ብዓለ ቍስቋም 6 ሕዳር 2013 ዓም (11/14/2020)

ንባባት፡ 2ቆሮ 8፡1-16፥ 2ዮሓ 1፡9-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ማቴ 2፡19-ፍ ምስባክ፡ 1.ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤት፥ ወማዕነቕኒ ኀበ ታነብር እጎሊሃ፥ ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን መዝ. 84፡3። 2.ርኢክዎ ለኃጥእ ዐብየ ወተላልዕለ ከመ ዐርዘ ሊባኖስ ውሶበ እገብእ ኀጣእክዎ፥ ኅሠሥኩ ወኢረከብኩ መካኖ መዝ. 37፡35-36.
ብድምጺ ንምክትታል!

ብዓለ ቍስቋም ብአቆጻጽራ ግዕዝ አብ 6 ኅዳር ይብዕል። ናይ ቅድስት ሥድራ ስደት ንምድረ ግብጺ እዩ ዝዝክር። አብ ልደት መድኃኒና መላእኽቲ ሰማይ ሰናይ ዜና አበሲሮም፥ ጓሶት ንልደት መድኃኒ ብሓጎስን ብህያብን ተቐቢሎሞ፥ ሰብአ ሰገል ካብ ርሑቕ ምስራቕ ምስ ፍሉይ ህያቦም ተቐቢሎሞ። እዚ አብ ጊዜ ልደት ንሰምዖ እንተ ኾነ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ዘሕዝን አጋጢሙ፥ ሄሮዱስ ንጉሥ ሃገር ቀታሊ ገፋዒ ሰብ ንልድት ክርስቶስ ክቕበሎ አይከአለን ንስልጣኑ ዝወስደሉ መሲልዎ። ሰብአ ሰገል ዝጽበዮ ሓበረታ ስለ ዘየምጽአሉ አብቲ ከባቢ ዝተወልዱ ቆልዑት ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ክቕተሉ ወሲኑ። ሄሮዱስ ጨካን ቀታል ሰብ እዩ ነሩ ንሱ ብ70 ቅ.ል. ክርስቶስ ተወሊዱ ብ4 ቅ.ል. ክ. ከአ ሞይቱ። ንሱ ካብ አይሁዳውን አረመናዊ ስድራ ተወሊዱ። ብ4 ዓመተ ዓለም ድሕሪ ሞይቱ ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ እዩ ተወሊዱ ምኽንያቱ ሄሮዱስ ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሕፃናት ቀቲሉ እዩ ስለዚ ኢየሱስ አብ መንጎ 6-4 B.C. እዩ ተወሊዱ። አብ መጽናዕቲ ከዋኽብቲ ከም ዝሕብሮ አብ መንጎ ፕላነት ጁፒተርን ሳተርን አብ ድሕሪ ሽድሽተ ሚእቲ ዓመት ሓደ ጊዜ አብ ልክዕ መስመር ህዋ ይመጽኡ እዚ አብ 7 B.C. አጋጢሙ። ስለዚ ሞት ሄሮዱስ አብ 4 ድሕሪ ኮይኑ፥ ቅትለት ሕፃናት ትሕቲ ክልተ ዓሞት ብሄሮዱስ ከምኡ ናይ ጁፒተርን ሳተርን አብ ሓደ መስመር ብ7 B.C. ድሕሪ ኮይኑ ኢየሱስ አብ መንጎ 7-4 B.C. ተወሊዱ ማለት እዩ። ነዚ መሰረት ገርና ኢየሱስ አብ 1 A.D. ከምዘይተወልደ ነረጋግጽ። ኢየሱስ አብ 0 ዓ.ም. ተወሊዱ ዝብል ጌጋ ዘእተወ Dionysius Exigiuus ዝተባህለ ሩስያዊ መነኮስ ብ527 እዩ። ንሱ ብ527 ናይ ኢየሱስ ልደት ክጽብጽብ እንከሎ ኢየሱስ ድሕሪ 753 ዓመት ድሕሪ ምፍጣር ከተማ ሮማ እዩ ኮይኑ ኢሉ ይአምን ነሩ ዲዮንሲዩስ ኢየሱስ አብ ማእከል ናይ ሓዲስ ዘመንን ናይ አረጊት ዘመንን ከም ዝተወልደ ከረጋግጽ ኢሉ ዝገበሮ እዩ እንተ ኾነ ተጋግዩ።

