ሕትመት ተኸታታሊ ናይ ምሕዝነት ቅዱስ መጽሓፍ ሕትመት ተኸታታሊ ናይ ምሕዝነት ቅዱስ መጽሓፍ  

ሕትመት ተኸታታሊ ናይ ምሕዝነት ቅዱስ መጽሓፍ

እቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍት ብሉይ ኪዳን ዘማእከለን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣርጀንቲናዊ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ደራስን ናይ ስነ ሕይወት ስነ ቅርጺ ሊቅ ራባይ ኣብርሃም ስኮርካ ዝደረስዎ መቕድም ዘጠቓለለ

ፍቕሪ ንቃለ እግዚኣብሔርን ጥልቂ ምትእስሳር ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን መሰረት ገይሩ ዝተበገሰ “ናይ ምሕዝነት ቅዱስ መጽሓፍ” ዘርእስቱ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ቅድም ክብል ቀዳማይ ሕጂ ኸኣ ካልኣይ መድበላዊ ክታብ ንንባብ ከምዝበቐዔን እቲ ተኸታታሊ መጽሓፍ ናይ ሓባር ጉዕዞ ውጽኢት ምዃኑ ናይቲ መድብላዊ መጽሓፍ ዋና ኣሰናዳእቲ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣይሁድን ክርስቲያንን ማሕበር ምሕዝነት ኣቦ መንበር ማርኮ ክሱቶ ሞርሰሊን ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ፍራንቸስካውያን ናይ ስነ ሓድሽ ኪዳን ሊቅን ተንታንን ኣብ ኣሲዚ ናይ ቲዮሎጊያተ ተቕዋም ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ጁሊዮ ሚከሊኒን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ምሕዝነት ቅዱስ መጽሓፍ” ብኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን ብሓባር ዝተጻሕፈ ንናይ ክልቲአተን ሃይማናቶታት ባህሊ ጽን ዝበለን ካብ ናይ ሓባር ዘተ ዝተበገሰ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ናይ ሓባር ዕዮ ክልተ ዝተፈላለየ ሓሳብ ኣብ ምውሃድ ዝተመስረተ ዘይኮነ ንናይ ክልቴኣተን ሃይማኖታት ባህሊ ጽን ካብ ምብልን ካብ ምዝታይን ዝነቐለ እውን ምዃኑ ገሊጹ፥

ቀዳማይ ተኸታታሊ መጽሓፍ (መድብላዊ ክታብ)

እቲ ቀዳማይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍት ብሉይ ኪዳን ዘማእከለን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣርጀንቲናዊ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ደራስን ናይ ስነ ሕይወት ስነ ቅርጺ ሊቅ ራባይ ኣብርሃም ስኮርካ ዝደረስዎ መቕድም ዘጠቓለለ እውን ከምዝኾነ ዝዝከር ኮይኑ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ እምነት ባህሊ ተበጊሶም ኣቶም ኣርብዓ ተመራመርቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዘቕርብ እውን ምዃኑ የዘኻኽር።

ካልኣይ ተኸታታሊ መጽሓፍ (መድብላዊ ክታብ)

እቲ ካልኣይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ኣብ መጻሕፍተ ትንቢት ዘማእከለ ኮይኑ፡ እቶም ተመራመርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከምቲ እቲ ቀዳማይ መድብላዊ ክታብ ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ሃይማኖት ባህል ተመስሪቶም ንናይ ነቢያት መጻሕፍት ዝሃብሉ ትንታነን ኣስተንትኖን ዘቕርብ ኮይኑ ልክዕ ከምቲ ቅዳማይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ንምውሃድ ዝፍትን ዘይኮነ እቲ ዘቀረረብን ዝተፈላለየን ኣገላልጻን ትንታነን ኣነጺሩ ዘብርህ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2020, 15:01