ብዓለ ልደት ታሕሣሥ 29 2013 ዓ.ም. (01/7/2021)

ምስባክ፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፦27~28። 1. የሓዩ ወይህብዎ እምወርቀ ዓረብ፥ ወዘልፈ ይጸልዩ በእንቲአሁ፥ወኵሎ አሚረ ይድኅርዎ “ካብ ሸባ ወርቂ ይህብዎ፥ ኵሉ ጊዜ ምእንትኡ ይጸልዩ፥ በረኽት እግዚአብሔር ድማ ዅሉ ሳዕ ምስኡ ይዅን” መዝ። 72፡15 2. ምስለከ ቀዳማዊ በዕለተ ኃይል፥ ብርሃኖም ለቅዱሳን፥ ወለድኩከ እም ከርስሥ እምቅድመ ኮኮበ ጽባሕ፥ መዝ.109፡3።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሎሚ መድሓኒ ክርስቶስ ተወሊድልኩም አሎ።

ንባባት፡ ዕብ 1፡1-6፥ 1ዮሓ 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 13፡16-22፥ ማቴ 2፡1-13

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመትን ልደትን ንኹልኹም እንቋዕ አብዚ ድርብ ብዓልን ቅዳሴ ምስጋናን ልመናን እነዕርገሉ አብጽሓና እብል። አምላኽ ይመስገን ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ክንሓስቦን ክንገብሮን ዝግብአና ንዝሓለፈ ገምጊምና ንዝመጽእ ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንጅምር እንውስነሉ ጊዜ እዩ። ነዚ ክነተግብር ምእንቲ ክንወስዶ ዝግብአና ነገራት አሎ። ጎርጎሮሳዊ አቆጻጽራ አብ እዋናት ልደት ስለ ዝጅምር ፍሉይ ትርጉም ክውሃቦ ይክአል ማለት ሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስን ተበግሶን ምስ ክርስቶስ ክትጅምሮ ምሕሳብ። ንዝጅመር ዓመት ብመብጽዓን ልመናን አብ ትሕቲ ኢየሱስ ክትጅምሮ ከሎኻ ፍሉይ ትርጉምን ዓወትን አልኦ።

ልደት መድሓኒ፤

፩  ዕርቂ አምላኽን ሰብን ዝተፈጸመሉ ዕለት። አምላኽ ንሰብ ከድሕን ምስ ደልየ ግዚኡ ምስ በጸሐ አብ ቤተልሔም ካብ ድንግል ተወሊዱ። እዚ ኹሉ ንሕና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክሕደስ ኢሉ ገበሮ። አምላኽ ሰብ ኮነ ዝዓበየ ምስጢር እምነትና እዩ። ብርድኢት ሰብ እዚ ክትበጽሖ ከቢድ እዩ። እዚ ግን ፍቕሪ አምላኽ ንሰብ ከምኡ ሰብ ክቡር ፍጡር አምላኽ ስለ ዝኾነ ዋጋ ድሕነቱ አምላኽ ባዕሉ መጺኡ ከምኡ ኮይኑ ፈጽምዎ። ልደት ንአና ፍሉይ ትርጉም ከምዘልኦ አብቲ አብ ሕይወትና እንኽተሎ ጉዕዞ ክርአ ይግባእ። ሎሚ ድሕሪ 2000 ዓመት ክነብዕል ከሎና እንሕተቶ ነግር አሎ ማለት ሎሚ ኢየሱስ አብ ልበይ አብ ርክባተይ አብ ኩሉ አነ ዝገብሮ ነገራት ናይ ልደት ሓጎስ ከንጸባርቕ አልኦ። እቲ አምላኽ ብሂጉ ዝፈጠሮ ሰብ ሎሚ እውን ክጠፍእ ድላዩ አይኮነነ። ነዚ ክንዝክር ምእንቲ ልደት ነብዕል።

፪  ልደት ፍሉይ ትርጉም ዝውሃቦ ሰላም ዘምጽእ ምዃኑ እዩ። ቀዳማይ ፍረ ልደት ክርስቶስ፥ ሰላም እዩ አብ ሰላም ክልተ ተጻረርቲ ዝነበሩ አብ ዕርቂ ይቐርቡ እሞ ሓዲስ ርክብ ይፈጥሩ እዚ እዩ ሎሚ አብ መንጎናናን አብ መንጎ አምላኽናን ክንበጽሖ ዝድለ ዘሎ። መላእኽቲ ሰማይ ነቶም ጓሶት ከበስርዎም ከለዉ ናይ ሓጎስ ብስራት ሒዞም ከም ዝመጹ እሞ ንኹሉ ዝኸውን ብስራት ምዃኑ እዮም ገሊጾምሎም። “ክብሪ ንአምላኽ አብ እርያም ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ”። ሰላም ንሕይወት ወድሰብ ፍሉይ ትርጉም ይህቦ ምስ አምላኽ የራኽቦ ኩንታቱ ክፈልጥ ባይታ ይፈጥረሉ። ሰላም እንተሎ ኩሉ አሎ ምዕባሌ፥ ሓጎስ፥ ስኒት፥ ነጻነት አሎ።