አብ ሄሮዱስ ክንምለስ ንሱ ብ37 ቅ.ል.ክ እዩ ብአጉስጡስ ቄሳር ግዛኢ ክኸውን ተሾሙ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ሹመቱ ናይ አይሁድ ላዕለዋይ መራሕ ባይቶ ዝነበረን ንኹሎም አባላት ጉባኤ ባይቶ አይሁድ ዝነበሩ ብምሉኦም ቀቲልዎም ካብ 300 ንላዕሊ ዝኾኑ ካብ ኢየሩሳሌም አውጺኡ ቀቲልዎም። ጨካን ቀታል ሰብ እዩ ነሩ።

ብኻልእ ክርአ እንከሎ ከአ ጨካን ጥራሕ አይነበረን ገለ ሰናይ ግብሪ እውን ነርዎ እዩ። ፍርቂ አይሁዳዊ ስለ ዝነበረ ዝበለጸ ቤተ መቕደስ ሰሪሕሎም። ኢየሱስ ዝመላለሶ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ሄሮዱስ ዝሰርሖ እዩ ነሩ። ብ25 ቅ.ል.ክ. አብ ምድረ አይሁድ ዓቢ ጥመት ወሪዱ ነሩ ሄሮዱስ አብ ቤተ መንግስቱ ዝነበረ አዋርቕ አምኪኹ መግቢ ንአይሁድ ከም ዝግዛእ ገሩ።

አብዚ ናይ ኢየሱስ ታሪኽ ብዛዕባ ሄሮዱስ ዝግድሰና እቲ ጨካን ግብሩ እዩ። ንሱ ዓሰርተ አንስቲ ነረንኦ 15 ቆልዑት ነሮሞ። ደቁ ምስ ዓበዩ አብ ስልጣን ደይቦም ነሮም እንተ ኾነ ክልተ ካብ ደቁ አለክሳንደርያን አሪስታቦሉስ ዝብሃሉ ንስልጣነይ ክወዳደሩኒ ፈቲኖም ካብ ዝብል ንሮማ ልኢኹ አፍሪዱ ብ6 ዓ.ዓ. ክርስቶስ አብ ዝተወልደሉ እዋን ከምዝቕተሉ ገርዎም። ቄሳር አጉስጡስ ነዚ ብዝርኢ ከምዚ ኢሉ ይብሃል፡ “አብ ገዛኻ ሓሳማ ምዃን ዝያዳ ዋሕስ አልኦ ካብ አብ ግቢ ሄሮዱስ”። ቅድሚ ሞቱ ብ4 ዓ.ዓ. ካልእ ወዱ ቀቲሉ ከምኡ ቅድሚ ሞቱ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ግፋ ክግበር አዚዙ እቶም ዝተገፉ አብ መዓልቲ ሞቱ ክቕተሉ አዚዙ። እዚ ዝገበሮ ኸአ አብ ሞቱ ዝኾነ ዝሓዝን ከምዘየሎ ይፈልጥ ነሩ ስለዚ ብዙሓት ሓዘንተኛታት አብ ከተማ መታን ክህልዉ እዩ ገርዎ።

ሄሮዱስ ምስ ሞተ ንግስነቱ አብ ሰለስተ ተመቒሉ። አብ ሰሜን ፍሊጶስ ሓዉ፥ አብ ማእከላይ ክፍሊ ሃገር አንጢፓስ፥ አብ ደቡብ አብ ኢየሩሳሌም ከባቢ ከአ እርኬላዎስ ነጊሱ። አርከለዎስ ምስ ነገሰ ሰለስተ ሽሕ አይሁድ ቀቲሉ። በዚ ምኽንያት ቅድስት ስድራ አብ ዓዳ ምስ ተመልሰት እውን አይጥዓማን አብ ናዜሬት ተቐመጡ ምኽንያት ናይ አርካላኦስ ምንጋስን ብዙሓት ምቕታሉን አሰኪፍዎም። ስለዚ ኢየሱስ አብ ናዝሬት ዓበየ።

