፪ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 23 2013 ዓ.ም. (01/30/2021)

መዝሙር፡ እሙነ ኮነ ልደቱ. . . . ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ልደት ሓቂ እዩ፥ ልደቱ ብሓቂ ኮይኑ እዩ፥ ካብ ሰማያት ወሪዱ ብመላእኽቲ ተመስጊኑ ካብ ማርያም ተወሊዱ፥ አብ ቤተልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ ብግሁድ ከአ ተገልጸ፥ ንሱ አኽሊል ናይ ሰማዕታት መድኃኒ ነገስታት ጓሳ አኅዛብ እዩ። እሙን ኮነ ልደቱ ብርሃን ኮነ ምጽአቱ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮን. 1፡10-17፥ 1ዮሓ. 2፡22-ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡2-28፥ ማቴ.4፦12-23።  ስብከት፡ እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ ግበሩ ብዓለ በትፍሥሕት በኃበ እለ ያስተሓምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምስዋዕ።

ልደት ክርስቶስ ብሓቂ አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ ዝተማህዘ ወይ ሰባት ክጥዕሞም ኢሎም ዝፈጠርዎ አይኮነን። ናይ ብሓቂ ኮይኑ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክአምኑ ዝተሓርዩ እዮም። ክርስቶስ አብ ታሪኽ ነሩ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ዕለታዊ ሕይወት ይነብር ነሩ እዚ ኸአ ንሕና ናቱ ክንከውን እሞ ምስኡ ሓድነት ክህልወና ምስ አምላኽ ክንዕረቕ ንማለት እዩ። ነዚ እሙን ነገር ተቐቢልና ክንለብሶ ንካልኦት ክነግሮ ናትና ግደ እዩ። ንሱ መገዲ ድሕነት ገሊጹ አርእዩና እዩ ስለዚ ንቀበሎ ንእመኖ።

21 ጥሪ አስተርእዮ ማርያም ዝብዓለሉ እዋናት እዩ። ምስቲ ናይ ክርስቶስ ግልጸት አተሓሒዝና እነብዕሎ ስለ ዝኾነ እዩ አስተርእዮ ማርያም እንብሎ። ማርያም እታ መጀመርታ ናይ ክርስቶስ አምላኽነት ዘስተማቐረት ስለ ዝኾነት ክትዝከር ግቡእ እዩ። አምላኽ ብአአ አቢሉ አብ መንጎና ኃደረ በዚ ኸአ ድሕነት ተፈጸመ፥ አብ ጸሎትና ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል እናበለና ብማርያም አቢሉ ዝመጽአ ድሕነትና ነስተንትን። አምላኽ ነቲ ብወዱ ዘምጽአልና ድሕነት ነፍሲ ወከፍና ንከማና ዝመስሉ አሕዋትና ከም ዝሳተፉ ክንገብር ክንልአኾ ይደልየና፥ አሰር ማርያም ተኸቲልና ሕራይ ክንብሎ አምላኸይ ክልአኸካ ፍቓደኛ እየ ልአኸኒ ኢልና መልእኽቲ ድሕነት ነብጽሕ።

ማርያም ብአምላኽ ተሓርያ አነኸ አይተሓረኹን እንድየ። ቅ. ጴጥሮስ አብ መልእኽቱ ነዚ ክምልሰልና እንከሎ ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይ እቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ኃሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ሕዝቢ፥ ጥሪት አምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም (1ጴጥ 2፡9) እናበለ ናይ ሓደ ክርስትያን መንነት ይገልጸልና፥ ስለዚ ንሕና ውን ምስ ማርያም ዝተሓረና ኢና። 

