ኣባ ሞንጀ ምስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ኢስጣምቡል ኣባ ሞንጀ ምስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ኢስጣምቡል 

ኣባ ሞንጀ፥ ኣብ ኢስጣምቡል፣ ወንጌላውነት ምስ እግዚኣብሔር ኴይንካ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ገዓር ሰማዒ

ተልእኾ ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን እስትንፋሳ እምበር ዕማም ኣይኮነን፥ ቤተ ክርስቲያን እተተንፍስ ኣብ ተልእኾ ወንጌል እዩ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኩሉ ንኽነብሮ ዝተጸውዐ እዩ፥ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ፥ ስለዚህ ተልእኾ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ሕመረት እዩ

ኣብዚ ወርሓ ተልእዀ ወንጌል ቃል ምስክርነት ኣብ ቱርኪ ን17 ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ማእከል DoSt-I (ኣብ ኢስጣምቡ ናይ ዶመኒካውያን መጽናዕቲ ማእከል) ሓላፍን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ዶመኒካዊ ኣባ ክላውዲዮ ሞንጀ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓድሽ ቓል ብስራት ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ኴይንካ ሕዝቢ ኣብ ዝርከቦ ኩነት ሕይወት ብምርኻብ ናይ ድኻሙን ስቓዩ ኩሉ ተኻፋሊ ብምዃን ዝንበር እዩ፡ ምስ ክርስቲያንን ኣስላምን ኣረጋውያንን መንእሰያትን ሓጻናትን፥ ተኻፋሊ ዕለታዊ ሕይወት እቲ ዝዓበየ ምስክርነት እዩ ይብሉ።

ኣብ ሞንገ ምስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ኢስጣምቡል
ኣብ ሞንገ ምስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ኢስጣምቡል

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ወርሓ ጥቅምቲ ናይ ተልእኾ ወንጌል ወርሒ ተባሂሉ ብቤተ ክርስቲያን ዝንበር መርሓ ግብሪ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ዝበዓለሉ ዕለት ብምዃኑ ነዛ ዕለት ምኽንያት ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እነዅልካ ንዓይ ለኣኸኒ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይታ ዕለት መርሕ ሓሳብ ምዃኑ እዞም ተወላዲ ኢጣሊያ ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዋሚ ኣባል ማሕበረሰብ ታይዘ ሕይወት ምንኩስና ሓርዮም በዚ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ከኣ ኣብ 1995 ዓ.ም. ከም ኣባል ዶመኒካውያን ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ 52 ዓመት ዝዕድመኦም ኣባ ሞንጀ ኣዘኻኺሮም።

ተልእኾ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያን እስትንፋስ እምበር ስራሕ ኣይኮነን

እዞም ኣብ 1999 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣብቲ ዶመኒካውያን ካብ 1233 ዓ.ም. ኣትሒዞም ዝረክብሉ ኣብ ኢስጣምቡል ክፍለ ከተማ ጋላታ ዘገልግሉን፡ ኣብ ጀርመን ፍሪቡርግ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዝርከን ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሃይማኖት ቲዮሎጊያ መምህር ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ማሕበረሰብ ታይዘን ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዋሚ ኣባል ማሕበር ታይዘ ዕለት 3 ለካቲት 1992 ዓ.ም. ወዲ 24 ዓመት እንከለዉ ጸጋ ጸታውዕታ ክህነታዊ ሕይወት ተቀቢሎምን ኣባል ማሕበር ዶመኒካውያንን ካህን ኣባ ሞንጀ፥ ተልእኾ ወንጌል ከም ቃሉ ናብ ኣሕዛብ እዩ፥ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘብርሆ፡ እዚ ከኣ ተልእኾ ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን እስትንፋሳ እምበር ዕማም ኣይኮነን፥ ቤተ ክርስቲያን እተተንፍስ ኣብ ተልእኾ ወንጌል እዩ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኩሉ ንኽነብሮ ዝተጸውዐ እዩ፥ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ፥ ስለዚህ ተልእኾ ወንጌል ናይ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ሕመረት እዩ ይብሉ።

ተልእኾ ወንጌል ብሓባር ምስ እግዚኣብሔር ኴይንካ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ገዓር ጽን ምባል እዩ፡ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ምድግጋፍን ክህሉ ዘተሓሳስብ ጥራሕ ዘይኮነ ንኽረጋገጽ እውን ህርኵት መንፈሳውን ሰብኣውን ጻዕርታት ምኽዋን ማለት እዩ፡ ተልእኾ ወንጌልን ናይ ሓባር ዘተን ዝተጣመሩ እያቶም፡ ጥዑም ቃል ብስራት ምብጻሕ ማለት እዩ፥ እቲ ጥዑም ቃል ብስራት’ዚ ኣብ ናይ ሕዝቢ ዕለታዊ ሕይወት ምብጻሕን ምምስካርን ማለት እዩ ኢሎም።

ኣብ ቱርኪ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ኣቡዳቢ ሰነድን ስዒቡ እውን እታ እንጽበያ ዘሎና ዕለት 4 ጥቅምቲ  2020 ዓ.ም. ወግዕዊ እትኸውን ቅዱስ ኣቦና ዝልግሱልና ክውላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽትን ዓቢይ ማሕታ ዘለዎ እዩ፥ ኵላውነት ዕሴታት ንምንባር ዝድርኽ እዩ፥ ድልድ ዘሕንጽን ንዘተ ዘተባብዕን፥ ሰብኣዊ ፍጥረት “ሕውነታውነት” ዝብል ናይ ሓባር ጸዋዕታ ዝተቐበለ ምዃኑ ቅዱስነቶም የዘኻኽሩ፡ ስለዝህ ሕውነታውነት ናይ ሓባር ኪደት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣባ ሞንጀ፥ ኣብ ኢስጣምቡል፣ ወንጌላውነት ምስ እግዚኣብሔር ኴይንካ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ገዓር ሰማዒ ምዃን
03 October 2020, 13:24