2021.03.02 ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ 08 ታሕሣሥ 2020 – 08 ታሕሣሥ 2021 ዓ.ም.ፈ። 2021.03.02 ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ 08 ታሕሣሥ 2020 – 08 ታሕሣሥ 2021 ዓ.ም.ፈ። 

ጸሎት ንዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ-ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ

ፍቁራትን ፍቁራንን ኣባላት ስድራ እግዚኣብሔር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፣ ሎምዘመን እውን፣ ሓደ ዓብይ ህያብ ኣቕሪቦምልና ኣለው። እዚ ህያብ እዚ ካብ ዕለት 8 ታሕሣሥ 2020 ክሳዕ 8 ታሕሣሥ 2021ዓመተ ምሕረት፣ “ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቅ” ይኹነልኩም ዝብል እዩ። ምኽንያት ናይዚ ዓመት ኢዮቤል ድማ ቅዱስ ዮሴፍ፣ ሓላዊ ዓለም ለኻዊት ቤተክርስትያን፣ ተባሂሉ ካብ ዝስመ፣ 150 ዓመት ስለዝመልአ እዩ።
ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝግበር ጸሎ ብድምጺ!
ኣብ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝግበር ጸሎት
ኣብ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝግበር ጸሎት

ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ወንጌል ብዙኅ ኣይተጻሕፈን። እተን ዝተጻሕፋ ውሑዳት ቃላት ግን ዓብይ ትርጉም ዝሓዘላ እየን። መጀመርያ ዮሴፍ ካብ ዓሌት ዳዊት ምዃኑ፣ ሕጹይ ማርያም ከምዝነበረ፣ ኢየሱስ ምስ ተወልደ ከኣ ሕጋዊ ኣቦኡ ኮይኑ ስም ከምዘውጽኣሉን ከምዝተኸናኸኖን ይነግረና። ሄሮድስ ንጉሥ ንኢየሱስ ሕጻን ክቐትሎ ምስ ደለየ፣ ንእኡን ነዲኡን ሒዙ ንግብጺ ከምዝሃደመ፣ ሄሮድስ ምስ ሞተ ከኣ ሒዙዎም ንሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ናዝሬት ከምዝተቐመጠ ይነግረና። ኢየሱስ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ንሠለስተ መዓልቲ ምስ ተሰወረ ዮሴፍ ምስ ማርያም ኮይኑ ከምዝደለዮ፣ ምስ ረኸብዎ ድማ ንናዝሬት ሒዞምዎ ከምዝኸዱ ወንጌል ይገልጸልና። ልዕሊ ኩሉ ግን ዮሴፍ ብሞያ ጸራቢ፣ ከም ሰብ ከኣ ጻድቕ ከምዝነበረ፣ እሞ ከኣ ብሕልሚ ንዝተገልጸሉ ፍቓድ እግዚኣብሔር ሕራይ ኢሉ ዝፍጽም እሙን ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ከምዝነበረ የብርሃልና። ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ነዚ ኩሉ ጽሙቕ ኣቢሉ ከምዚ ዝስዕብ የቕርበልና፣ “ዮሴፍ ሕጹያ ጻድቕ ስለዝነበረ ብኅቡእ ኪኃድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ኬጋልጻ ኣይደለየን። ንሱ እዚ ክሓስብ ከሎ፣ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተራእዮ- ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ካብኣ ዚውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ክትወልድ እያ፣ ንሱ ከኣ ንሕዝቡ ካብ ኃጢኣቶም ኬድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ-” (ማቴ 1:19-21) በሎ።

