2020.12.29 ብሩራዊ ኢዮቤል ማንታ ኤጳርቅናታት ባረንቱን ከረንን 2020.12.29 ብሩራዊ ኢዮቤል ማንታ ኤጳርቅናታት ባረንቱን ከረንን 

ብሩራዊ ኢዮቤል ካቶሊካውያን ኤጳርቅናታት ባረንቱን ከረንን

ኤጳርቅናታት ከረንን ባረንቱን ብሰናይ ድሌት ቅድስቲ መንበር ብ1995 ነታ ብሓንቲ ሰበኻ ትመሓደር ዝነበረት ቤተክርስትያን ሃገርና ናብ ሰለስተ ሰበኻዊ ምምሕዳር ንምስፋሕ ብሓባር ብደርጃ ኤጳርቅና ተሰይማ። ነዚ ታርኻዊ ዕለት ንምጽንባልን ኵሉ ኣብ ዉሽጢእዚ 25 ዓመት ዝተፈጸሙ ጉሰናታዊ ስርሓት ብጭቡጥ ኣብ ሕይወት ምእመናንን ዉፉይትን ዘምጽኦ ዕቤት እንታይ ይመስል ንምግምጋምን ሓድሽ ኣገባብ ስብከተ ወንጌል ንምስኣልን ንዅሉ ዘሳተፈ ንምሉእ ዓመት ዝተኻየደ ኢዮቤልን ምህለላን ዓውደ መጽናዕታትን ዘተታትን ብፍላይ ጳጳሳት ምስ ምእመናኖም ንዘለዎም ርክብን ምትሕልላይን ኣገልግሎትን ዘስፊሐን ምልክት ተስፋ ድኅነትን ኪኸውን ዝኽእል ዕድል ንምርካብ ከምዝተገብረ ተመልኪቱ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ኤጳርቅና ከረን ሰንበት 20/12/2020 ዓም ኤጳርቅና ባረንቱ ከኣ ሰኑይ 21/12/20 ዓ/ም መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ብሩራዊ ኢዮቤል ኣብዒለን። እዚ ድሕሪ ጽምብል 150 ዓመት ጒዕዞ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ከረንን ናይ 100 ዓመት ህላወ ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ምድሪ ኩናማን፥ ቀዳማይ ሲኖስዶስ ኤጳርቅና ባረንቱን ዝተባዕሉ በዓላት እዮም። ኣብ ክልቲኤን ኤጳርቅናታት ንዓመት ዚኣክል፥ ብናይ ምስጋና ጸሎትን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ክሰናደዋሉ ዝጸንሓ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ድሮ ብዋዜማ ኣብ ዕለታቱ ከኣ ብመስዋዕቲ ቅዳሴን ዝተፈላለየ መደባትን ብኽብ ዝበለ መዓርግ ደሚቑ ተዛዚሙ።

መልእኽቲ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን!
መልእኽቲ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን!
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳስ ኤጳርቅና ባረንቱ!
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳስ ኤጳርቅና ባረንቱ!
ብድምጺ ንምክትታል!
25 ዓመት ይገብር በዓል ሠናይ ዝኽሪ ኣቡነ ዘካርያስ ዝጸሓፍዋ መልእክቲ!
25 ዓመት ይገብር በዓል ሠናይ ዝኽሪ ኣቡነ ዘካርያስ ዝጸሓፍዋ መልእክቲ!
30 December 2020, 15:59