ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዘተ ምስ ሃይማኖታት ወትሩ ክዕቀብ ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዘተ ምስ ሃይማኖታት ወትሩ ክዕቀብ 

ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ዘተ ምስ ሃይማኖታት ወትሩ ክዕቀብ

ግና እቲ ብዛዕና ስግደትን ኣምልኾን ሃይማኖታውያን በዓላትን ዝምልከት ጉዳይ ብቐጥታ ንቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዝምልከት ጉዳይ ብምዃኑ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ምይይጥ ክግብረሉ ምተገበአ

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሬቶ “ኣብ እዋን ሓጋይ ካብ ኮቪድ ንጠንቀቅ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሰነድ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉዳይ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘተ ዝሓትት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንጸረ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተዋደበን ዘላቕን መቓርብ ክህሉ ንዘካይዶ ጻዕሪ ኣፍልጦን ዓቢይ ግምትን ዝህብ ከምዝኾነ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ገሊጹ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብዘይ ቅድመ ኵነት ብምኽባር፡ ናይ ሃይማኖት በዓላት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ትሑዝ ዘይብል ንናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ከማኽር ከምዝነበሮ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ጸረ ኮቪድ - 19 ዝኽተሎ ኣገባብ መሰረት ገይሩ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ሓሳብ ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሕይወት ምንጽጻር እዩ

እቲ ትሑዝ ዘይብል ዝተሓንጸጸ ጸረ ኮቪድ - 19 መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዘይምምኻር ዝቐረበ ብምዃኑ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ህብረት ኤውሮጳ ሃገራት መንግስታት ብሓባር ምስ ቤተ ክርስቲያንን ማህበርሰብ ሃይማኖታትን ኣብ ናይ ሃይማኖት ስነ ስርዓት ብዕሎት ዝተሓንጸጸ ጸረ ናይ ኮቪድ - 19 ናይ ክንክን ጥዕና ማዕቅን ክትግበርን ውሑስ ኣብ ምግባር ቅድም ክብል ዝተፈጸሙ ጻዕርታት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሬቶ ይብሉ፥ እቲ “ኣብ እዋን ሓጋይ ካብ ኮቪድ - 19 ምጥንቃቕ” ዝብል ዕለት 2 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳ ዘውጸኦ ሰነድ ንኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ሓጋይ ካብቲ ለብዒ ንምጥንቓቕ ምዕዶታት ዝተንበረሉ ሰነድ እዩ፡ እቲ ናይ ምዕዶ ሰነድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት እውን ቅቡል ከምዝበሎን ኰይኑ ግና እቲ ብዛዕና ስግደትን ኣምልኾን ሃይማኖታውያን በዓላትን ዝምልከት ጉዳይ ብቐጥታ ንቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዝምልከት ጉዳይ ብምዃኑ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ምይይጥ ክግብረሉ ምተገበአ፡ ኵሉ እቲ ለብዒ ከይሰፍሕን ንምቁጽጻሩን ድላይ ኣለዎ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ውሳኔ ዝበለጸ ውጽኢት መታን ክህልዎ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምይይጥ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ናይ ሕክምና ክንክን ጥዕናን መሰረት ዝጸንዔ ዘተ ወሳኒ እዩ፡ ሊጡርጊያዊ በዓላት ጥራሕ ዘይኮነ ኤቅለሲያውያን ጉዳያት ዝምልከት እውን እዩ፡ ስግደትና ኣምልኾን ኣብቲ መሰረታዊ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል ክብሪ ዝቖመ ብምዃኑ ሕግታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ኣብቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣማእኪሉ ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ጉዳይ ውዕሊ ዛዕባ ስደተይናታትን ሕቶ ዑቕባን ኣብ ዝብል ነጥቢ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ተነጽሎ ይዛረብ፡ እቲ ለብዒ ድኽነት የስፍሕን ብዙሓት እውን ንዝተፈላለየ ጸገም የቃልዕ ኣሎ፡ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ብናይ ስደተይናታትን ተመዛብልትን ጉዳይ ብዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምድግጋፍን ሓልዮትን ሕውነትን ዝጸንዔተ ኤውሮጳ እሓልም እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ ተመስሪቱ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ንኽቐውም ዝደረኾ መሰረታውያን ክብርታት ምልስ ቢሉ ከስተውዕልን ክነብርን ዝድርኽ ለበዋ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

19 December 2020, 22:42