፫  ልደት ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ይኸፍተልና። አምላኽ ስለ ዝተዓርቀና ሓዲስ ምዕራፍ ሒዝና አብ መንገዱን ትምህርቱን ክንጸንዕ ሽዑ መልእኽቲ ልደት ናብ ኩሉ ሰብ ክነብጽሕ። ጋሻ ክቡር እዩ አብ ቅድሚኡ ስሩዕ ሕይወት ሒዝና ኢና እንጉዓዝ። ዝዓበየ ጋሻና ክርስቶስ እዩ አብ ርክባትና አብ ኩሉ ሕይወትና ቦታ እንተ ሂብናዮ ጣዕሚ ልደት ክንፈልጦ ኢና። ዘመና ክብሪ ሰብ ጎዲልዎ ንንብረት ቀዳምነት ዝውሃበሉ እዋን በጺሕና አሎና። ልደት ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ነቲ ግጉይ መገዲ ሓዲግና አብ ቅኑዕ ክንምለስ ዝዕድመና እዩ።

፬  ልደት ምስ ህያባትና ነብዕሎ። ጓሶት ህያባቶም ሒዞም ናብ ሕፃን ኢየሱስ ከይዶም ዘልኦም ህያባት አቕሪቦም ንመድኃኔ ዓለም ቀዳሞት አጋይሹ ኮይኖም በጺሖሞ። ልደቱ ምስ ተነግሮም ውዓል ሕደር አይበሉን ልቦም ህያባቶም ኩሉ ሂቦሞ ንዝተነግሮም ብምልኡ ተቐቢሎሞ አመስጊኖም። ናይ ሰብ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ልቢ እዩ ህያብ ካብ ልቢ ነቒሉ ምስ መጸ ንፍቕርን ነቲ ዘሎና ርክብን ይገልጽ። ኢየሱስ ናይ አምላኽ ህያብ ንአና እዩ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ። ካብ ኢየሱስ ዝዓቢ ህያብ የለን። ህያብ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጊዜ ዘዘኻኽሮ ነገር አልኦ ማለት ንሱ መን ምዃኑ ካባና እንታይ ከምዝደሊ ብፍሉይ ልደቱ ክንዝክር ከሎና ዘዘኻኽሮ ነገር አሎ። እምብአር ተቐበልቲ ህያብ አምላኽ ክንከውን መጀመርታ። ገለ እዋን ትርጉም ህያብ ከይንፈልጦ ንኽእል ኢና ስለዚ ዝግብኦ ክብርን ምስትውዓልን ክንህቦ ይግባእ።

ኢየሱስ ቅድሚ ምውላዱ አብ ኢየሩሳሌም ዮሴፍን ማርያምን ዝሓድሩሉ ቦታ ደልዮም ንብዙሓት መዕረፍ አጋይሽ ዝነበሮም ሓቲቶም ግን ዝቕበሎም ዝህቦም አይረኸቡን በዚ ኸአ መድኃኔ ዓለም ገዛ ማሕደር ክህብዎ ስለ ዘይክአሉ አብ መብልዕ ማል ተወሊዱ። አምላኽ አብ ቤትና አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ክበጽሓና ምሳና ክኸውን ብዝተፈላለየ መገዲ ይመጽአና እዩ። እሞ ንቕበሎዶ ወይስ ጊዜ የብለን አይጥዕመንን እናበልና ንበረኸት አምላኽ ነሕልፎ። ሎሚ እምብአር ንአምላኽ አብ ገዛና አብ ሕይወትና እንቕበለሉ ጊዜ እዩ። ክሓልፍ አይንሕደጎ ንቀበሎ። አብ ቤተይ አብ ልበይ እቶ ኢልና ነቲ ኹሉ ዝዓግት ክፍአትና አንጺሕና ንቀበሎ ሽዑ በረኸት ሰላም ምሕረት ሒዙ ክአትወና እዩ።