ሕርየትካ አለሊኻ ምኽአል

ንባባትና ብዛዕባ ናይ አምላኽ መጸዋዕታ፤ ሕርየት ይዛረቡ፥ መጸዋዕታ ናይ ውሑዳት ሰባት ወይ ህዝቢ ጥራሕ አይኮነነ። ኩልና ብዝተፈላለየ መንገዲ አምላክ ይጽውዓና እዩ። ሓደ እዋን አብ ጋዜጣ ሰንበት ብዙሕ ምልክታ ወጺኡ፥ ናይ ሓኪም ስእሊ፥ ናይ ጠበቓ፥ ሙዚቀኛ፥ ወተሃደር ውዘተ ዘልኦ ወጺኡ። አብ ትሕቲኡ ብዓቢ ቀለም ዝተጻሕፈ “ጸዋዕታ፥ ካብዚ ኩሉ ሓደ እንተ ዘይብለይካኸ” ዝብል ነበሮ። ነዚ ዘንበበ ሓደ መንእሰይ ከምዚ ክብል ይስማዕ አነ ንመጀመርያ ጊዜ እየ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ሕጉስ ዘይኮንኩ። አብ ቤት መግቢ ምስአቶኹ ክልተ ዓይነት ሰብ ጥራሕ ከም ዘለዉ ክርኢ ክኢለ፥ እቶም ጸዋዕታ ዘልኦምን እቶም ዝተረፍና ዘይብልናን። እቶም ቀዳሞት ጋንታ አበይ ከም ዝኸዱን ከመይ ገሮም አብኡ ከም ዝበጽሑን ይፈልጡ። ከም ዝመስለኒ ሕይወቶም ዓላማ ዘልኦ አብዝን አብትን ዘይብል፥ ሃብታምን ምሉእ ርግጽነት ዘልኦን ምሉእን እዩ። ንርእሰይ አነጻጺረ ምስ ረአኽዎ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበልኩ አብ ካልእ ቦታ ዘሎኹ ኮይኑ ተሰሚዒኒ፥ ከም ሓደ አረጊት ክዳን ምስ ዝኾነ ዘይሰማማዕ ኮይኑ ተራእዩኒ፥ ይብል አብዚ እንርእዮ እዚ መንእሰይ ካብ ኩሉ አብ ሓደ ከም ዘይተጸውዔ ገሩ ንነፍሱ ገሚቱ። እንተኾነ ዝኾነ ሰብ ንሓደ ነገር ከይፈተነ አነ እዚ አይናተይን እዩ ክብል የብሉን። ንአእምሮና ክቕበል ጊዜ ክንህቦ ይግባእ፥ ክንሓስበሉ እሞ ሽዑ ነቲ ናትና ዝንባሌን ጸዋዕታን ክንፈልጦ ንኽእል።

ብዙሓት አምላኽ ከም ዝጸውዓኒ ከመይ ገረ እፈልጥ? ጸዋዕታ ንፍሉያት ሰባት ጥራሕ ዘይኮነን? እናበሉ ዝዛረቡ አለዉ እንተ ኾነ ቅ. መጽሓፍ ከም ዝነግረና ጸዋዕታ አብርሃም፥ ሙሴ፥ ዳዊት፥ ሳሙኤል ኩሎም ነብያት፥ ማርያም፥ ሓዋርያት ቅ. ጳውሎስ . . . . . ብመደብ አምላኽ እምበር ባዕሎም ዝመረጽዎ አይኮነን። እግዚአብሔር እዩ ዝጽውዕ ሰብ ከአ ንመጸዋዕታ አምላኽ ይምልስ። ብዙሓት ነቲ መጸዋዕታ ነጺጎም ጓል መገዲ ይመርጹ እሞ ሕይወት ትርጉም ይስእኑሉ ወላ ብሃብቲ ዓለም ርቡሓት እንተ ኾኑ፥ ነመጸዋዕታ አምላኽ ክምልስ ዝኽአለ ሕጉስ ሰላም ዝነገሶ ሕይወት ይነብሩ። እዚ አብ ሕይወት ብዙሓት ቅዱሳን ዝረአናዮ እዩ። እንተ ኾነ አብቲ ዝተጸዋዕካሉ ፈተና ጸገም የለን ማለት አይኮነ ኩሉ ጊዜ ነቂሕካ ጸዋዕታኻ ምሕላው የድሊ። ጸዋዕታኻ ክተለሊ ንአምላኽ ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ። አምላኽ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝዛረበና እሞ አለሊና ንኽአል። አምላኽ ንዝሃበና መጸዋዕታ ክንኽብር ክንሕልዎ ክነፍቅሮ ይግባእ እምበር ንስሙ እንተ ኾነ ከቢድ እዩ። ዮናስ ነብይ አብ መጀመርያ ነቲ አምላኽ ዝበሎን ዝደለዮን ምስማዕ አብዩ ንምዕራብ ገጹ ክሃድም ፈቲኑ በዚ ኸአ ንርእሱን ንኻልኦት መጓዕዝቱን አብ ሓደጋ አብጺሑ፥ አብ ባሕሪ ተደርብዩ ብዓሣ ነባሪ ተበሊዑ ድህሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸአ ተተፊኡ ወጺኡ፥ ሽዑ አምላኽ ሕጂ እውን እቲ ዝበልኩኻ ግበር ኢልዎ ከቢድ ትምህርቲ ተማሂሩ ዝተባህሎ ገሩ። ዮናስ ዕድለኛ እዩ አምላኽ ደጋጊሙ ገሊጽሉ ምናልባት ብዙሓት ከም ዮናስ አይ ገጥመናን እዩ እንተ ኾነ ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ ክንሰምዕ ክንእዘዝ ይግባእ እሞ ሎሚ አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ ወይ እንታይ ይብለኒ አሎ ኢልና ጽን ኢልና ከም ሳሙኤል ባርያኻ ይሰምዕ አሎ ተዛረብ ንበሎ።