ኣብዚ ተዋሂቡና ዘሎ ዓመት ጸጋ ወይ ኢዮቤል እምበኣር፣ እንታይ ንግበር? ከመይከ ነብዕሎን ንጠቐመሉን? ንዝብሉ ሕቶታት ክንምልስ ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ኩሉ ነዚ ዕድል እዚ ልብና ከፊትና ብምስጋና ንቀበሎ። ነዚ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስን ካልኦት ሽግራትናን ዝጸርግ እዮቤል ክገብረልና ኣብ ጸሎት፣ ምህልላ፣ ጾም፣ ምጽዋት፣ ንጸመድ። ካልኣይ ንቅዱስ ዮሴፍ ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ንጽዓር። ነዚ ዝሕግዘና ኣቦና ፍራንቸስኮስ ዝጸሓፍዋ፣ ብኣባታዊ ልቢ ዘርእስታ ሰነድ፣ ብክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ዘማኅበረ ንኡሳን ኣኃው ካፑቺኒ ናብ ትግርይና ተተርጒማ እንሆት ቀሪባትልና ኣላ። ዝተማልአ ርድኢት ምእንቲ ክህሉ ከኣ፣ ንዝደልዩዎ እቲ ሰነድ ብቋንቋ እንግሊዝ እውን ድሕሪ እቲ ትግርይና  ተኃቲሙ ኣሎ። ነባ ኣማኑኤል ድማ ስለትግሃትብም ብስመይን ብስም ኲላቶም ኣንበብትን ብልቢ ኣመስግኖም።

ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቕ፡ ዓመት ሰላምን ፍትሕን፣ ዓመት ዕርቅን ምሕረትን፣ ዓመት ራህዋን መንፈሳዊ ዕብየትን ክገብረልና እናለመንና፣ ወርኂ መጸ ብዕለት 26 በቆጻጽራ ግእዝ፣ ብፍሉይ መንገዲ ንክብሪ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዜማ መስዋዕተ ቅዳሴ ብትግሃት ክንሳተፍ፣ ምሥጢራት ክንቅበል፣ ከምኡውን ፍሉይ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ክንገብር ንጽዓር። ከምቲ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝብሉዎ ዮሴፍ ጻድቕ፣ 1)ተፈታዊ ኣቦ ፣ 2) ደንጋጽን ኣፍቃርን ኣቦ  3) ተኣዛዚ ኣቦ፣  4) ሕራይ በሃሊ ኣቦ፣  5) ተበላሓትን ተባዕን ኣቦ፣ 6) ጻዕራም/ሰራሕተይና ኣቦ 7) ጽላሎት ሰማያዊ ኣቦ ኮይኑ ንመድኃኔ ዓለም ዝተኸናኸነ ኣቦ፣ ስለዝኾነ፣ ኩልና ብፍላይ ከኣ ኣቦታት ስድራቤትን፣ ኣቦታት ነፍሳት ካህናትን፣ ኣሰር እዚ ቅዱስ እዚ ክንስዕብ ንዕደም ኣሎና። ቅንዕና፣ ትሕትና፣ ሱቕታ ቅዱስ ዮሴፍ፣ ንኩልና ዝምህረና ዓብይ ትምህርቲ ኣለዎ እሞ፣ ሃየ ንከተሎ፣ ንምሰሎ። ንሱ ድማ ከም እሙንን ሓላዪን ኣቦ ዘድልየና ጸጋታት ካብ  መድኃኔ ዓለም ወዱ ክልምነልና እዩ። ካብ ንሥጋና ኮነ ንነፍስና ዝጎድእ ሓደጋ እውን ክከላኸለልና ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ከምቲ ንኢየሱስን ማርያምን ክሳዕ ግብጺ ወሲዱ ብድኃነ ሰላም ንዓዶም ዝመለሶም ሎሚውን ንኲሎም ስደተይናታት ጽላል ክኾኖም፣ ኣብ መጨረስትኡ ድማ፣ ፍትሐይና ሰላምን ቅሳነትን ረኺቦም ናብ ማሙቚ ገዝኦም ከብጽሖም ንለምኖ።

ንኩልና ቡሩኽ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ይግበረልና። ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

02 March 2021, 12:32