ካመሩን፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ናጻ ከምእተለቁ ካመሩን፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ናጻ ከምእተለቁ 

ካመሩን፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ናጻ ከምእተለቁ

እቲ ኣብ ካመሩን ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ዘይምርድዳእ ብሰላምን ዘተን ክፍታሕ ከይተሓለሉ ጻውዒት ዘቕረቡን ኣብ ልዕሊ ናይ እንግሊዘይና ተጥቓሚ ውሁዳን ናይ ካመሩን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ኣድልዎ ዝኹንኑን ኣብ 2019 ዓ.ም. ነልሶን ማዴላ እተሰምየ ናይ ኖበል ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ተሓርዮም ከምእትሰለሙ

90 ዓመት ዝዕድምኦም ካብ ከተማ ኩምባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ካመሩን ተጨውዮም ዝነበሩ ብጽዕ ካርዲናል ቱሚ ናጻ ከምእተለቁ ኣብ ካመሩን ናይ ሰበኻ ዱኣላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ክለዳ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ዱዋላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሳሙኤል ክለዳ ዕለት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም.  ካብ ባመንዳ ናብ ኩምባ ኣብ ዝወስድ መገዲ ብሓደ ዕጡቕ ኣሃዱ ተጨውዮም ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ክርስቲያን ዊይጋን ቱሚ ናጻ ከምእተለቁን ምስኦም ብሓባር ተጨውዮም ዝነበሩ ኣብ ፎን ዘንዞ ናይ ኩምቦ ናይ ግብረ ገብ ላዕለዋይ ባህላዊ ስልጣን ንጉስ ኩምቦን ናጻ ከምእተለቁ ናይ ካርዲናል ቱሚ ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ኤሊየ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይቶም ጨወይቲ ናይ ተለፎን ቁጽሪ ረኺቦም ምስኣቶም ብስልኪ ድሕሪ ዘካየድዎ ከምእተሓበረን፡ ናይቲ ዝተፈጸመ ግብረ ጨወያ ኣሃዱ ኣዛዚ ኣብ ካመሩን ናይ ቋንቋ እንግሊዝይና ተጠቓሚ ምእንቲ ደቡባዊ ምዕራብ -ዛቦ  ኣምባዞኒያ  ናጽነት ዝቃለስ ሓይሊ ኣዛዚ ነበር መጋቤ ጀነራል ገዝእ ርእሶም ቻኦማኦ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጡ ርሓታቲ ምዃኖም ከረጋግጹ ከምዝኽኣሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣተሓሒዞን ናጻ ምልቓቕ ካርዲናል ቱሚ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም እውን ከምእተረጋገጸን የመላኽታ።

ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ሕጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ እያቶም ክኸዱ ዘለዎም እንብሉን ካብ መኣዲ ትምህርቲ እዚ ከይሰናኸሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ንኽጭወዩ ዝደረኸ ምኽንያት ከምዝኾነን፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት እቶም ብኢድ ዕጡቓት ሓይሊ ተጨውዮም ዝነበሩ መምሃራን ዕለት 5 ናጻ ከምእተለቁን፡ ዕለት 24 ጥቕምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊዓለም ሓቆፍ ክሌኣዊ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሸሞንተ ንጹሓን ሕጻናት ንሞት ሓደጋ ካልኦት 12 ከኣ ንማህሰይቲ ከምዝወረዶም ክፍለጥ እንከሎ፡ ነቲ ግብረ መቕተልቲ ዝፈጸመ እቲ ናይ ካመሩን ደቡባዊ ምዕራብ ናይ እንግሊዘይኛ ቋንቋ ተጠቃሚ ዞባ ካብ መላእ ሃገር ካመሩን ክሕርር ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ካመሩን ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ ክሕብር እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ካመሩን ኣብ ከተማ ኩምባ ዝሓለፈ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብኣረመናዊ ተግባር ዝተቐትሉ ሕጻናት ተመሃሮ ኣብ ዝፈጠሮ ሓዘንን ጓህን ስቓይን እሓብር ቢሎም፡ ዓመጽ ኵሉ ከብቕዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተግባር ዳግም ከይፍጠር እግዚኣብሔር ልቢ ኵሉ የብህር፡ እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ካመሩን ዳግም ሰላም ክረክብ - ቢሎም - ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ናይ ኩሉ ደሕንነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ትምህርቲ ናይ ምርካብን ናይ መጻኢ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን” ሓደራ ከምዝበሉ የዘኻኽራ።

ካይ ኵምባ ጳጳስ ምስክርነት

እቲ ናይ ካመሩን ዞባ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ጽንኩር ኩነት ከምዝርከብ ናይ ኩምባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣጋፒቱስ ኤኑየህንዮህ ሓቢሮም፡ ኣብቲ ከባቢ ስቓይን ፍርሕ ነጊሱን ሕዝቢ ኣብ ጽንኩር ኩነት ይርከብ ኣሎ ከምዝበሉን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ብዘይምዃኑ ተመሳሳሊ ግብረ ዓመጽን ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ቅትለትን ጨወያን ብተደጋጋሚ ዝረአይ ከምዝኽነን፡ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ናይ ካመሩን ደብባዊ ምዕራብ ዞባ ንምሕራር ዝቃለሱ ከምዝኾኑን፡ እቲ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ብፍላይ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ተመሃሮ ካብ መዓዲ ትምህርቲ ንኽርሕቑ ይድርኽ ኣሎ ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

ናይ ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ተክለ ሰብነት

ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ዕለት 15 ጥቅምቲ 1930 ዓ.ም. ኣብ ካመሩን ኣብ ኪካይከላኪ ኣብቲ እዋን ቁምስና ኣብዚ እዋን እዚ ሰበኽ ኣብ ዝኾነ ከተማ ኩምቦ ዝተወልዱን ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ቅድም ክብል ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ ናይ ሓባርን ሕዝብን ረብሓ ብዝተፈላለየ መዳይ ዘገልግሉን እቲ ኣብ ካመሩን ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ዘይምርድዳእ ብሰላምን ዘተን ክፍታሕ ከይተሓለሉ ጻውዒት ዘቕረቡን ኣብ ልዕሊ ናይ እንግሊዘይና ተጥቓሚ ውሁዳን ናይ  ካመሩን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ኣድልዎ ዝኹንኑን ኣብ 2019 ዓ.ም. ነልሶን ማዴላ እተሰምየ ናይ ኖበል ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ተሓርዮም ከምእትሰለሙ እውን ቸራዞ የዘኻኽራ።

08 November 2020, 11:33