ሂንደር፥ የመን ኣብ ድነ ሞት ሂንደር፥ የመን ኣብ ድነ ሞት 

ሂንደር፥ የመን ኣብ ድነ ሞት

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፥ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ

ንየመን ትስፍው መጻኢ ንምቕራብ ዝሓለነ ናይ ለገስቲ ሃገራት ጉባኤ ዕለት 1 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ጀነቨ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘካየዳሉ ዕለት፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ህልው ኩነታት የመን ጽንኩርን ሕዝቢ ንጥምየትን ንስእነት ሰላምን ምርግጋእን ድሕንነትን ተቓሊዑ መጻኢ ናይታ ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘፍርሕ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝአካየድዎ መቃበለት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ የመን ውግእ ካብ ዝባራዕ ሻድሻይ ዓመት የቑጽር ምህልዉን እዚ ኵነት እዚ እታ ሃገር እዚዩ ንዝተሓላለኸን ንዘስካሕክሕ ሓደጋ ተቓሊዓን 2 ሚሊዮን ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ልዕሊ 4.3 ሚሊዮን ሕዝቢ እታ ሃገር ከምእተመዛበለን ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ እታ ሃገር 24.3 ማለት እቲ 80 ሚእታዊ ዝሽፍን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኮይኑ ኣሎ። 66 ምኢታዊ ዝሽፍን ሕዝቢ እታ ሃገር ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሳላ ዝቐርበሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ይነብር ከምዘሎን ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝቐርብ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝንገር።

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፥ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ለገስቲ ሃገራት ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ዘድሊ እቲ ፍርቂ ጥራሕ ከምዝለገሳን 1.5 ቢሊዮን ዶላር ከምዝጐደለን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሰፍሕን ኾሮና ተህዋስ ኣዚዩ ይላባዕን ከምዘሎን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና 2.123 ዜጋታት ብለብዒ ኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን 616 ድማ ከምዝዓረፉን ኣብታ ሃገር ናይ ሞት መጠን ብ29 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ካብቲ ኣብ ሁቲ ዕጡቓት ሓይሊ ኢድ ካብ ዝኣተወ ዞባ ማሪብ ዝመዛበል ዘሎ ብዝሒ ሕዝቢ ክብ ይብል ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ እቶም ዕጡቓት ሓይልን እቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተፈላጥነት ናይ ዘለዎ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻ ብርቱዕ ውግእ ይካየድ እውን ከምዘሎን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ውድብ ነቲ ሕዝቢ ሓገዝ ንምቕራብን ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ዘኽእል ናጻ መተሓላልፎ ክኽፈት ዝጠልብ ጽዋዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሂንደር ሓዋርያዊ መስተናብር ንዞባ ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናይ ሕዝቢ ስቓይ ድምጺ ብምዃን ሕዝቢ ብጥምየትን ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት መውሃብን ብውግእን ዓመጽን ክትግምቶ ኣብ ዘይከኣል መዓት እዩ ዝርከብ፡ ካብቲ ጸገም ዘላቕቕ መገዲ ዘይረኣየሉ ኩነት ከምዘሎ የመላኽቱ።

ሕድሕዳዊ ምትእምማን እውን ስለ ዘየለ፡ ኣብ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ባይታ ክብጻሕ ዝከኣል እውን ኣይመስልን እቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ፖለቲካዊ መፍትሒ እንተድኣ ዘይረኸበ ከብቅዕ እዩ ቢልካ ምሕሳብ ክውንነት ኣይኮነን፡ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝቢ ኣብ ምድጋፍ ዝከኣላ ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም፡ ኣብ ሰንዓ ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛን ከምኡ እውን ናይ ፖላንድ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ካሪታስ ብዘለዎ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ረድኤት ማሕበራት ብምትሕብባር ይዓዪ ከምዘሎ ሓቢሮም ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ የመን ውግእ መፍትሒ ንኽርከቦ ኣበርቲዑ ክዓዩ እምሕጸን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 March 2021, 16:14