ምስ ህያባትና ክንበጽሖ። ካባና ዝድለ ዘሎ ህያብ ህያብ ሕይወት እዩ ልብና ርክብና ኩሉ ብናቱ መንፈስን መንገድን ክንመርሕ እንከሎና ዝዓበየ ህያብ እዩ። አብ ልደት አምኃ እነቕርቦ እምብአር ሕይወትና እዩ። መድሓኒ ተወሊዱ ስለ ዘሎ መለለይኹም ፍቕሪ፥ሓልዮት፥ምክብባር ክኸውን ይግባእ። ካብቲ ወዲቕናዮ ዘሎና ድኽመት ተንሢእና ሎሚ ናብ ክርስቶስ ገጽና ንበገስ ንዑናይ አብ ቤት አምላኽ፥ ንዑናይ አብ ፍቕሪ፥ ንዑናይ ንዝተባእሱ ክንዓርቕ፥ ንዑናይ አብ ዝሓዘኑ ንዑናይ አብ ዝሰኣኑ. . . . . . እናበልና ልደትና ነብዕል።

ልደት መድኃኒና ክንዝክር እንከሎና እምብአር ንስለ ዝኽርን ብዓልን ዘይኮነ ብሓቂ አብዓልቲ ምስጢር ልደት ክንከውን እሞ ንኢየሱስ አብዛ ጸገምን ሕማምምን ሞትን ስቓይን ዝመልአ ዓለም ክሕድሰልና ክልውጠልና ሓደ ልቢ ኮና ንቀበሎ። ንኢየሱስ ምቕባል ናይ ሓደ ክልተ ጉዳይ አይኮነን ናይ ምሉእ ውሉደ አዳም እዩ። መላእክቲ ሎሚ ኢየሱስ አብ ማእከልኩም ተወሊዱ አሎ እሞ ሰላም ፍቕሪ ዕርቂ ግበሩ እናበሉ ይነግሩና አለዉ። ቤተ ክርስትያን ብአፍ አቦና ፍራንቸስኮስ ገራ አብ አምላኽ ክንምለስ ለይትን መዓልትን ትምህጸነና አላ። ሰማዒ እዚ ሂብና ንዑናይ አብ ኢየሱስ እናበልና ነነድሕድና ነበራብር። ልደት ናይ ግሊ ብዓል አይኮነን ስለዚ ሓደ ካባና ተገሊሉ ክተርፍ የብሉን እሞ ኩልና አብ ኢየሱስ ንቕረብ ሽዑ ብጸግኡ ክንሽለም ኢና።

ሓዲስ ዓመት ጎርጎሮሳዊ ሓስብ ጀሚርና አሎና። አምላኽ ይመስገን ብጸግኡ ዓመት ወዲእና ናብ ሓዲስ ዓመት ሰጊርና አሎና። ኩሉ ጊዜ ክንሓስቦ ዘሎና አምላኽ ሓላዪ እዩ ጊዜ ክህበና እንከሎ ብዝያዳ ምስኡ ዘሎና ርክብ ክነጣጥሕ ኢሉ እዩ። ንሰማይ ዝኸውን መንገዲ ክነቅንዕ ምእንቲ፥ ካብዝሓለፈ ተማሂርና አብ አምላኽ ክንምለስ ፍሉይ ዕድል ዝኸፍት እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ከመይ አሕሊፈዮ አብ ምንታይ ደኺመ ተጋግየ ወዲቐ እናበልና ንሕልናን እንሓቶ ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ኸአ ብኸመይ ክጅምሮ እናበልና መደብ እንገብሮ እዋን እዩ። ንሕይወትና ክንርኢ ክንሓትት አድላዪ እዩ። ርክባትና ፍቕርና ምስ ሰብን አምላኽን ኩሉ ጊዜ ክንግምግሞ ይግባእ። ሎሚ ነዚ ሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስ ክንጅምሮ ንአጀማሪ አምላኽ ሒዝና ንጀምር ሽዑ ኩሉ ክበርሃልና እዩ።

ዓመት ቆጺሩ ክመጽአና የብሉን፥ አብ ሕልናና አቲና ዝተቐየምናዮ እንተሎ ዕርጊ ምሕረት ክንገብር፥ ዝወደቕናዮ ዓቢ ኃጢአት እንተሎ አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ክንስሓሉ፥ ብዝኾነ ምኽንያት ንኻልኦት ካብ መገዲ አምላኽ ዘርሕቕ ገርና እንተ ኾነ እቕረታ ሓቲትና ዕርቂ ሰላም ክንገብር ኮታስ ብምልኡ ሕይወትና ክንቅይር እሞ አብ ሰላምን ፍቕርን ዝመልኦ ሓዲስ ዓመት ክንአቱ።