እዚ ኹሉ ነቲ ናይ ቅድስት ስድራ ካብ ልደቱ ድሕሪኡ ስደት አብ ግብጽን ካብኡ ምምላስን ንጹር አፍልጦ መታን ክህልወናን እቲ ጨካን መራሕ ሃገር ዝገበሮ አብ ሓቀኛ ታሪኽ ከም ዝምርኮስ ንምግላጽ እዩ። አብዚ ሓደ ፍሉይ ነገር አሎ ዮሴፍ ኩሉ ጊዜ አምላኽ ዝገለጸሉ ዝአምንን ዝፍጽምን ምዃኑ እዩ። እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ መልአኹ ሰዲዱ ሰለስተ ጊዜ ተገሊጽዎ ብኡ አቢሉ ኸአ ምኽርን ድለቱን ይነግሮ ነሩ። ቅድሚ ልደቱ ሕጽይቱ ማርያም ጸኒሳ ምስ ረአየ ክፈትሓ ሓሲቡ እንተ ኾነ መልአኽ ብሕልሚ ምስ ገለጸሉ አሚኑ ነሩ፥ ድሕሪ ልደቱ ንምድሪ ግብጺ ክሃድም ዝነገሮ መልአኽ እዩ፥ ሞት ሄሮዱስ ዝነገሮ መልአኽ እዩ። ዮሴፍ ንጹሕ እሙን ሰብ እዩ ነሩ። አምላኽ ካብኡ ዝደለዮ ክገብር ዝፈቱ እዩ ነሩ። ከም ማርያም ሕጽይቱ ሕራይ ኢሉ ዝኽእል ንወዲ አምላኽ ከም ምድራዊ አቦ ከዕቢ ዝተሓርየ ፍሉይ ሰብ እዩ። አብ ሕይወትና አብነትና እዩ ንሱ ነቲ ልኡኽ አምላኽን ንመልእኽቱን ካብ አምላኽ ምዃኑ አለልዩ ዝኽአለ እዩ። አብ ሕይወትና ብብዙሓት ልኡኻት አምላኽ መልእኽቲ አምላኽ ይመጸና እዩ ንቕበሎዶ? ነለልዮዶ? እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተንስእ ንሕፃንን ነዲኡን ሒዝካ ህደም እንተ ዘይኮነ ክቐትልዎ እዮም ምስ በሎ አይወዓለ አይ ሓደረ ሃዲሙ። አብ ሕይወትና ካብ ፈተና ካብ ጥፍአት ካብ ኃጢአት ርሓቕ ህደም ክብለና እንከሎ ንሃድምዶ ወይስ ሱቕ ኢልና ንመውት? አምላኽ ብልኡኻቱ ገሩ ህደሙ ርሓቑ ይብለና እዩ።

አምላኽ እዚ ዝሓሸ ቦታ እዩ አብዚ ንበር ከምዚ ግበር እናበለ ብልኡኻቱ ይነግረና። ሕጂ አብ ድሕነት ዝርከቦ ቦታ ክንከውን ይደልየና። ከም ዮሴፍ ልብና ንልኡኽን ንመልእኽቲ አምላኽ ክቕበል ክፍጽም ክፉት ይኹን። እዚ አብ ጉዕዞ ስደት አብ ሕይወት ዮሴፍ እንምሃሮ ሓቂ እዩ።

