳል ፍትሒ ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዝነብር እዩ

እቲ ጸብጻብ ከከም ደረጃ ክብነቱ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብቐይሕን ብጫን ሕብሪ ብምምልካት፡ እቲ ቐይሕ ኣዚዩ ከቢድ ዝብልን እቲ ብጫ እውን ዘስከፍ ቢሉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ንገዛእ ርእሱ ከም ተህዋስ ብዙሕ ዘሰክፍን ተላባዕን ምዃኑን እዚ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ብብርቱዕ ዝረአየለን ሃገራት ካብ 38 ናብ 62 ክብ ከምዘበላን፡ ኣስታት 67 ሚእታዊ ሕዝቢ ዓለም እዚ ኸኣ 5.2 ቢሊዮን ዝግምት ሕዝቢ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣብተን ከቢድ ቀይዲ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ከምዝኾኑን ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ምስፋሕ ጅሃዳውያን ኣሸበርቲ እውን እምነትካ ናይ ምግላጽ መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር መግለጺ ናይ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ወኪል ኣብ ኢጣሊያ ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ ነቲ ጸብጻብ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከምዘመላኸቱን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ዝርአየለን ተባሂለን ኣብቲ ሰነድ ንፈለማ ግዜ ካብ ዝተጠቕሳ 9 ሃገራት እተን ሸውዓተ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝኾናንን ንሳተን እውን  ቡርኪናፋሶን ካመሩንን ጫድን ኮሞረን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ማሊን ሞዛምቢክን እተን ዝተረፋ ክልተ ኣብ እስያ ዝርከባ ንሳተንን ማለዢያን ስሪ ላንካን ከምዝኾናን ነቲ ጸብጻብ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ናይ ዶሪ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ላውረንት ዳቢረ እቲ ኣብ ሃገሮም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እምነትካ ናይ ምግላጽን መሰልን ክብርን ዝጻረር ዓመጽ ይረአይ ከምዘሎን ንኣብነት ኣብ ሰበኻኦም ዝቐላቐል ዘሎን ጅሃዳውን ዝፍጽምዎ ዓመጽን ኣብዚ ግብረ ዓመጽ እዚ እውን ዝጽንበርዎም ሰባት ብዝተፈላለየ መጋበርያ ብምጥቃም ጐስጓሳት ዘካይዱ ምዃኖም ዝሃብዎ ምስክርነት ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዶኒኒ ሓቢረን።

ምልካዊ ስርዓታትን ሃይማኖታዊ - ዓሌታዊ ሃገራውነትን

ኣብ ዓለም ምልካዊ ስርዓት ልክዕ ከም ሓደ ዝቐትልን ዝሃስይን ተህዋስ እዩ፡ ዓሌታዊ-ሃይማኖተይና ሃገራውነት ኣብ ህንድን ነፓልን ምያንማርን ወይ ከኣ ታይላንድን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአይን ንጌሊኣቶም ደቂ ሃገር ከም ካልይ ዜጋ ዝረኣይሉ፡ እዚ እውን ኣብዚ እዋን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ንዜጋታት ኣብ ዝቀርብ ሓገዝ ከይተረፈ ኣድልዎ ክህሉ ዝገብር እውን እዩ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣብ መደብ ሕንጸት ኣድልዎ ከምዝረአይ እቲ ጸብጻብ ብሰፊሕ ከምዘመላኸተ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

እቲ ጸብጻብ ብወግዒ ንምቕራብ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ፥ ናይቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ቶማስ ሃይነ ገልደርንን ኣብ ኢጣሊያ ናይዚ ማሕበር ጨንፈር ኣቦ መንበር ኣልፍረዶ ማንቶቫኖን ፓኪስታናዊ ፕሮፈሰር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ፓኪስታን ኣቦ መንበር ሻሒብ ሞቢንን ዓለም ሃቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማዉሮ ፒያቸንዛ መደረ ከምዘስምዑን፥ ብጹዕነቶም ኣብ ዓለም ብእምነት ምኽንያት ዝፍጸም ኣሳዶን ዓመጽን ከብቅዕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

22 April 2021, 15:51