ናይ ኤል ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ : ዕለት 24 መጋቢት መዓልቲ ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል ናይ ኤል ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ : ዕለት 24 መጋቢት መዓልቲ ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል 

ዕለት 24 መጋቢት መዓልቲ ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል

ልኡካነ ወንጌል ሕይወት ምስ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ዘጣመሩን ምስቲ ኣብ ብስራተ ወንጌል ንዝረኸብዎም ሕዝብታት ሓድሽ ሕውነት ንምስራጽ ብስም ክርስቶስ ዝሓርይዎ ሕይወት ክሳብ ሕይወቶም ኣብ መስቀል ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝመርሖም እውን ክኸውን ከምዝኽእልን

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሕብሮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ልኡካነ ወንጌል ዝፍጸም መቕተልቲ ክብ ከምዝበለ ክሕብር እንከሎ፡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 24 ሚይዝያ ኣብ ሳን ሳልቫዶር መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሊቀ ጳጳስት ቅዱስ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ዝክረ ሰማዕትነት ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል ኣተሓሒዛ እትዝከረሉ ዕለት ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ ናይ ለምዘበን ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰማእታት ምስ ኢትዮጵያ ህልው ኩነታት ዝተተሓሕዘ ክኸውን ከምእተወሰነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተጠናነገ ሕይወት”፥ እዚ እቲ መበል 29 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ንዝኽሪ ሰማእታት ልኡካነ ወንጌል መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ በቢ ዓመቱ ዕለት 24 መጋቢት ኵላዊት ቤተ ክስቲያን ዓመታዊ ዝክረ ሰማዕትነት ናይ ኤል ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ ምስ እተብዕለሉ ዕለት ኣጣሚራ እትዝክሮ ዕለት ከምዝኾነን፡ ኣርኑልፎ ዕለት 24 መጋቢት 1981 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ዝተቐትሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ሰማዕትን እምነት ናይቲ ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምሃብ ዝብል ክርስቶሳዊ ሕይወት ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ እዮም። ልኡካነ ወንጌል ሕይወት ምስ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ዘጣመሩን ምስቲ ኣብ ብስራተ ወንጌል ንዝረኸብዎም ሕዝብታት ሓድሽ ሕውነት ንምስራጽ ብስም ክርስቶስ ዝሓርይዎ ሕይወት ክሳብ ሕይወቶም ኣብ መስቀል ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝመርሖም እውን ክኸውን ከምዝኽእልን ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ሕይወቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ እያቶም። ዕለት 24 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ “ዝተጠናነገ ሕይወት ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣርእስቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዓውደ ርክብ ክካየድ ከምዝኾነን ድኽነትን ውጥረትን ኣብ ልዕሊ እዚ ኮቪድ - 19 ብዙሕ ንኸቢድ ጸገም ኣብ ዝዳረጉላ ሃገር ናይ ሮማ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ንመንእሰያት ናይ ሕንጸት መደብ ብምቕራብ፥ ናይ መንእሰያት ናብ መናብርተ ጥበብን ናብ ስራሕ ዓለም ናይ ምእትው ዕድል ክብ ንምባል ናይ ስነ ዕደ ጥበብ ሕንጸት ዘቕርብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ ኣብ 2020 ዓ.ም. 20 ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ ከምእተቐትሉን

ሰማዕታት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣዚዩ መሪር ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ክምዝኾነን ብመስረት እቲ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ እዋናዊ ሓበሬታ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም 20 ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐትሉን፡ ካብኣቶም እቶም ሸሞንተ ካህናትን ሓደ ገዳማዊ ሰለስተ ደናግልን ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን እቶም ሽዱሽተ ከኣ ዓለማውያን ምእመናን እያቶም፡ መብዛሕቲኦም ብቑጽር ከኣ እቶም ሸሞንተ ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝተቐትሉ ከምዝኾኑን መግለጺ ፊደስ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ 2000 ዓ.ም. ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ብጠቕላላ ሓሙሽተ ኣቡናት ዝርከብዎም 535 ናይ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ልኡካን ከምእተቐትሉን የመላኽት።

ብሔራዊ መንእሰያት ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ዋና ጸሓፊ ጆቫኒ ሮካ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ዘይኮነ ምስ ናይ ሕዝብታት ባህልን ሃይማኖትን ምርኻብ ዝብል ሕድ ሕዳዊ ርክብን ዘተን ዘተባብዕን ናብቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝብል እዩ። ብጸላእቲ እምነት ኢድ ዝፍጸም ናይ ደም ሰማዕትነት ናይቲ ሓቀይናን ሰብኣውን ጭቡጥን እምነት ሳዕቤን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሰማዕትነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እምነት ብቓልን ግብርን ብምምስካር ንእግዚኣብሔር እሙን ኣብ ምዃን ዘኽፍልን ኣብ ልዕሊ ሞትን ጸልማትን ሕይወትን ፍቕርን ሰዓሪ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ዝበሉ ሮካ ኣስዒቦም፥ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቕደስ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ማሕበር መንእሰያት ልኡካነ ወንጌል ናይቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ብዝቖመ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ዝጥርነፍ ክኸውን እንከሎ፡ ናይዚ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል መሰረት እቲ ናብ ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።

23 March 2021, 12:25