ንመደብ አምላኽ ዝቕይር ሓይሊ የለን።

ንመደብ አምላኽ ደው ከብል ወይ ክቕይር ዝኽእል የለን። ሄረዱስ ወላ ጨካንን ክፉእን ሰብ ይንበር ንመደብ አምላኽ ክቕይሮ አይከአለን። መንግስታት ይኹኑ ገዛእቲ ሃገራት ንመደብ አምላኽ ክቕይሩ ዘይሕሰብ እዩ። ወዲ አምላኽ ክውለድ መደብ አምላኽ እዩ ግዚኡ ምስ በጽሐ ኸአ ተወሊዱ። ምስ ተወልደ ካብ ቅትለት ሄሮዱስ ከም ዝድሕን ዝገበረ መደብ አምላኽ እዩ። አብ መስቀል ሞይቱ ንደቂ ሰብ ከድሕን ዝገበረ መደብ አምላኽ እዩ። ተመሳሳላይ ነገር አብ ብሉይ ኪዳን ንረክብ ሙሴ ምስ ተወልደ አብ ግብጺ ዝኾነ ወዲ ካብ እስራኤላውያን ዝተወልደ ክቕተል ሕጊ ነሩ፥ ገዛእቲ ግብጺ ንብዙሓት ቀቲሎም ንሙሴ ግን ክቐትልዎ አይከአሉን። ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ካብ አምላኽ ተቐቢሉ ክህብ መደብ አምላኽ እዩ ነሩ። ስለዚ ንጉሥ ይኹን ገዛኢ አብ ታሪኽ ንመደብ አምላክ ደው ዘበለ የለን ንድሕሪ ሕጂ እውን አይክህሉን እዩ። አብ ዘመና ናዚ ጀርመን፥ ኮሙኒዝም፥ ዝተፈላለዩ ገፋዕቲ መንግስታት ንስም አምላኽ ንእምነት ክርስትና ከጥፍኡ ተንሲኦም ግን ኩሎም ደም ሰማዕታት ውሒጥዎም ዓሪቦም። ታሪኽ ከም ዝገልጸልና ዝኾነ ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ ንመደብ አምላኽ ሓዲጉ ናቱ ድለት ክፍጽም ዝደሊ መወዳእታኡ ጥፍአትን ውድቀትን እዩ። እንተኾነ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስን መንግስቲ አምላኽ ደው ኢሎም ቀጸልቲ እዮም። እዚ እዩ አብዚ ዝተገልጸ ታሪኽ እንርእዮ። ክንደናይ ጨካን ይኹን እቲ ንጉሥ ንመደብን ንድላይ አምላኽን ደው ከብል ዝኽእል የለን።

አብ ብሉይ ኪዳን እንተ ረአና ብዙሓት ንግብጺ ይሃድሙ ነሮም ዝብል ነንብብ ምኽንያቱ ግብጺ በቲ እዋን ዝያዳ ዑቕባ ዝርከቦ ዓዲ እዩ ነሩ። ብዙሓት እስራኤላውያን ካብ ጥንቲ አብ ግብጺ ይነብሩ ነሮም በዚ ኢና ብዙሕ ነገራት ንብሉይን ንሓዲስ ኪዳን ዝርኢ ብራናታት ብፍላይ “Septuagint” ፍሉይ ቅዳሕ ብሉይ ኪዳን አብ አለክሳንድርያ እዩ ተተርጒሙ፥ ሓደ ካብቶም ጥንታዊ ብራና ሓዲስ ኪዳን አብ አለክሳንድርያ እዩ ተተርጊሙ። አልክሳንድርያ ማእከለን ምንጭን ናይ ስነፍልጠትን ባህልን አይሁድ እያ ነራ፥ ስለዚ ዮሴፍን ማርያምን ንግብጺ ክሃድሙ እንከለዉ ታሪኻዊ ምትሕሓዝ ነርዎ እዩ፥ ቋንቅኦም ባህሎም ዝፈልጡ ቤተ ሰቦም ደቂ ዓዶም ዝነበርዎ ሃገር እዩ እምበር ሱቕ ኢሎም ተላዒሎም ዝኸድዎ ሃገር አይኮነን። ካልእ አብ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ አብርሃም ንድሕነቱ አብ ምድረ ግብጺ ሃዲሙ፥ ያዕቆብ አብ እስራኤል ጥመት ምስ ኮነ አብ ምድረ ግብጺ ከይዱ አብኡ 450 ዓመት ስድርኡን ህዝቡን ተቐሚጦም። ማርያምን ዮሴፍን ንግብጺ ክሃድሙ እንከለዉ ንታሪኽ አቦታቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩን አብ ግብጺ ምህዳም ዝሕሸ ድሕነት ዝነበሮ ስለ ዝኾነ እዩ። ሎሚ ብፍሉይ ህዝብና ብዝረኽቦ ዘሎ እንተ ረኤና ግና ምድረ ግብጺ ምድረ ሞት ግፍዒ ዓመጽ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ቐደም ዝነበረ ሰናይ ነገራት ሎሚ አይርአን።