ዝሓለፈ ዓመት ብብዙሕ መዳያቱ ፈታንን በዳህን ኩነታት ዘሕለፍናሉ እዩ። ዓለም ብምልኡ ብለመዳ ሕማም COVID –19 ተለቢዑ ብዙሓት በብሃገሩ ዝሞቱሉን ዝተሳቐዩሉን፥ ሰብ አብ ገገዝኡ ንዓመት ዳርጋ ተዓጽዩ ርክብ ከይገበረ እቲ ቅዳሴን ጸሎትን እኳ ክግበር ተአጊዱ ፈታኒ ዓመት እዩ ነሩ፥ ምስኡ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብን ብግልን ብሓባርን ቁጠባዊ ማሕበራውን ጸገማት ዘሕለፍናሉ እዋን እዩ ነሩ። ንድሕሪት ጥምት አቢልና ንኹሉ ጸገማት ሰጊርና አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንአትወሉ እምብአር አብ አምላኽ ክንቀርብ ሕይወትና ክንሕድስ እዋኑ እዩ። ልደት ክርስቶስ ንጸልማት ዝቕንጥጥ ራህዋ ሰላም ዘውርድ እዩ እሞ ብምሉእ ልብና ልደትና ነብዕል።

ከም አሕዋት ኩነታና ብፍላይ እምነትና ፍቕርና ክንግምግም ግቡእ እዩ። ልብና ተቐይሙ ክሑሩ እንከሎ ዓመትና አይንጀምሮ፥ ንፍቕሪ ንሰላምን ሕድገትን ደፋት ንኹን፥ ብርግጽ ሥጋናን ሰይጣንን ንድላይ አምላኽ ከይንገብር ዝረባረቡና እዮም ስለዚ ጸሎትን ጸጋን የድልየና ስለዚ ንስሓ ንእቶ ንአምላኽ ምሓረኒ እናበልና ንሓውናን ሓፍትናን አፍደገ ሰማይ ከይንዓጽወሎም ትሕትና ገርና አብ ምሕረት አቲና ዓመትና ንጀምር። ነፍስወከፍ ንዘልዎ ሓላፍነት ክስከም አልኦ። አብ ስድራበታት አብ መንጎ ሰባት ብሓባር ክንርኢ አሎና።

ሓዲስ ዓመት ጎርጎሮሳዊ አቆጻጽራ አብ ዝጅምረሉ እዋን ብፍሉይ ማርያም አደ አምላኽ ብዝብል ይጅምርዎ። ማርያም ጣዕምን ፍቕርን ወዳ ዘስተማቐረት ክትዝከር እንከላ ንምጅማር ዓመት ፍሉይ ትርጉም ይህቦ። ኩሉ ምስ ማርያም ክንጅምሮ ከሎና ብዙሕ ዓወት አልኦ ንሳ ንአምላኽ እሺ ዝበለት ድላያ አብ ድላይ አምላኽ ዘወሃሃደት ስለ ዝኾነት ምስ ማርያም ምዃን ንእምነትና የበራብሮ። አደ አምላኽ ምዃና ፍሉይቲ ይገብራ ክርስቶስ ባዕሉ አደኹም እያ ኢሉና እዩ እሞ ሎሚ ደቂ ማርያምን ኢየሱስ ኮና ጉዕዞ ሓዲስ ዓመት ብምሉእ ተስፋ ምስ አደ ተስፋ ዝኾነት ማርያም ንዘጀምሮ። ፍቕሪ ወድኺ ምሃርኒ ኩሉ ክጉዓዞ ዝግብአኒ መንገዲ አብርህለይ ነዚ ዓመት ካባኽን ካብ ወድኽን ከይፍለ ሓግዝኒ እናበልና ንለምና።

አምላኽ አብ ልባትና ተወሊዱ ነዚ እንጅምሮ ዓመት ዓመት ፍቕርን ሰላምን ዓመት ዓወትን ስኒትን ይግበረልና። ብፍሉይ ምእንቲ ዓድና ጸሎት ክንገብር ይግብአና ፖሎቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ አብዚ እዋን ፍሉይ ጸሎት የድሊ አሎ አምላኽ ንኹሉ ክቕይረልና ምስ ማርያም ኮና ተዓረቐና ንበሎ።

ብሩኽ ልደት ገሩ ንኹሉ ስቓይና ይአክል ክብለና ንዘሎ ውፍእን ወረ ውግእን ብጸግኡ ቐይሩ ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ዘውርድ ልደት ይግበረልና።

ብሩኽ ብዓለ ልደት ንኹልና።

አባ ንጉሠ ፍሥሓ

06 January 2021, 21:02