ቀዳሞት አርድእቲ

ማቴዎስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ አርባዕተ ገፈፍቲ ዓሣ ይነግረና። ስለ ምንታይ ንኢየሱስ ከም ዝተኸተሉ አይነግረናን፥ ማቴዎስ ዝነግሮ ኢየሱስ ይጽውዖም ንሶም ከአ ይኽተልዎ። ተኸቲሎሞ አበይ ከም ዝኸዱ ዝነግር የለን። ረድኢ ምዃን እንታይ ነገራት ከም ዘማልእ እውን ዝነግር የብሉን። ዝኾነ ዝተዋህበ ተስፋ እውን የለን። ዝኾነ ዝተገብረ ውዕሊ እውን የለን። አብዚ ቅዱስ ማቴዎስ ክብሎ ዝደለ ንጹር እዩ። ንሱ ዝግድሶ ሓዋርያት ብኢየሱስ ከም ዝተጸውዑ እሞ ንኹሉ ዘልኦም ሓዲጎም አብቲ ሓዲስ መደብ ሕይወቶም ክአትዉ ከም ዝተጸውዑ ምንጋር እዩ።

ነገራት ከምዚ እነንብቦ ብቕጽበት ዝኾነ ማለት አብ መንጎ ዕለታዊ መነባብሮኦም እናገበሩ ብሃንደበት ተጸዊዖም ዝተኸተሉ አይኮኑን። ያቆብንን ዮሓንስን ምስተጸውዑ ጊዜ ከም ዝተዋህቦም ቅድሚ ምርካቦም ኢየሱስ መን ምዃኑ ክፈልጡ ዕድል ከም ዝነበሮም ነንብብ። ማቴዎስ ነዚ ኩሉ ዝሓደጎ አብቲ ቀንዲ ነገር ከተኩር ስለ ዝደለ እዩ። ንሱ ኸአ ተልእኮ ኢየሱስ አብ መንጎ ህዝቢ።

አብዚ እዋን ዮሓንስ መጥመቕ አብ ማእሰርቲ ነሩ እቲ አብ በረኻታት ይሁዳ ዝጭድር ዝነበረ ድምጺ ተንስሑ ብኃጢአትኩም ተአመኑ ዝብል አጽቂጡ እዩ። ስለዚ ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር ግዚኡ እዩ ነሩ። ማቴዎስ ኢየሱስ ነቲ ብኢሳይስ ነቢይ ዝተባህለ አብኡ ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኢየሱስ እቲ ዓቢ ብርሃን ዝበረቐ እዩ። ንሱ እቲ ተልእኮኡ አብ ገሊላ ንአሕዛብ ከምኡ ንኹሉ ህዝቢ ክኸውን ዝጀመረ እዩ። ማቴዎስ አብ ኢየሱስ አተኲሩ ናይ ቃሉ ሓይልን ስልጣንን ከምኡ ከሕዊ ዘልኦ ክእለትን ክነገር ኢሉ እዩ። ሓዋርያ ምዃን ማለተ ኩሉ ነገርካ አብ ኢየሱስ ማእከል ገርካ ምንባር እዩ፥ እዚ ኸአ አብቲ ንሱ መን ምኻኑ ዝተመስረተ እዩ። ካልኦት ይቕይሩ እዮም ንሱ ግን አይቅይርን እዩ። ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ምንጪ ሓውርያነት። ብዘይ ኢየሱስ ሓዋርያነት ትርጉም የብሉን።

ናይ መን ኢኹም?

ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ኢየሱስ ናይ ኩሉ ምንጪ ክርስትያናዊ ሓዋርያነት ከም ዝኾነ ጸቒጡ ክዛረብ እንከሎ ንስኹም ምእንቲ ምንታይ ኢኹም ተሓሪኹም እናበለ ዝኾነ ክርስትያን ክምልሶ ዝግባእ ሕቶ ይሓትት። ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ መብርሃቲ እዩ ዝኾነ ዝተላዕለ ዘበለ ቦትኡ ክወስድ አይክአልን እዩ። ነቶም አብ ቆሮንጦስ ዝነበሩ ነቲ ዓቢ መብራህቲ ክርስቶስ ከይደምቕ ዝኽልክሉ ዘለዉ የጠንቅቖም። ሰብ ቆሮንጦስ አብ መንግኦም ፍልልይ ፈጢሮም ነሮም እዮም ፍልልዮም ከአ ዓምዲ እምነት አይነበረን እንታይ ድአ አብ ሰባት እዩ ነሩ አነ ናይ እከለ አነ እባ ናይ እከለ፥ እከለ እባ ካብ እከለ ይበልጽ እናበሉ ጸገም ይፈጥሩ ነሮም። ገለ ናይ አብጵሎስ ብርቱዕን ዝማርኽ ክእለት ምምሃር ዝነበሮ ንብዙሓት ክርስትያን ብትምህርቱ ዝማርኽ ዝነበረ፥ ገለ ኸአ መብዝሕትኦም አይሁድ ዝነበሩ ክርስትያን ንጴጥሮስ ይድግፉ ነሮም፥ ግለ ኸአ አብቲ ጳውሎስ ዝበሎም አብቲ ንሱ ዝበሎምን ዝነበረ ፍቕርን ከይሓድጉ ኢሎም ጸኒዖም ይነብሩ ነሮም።

ጳውሎስ እዚ ዓይነት ምክፍፋል አዕናዊ እዩ ንቤተክርስትያን ስለዚ ሓድነት አብ ትሕቲ ክርስቶስ ክገብሩ ይጽውዖም። ክርስትያን ምዃን ማለት ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ። ክርስቶስ እዩ ምእንቲ ሓጢአት ካልኦት ኢሉ ዝሞተ፥ ኩሎም ክርስትያን ከአ ብስሙ እዮም ተጠሚቖም። ጳውሎስ ነቶም አብ ቆሮንጦስ ዝነበሩ ክርስትያን ማሕበር ክርስትያን ክኾኑ እምበር ናይ እክብካብ ማሕበር ከይኮኑ ከምኡ ናይ ገለሰባት ባራዩ ከይኮኑ የጠንቅቖም። ሓቀኛ መራሒ ዝኾነ ንተመሃሮኡ አብኡ ጥራሕ ክጠብቁ አይደልን እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ ዝቐጸለ ምዕራፋት ከም ዝብሎ ሓደ መሰርት ማሕብር ክርስትያን ጥራሕ እዩ ዘሎ ብዘይካ እቲ ሥሩት መሠረት ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ መሠረት ኪሥርት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን (1ቆሮ 3፡11) ይብል።

ቅ.ጳውሎስ አነጺሩ ዝብሎ ክርስትያን ነዚ ወይ ነቲ መራሕ ቤተክርስትያን ክኽተሉ አየድልን እዩ። ንጳውሎስ ሓደ ጥራሕ እዩ ክብሪ ዝግብኦ ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዝብሃሉ አብ ክርስቶስ ገጾም ዝመርሑ እዮም። እዚ አብቲ ዝግበር ፍሽኽታን አገባብን ዝወርድ አይኮነን። መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ርእሶም ገጾም ዝመርሑ ክኾኑ አይግባእን እንታይ ድአ ናብ ጎይታ ገጾም ዝመርሑ ክኾኑ ይግባእ። ንሳቶም ንርእሶም ክልዕሉ ወይ ነሰባት አብ ርእሶም ክስሕቡ አይግባእን እንታይ ድአ አብ ክርስቶስ ከመልክቱ ይግባእ። ንጳውሎስን ማቴዎስን ናይ መን ኢኻ ዝብል ሕቶ ሓደ መልሲ አልኦም ንሱ ኸአ አነ ናይ ክርስቶስ ዝብል እዩ።

ሕርየትና ጸዋዕታና ክንርኢ ክነደልድል ንኢየሱስ ብጽኑዕ እምነት እናሰዓብና ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ብቅድስናን ብሓጎስን ክነብሮ። ባህጊ ጥራሕ እኹል አይኮነን ጸዋዕታና ዕለት ዕለት ክንኩስኩሶ ክንሕድሶ የድሊ እዚ ኸአ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ኢልካ እሰምዓካ አሎኹ ተዛረበኒ እናበልካ እዩ።

ማርያም አደና ንድላይ አምላኽን ነቲ ንሱ ዝደልዮን ጽን ኢላ ብምስማዕ ሕራይ እናበለት ምሉእ ሕይወታ ዘሕለፈት ሎሚ አብ ሰማይ ምስወዳ አላ። አሰራ ስዒብና ከማኺ እሙናት ክንከውን ሓግዝና ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ ሰንበት አስተርእዮ ንኹልና።  

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

29 January 2021, 13:11