ሎሚ ምድረ ግብጺ ክርስትያን ዝዋረዱሉ አብያተ ክርስትያናት ዝሓረሉ ስደተኛታት ዝግፍዑሉ ሕሱም ሃገር እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሎሚ ንግብጺ ምስዳድ ማለት ንሞት ምኻድ እዩ። ህዝቢ ባህሊ እምነት ክቕየር እንከሎ ክፍአት ዓመጽ ይበዝሕ። ሰባት ንቕይር ኢና። ግብጻውያን ተቐበልቲ አጋይሽ ዓንገልቲ ስኡናት ዝነበሩ ቀተልቲ ገፋዕቲ ተቐይሮም እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ግን ኩሎም ግብጻውያን ገፋዕቲ ቀተልቲ ማለት አይኮነን፥ ብዙሓት ንስደኛታት ዝደናገጹ ዝሕግዙ እውን አለዉ። ብዙሓት ካብ ወገናትና አብ ግብጺ አለዉ ወይ እውን ብእኡ ዝሓለፉ አለዉ ዝተፈላለየ ፍጻሜ እዮም ዝነግሩና። እዚ ኾይኑ እቲ ነቲ ዝገበርዎ ጽቡቕ አምላኽ ይባርኮም ነቲ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ኸአ አምላኽ ይምሓሮም ንበል። መፍኃኔ ዓለም ከማና ተሰዲዱ ተዋሪዱ እዩ ግን ብግብርን ብቃልን ምሃሩ ኢሉ አምሂሩና ስለዚ መሓርቲ ንኹን።

ብዓለ ቍስቋም ፍሉይ ዝኽሪ እዩ ዝህበና። አብ ዓለም ኩሉ ጊዜ ዝተፈላለዩ ገፋዕቲ ቀተልቲ ከም ዝነበሩን ዘለዉን እንርእዮ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ሓደ ነገር አሎ አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ መንጎ ዓመጽን ግፍዕን ንህዝቡ ምስ ረድአ እዩ። አምላኽ ክንግፋዕ ክንጠፍእ አይሓድገናን እዩ። ከም ዮሴፍ ዝልእከልና መልእኽቲ አንቢብና ክንክእል አሎና። ንአምላኽ አብቲ ጽንኩር እዋን ርኢና ክንክእል ምሉእ ድለትን እምነት ክህልወና ይግባእ።

አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንዝጓነፈና ፈተና ንአምላኽ ሒዝና ክንጉዓዞ እንከሎና ተስፋ አሎና፥ ኲኖ ሞት ንዘሎ ራህዋ ክንርኢ ይሕግዘና። ስደት ዝኸፍአን ዝኸበደን እዩ፥ ኩሉ መሰልካ ተገፊፉ ክብሪ እንስሳ እውን ዘይትረኽበሉ እዩ። እሞ ሎሚ ንኢየሱስን ማርያምን ንኹሎም አብ ዝስደት አብ ዓዲ ጓና ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግፍዑ ዘለዉ ትዕግስቲ ሰላም ከውርዱሎም ንለምኖ። አብ ዓዶምን ህዝቦምን ተመሊሶም ብሰላም ዝነብሩሉ ጊዜ ከውርደሎም ብፍሉይ ንጸልየሎም። ኦማርያም አደና አደ ስደተኛታት ንወድኺ ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ አውደ ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

13 November 2020, 23:08