ካርሎ ኣኵቲስ ብጹዕ ተባሂሉ፥ ንኻልኦት ዝተወፍየ ብሩህ ህይወት

“ናይዚ ወዲ 15 ዓመት ሕይወት መንእሰይ . . . ጽንዓቱ ኣብቲ ክቡር ዋጋ ዝገበረ፥ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዘመላኽቶን . . . ማለት ኣብ ሕይወትካ ቅዳምነት ንእግዚኣብሔር ምሃብን ነሕዋት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡን ምግልጋል ዝብል ምንበር ዝነበረ፥”

ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ወኪሎም ብጹዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምስ “ኢየሱስ ጥብቂ ግላዊ ርክብ” ዝነበሮ መንእሰይ ካርሎ ኣኵቲስ ብጹዕ ከምዝበለቶን፡ ብጹዕ ካርሎ ኣኵቲስ እታ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወለደላ ዕለት 12 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግጻዌ ዓመታዊ በዓሉ ኮይኑ ክዝከር እውን ከምእተወሰነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክትን ኣብ ኣሲዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍሉይ ሓዋርያዊ ወኪል ብጹዕ ካርዲናል ቫሊኒ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ኣብ ቅድሚ ወለዱ ኣዲኡ ኣንቶኒያን ኣቡኡ ኣንድረያን ኣኵቲስ ናብ መንበረ ታቦት ዓዲሞም ስለ ውላዶም ብጽዕና ብሕቕፎ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መስኪሮም ወለዲ ውላዶም ካርሎ በቲ ኢየሱስ ዝሓበሮ መገዲ ክጓዓዝ መሰናኽል ከምዘይነበሩ ብጹዕነቶም ገሊጾም፥

ጮራ ብርሃን

ኣብ ልቢ ኡምብርያ ቤተ ክስቲያን ሓድሽ ጮራ ብርሃን ተዓደለት፡ ካርሎ ኣብ ሕይወቱ ዝተፈላለየ ናይ ህልውና ሕቶ ዘልዓለን ንናይ እምነት ጉዕዞ ሕቶ ዘቕረበን ድሕሪ እዚ ኩሉ ጉዕዞ ናብ ሰማይ ቤት ዝመርሕ መገዲ ዘመላኸተን፡ ገርሄይናነቱን ትሕትናኡን ዝደንቕ፡ ገና ካብ ሕጻንነቱ ንወንጌል ሕራይ ዝበለ፡ ሓንሳብ እቲ እውነተይና ብርሃን ምስ በጽሓካ ናብቲ ጸልማት ከምዘይትብል ዝመስከረ።

ኢየሱስ፥ ዓርኪ

ብጹዕ ካርዲናል ቫሊኒ ንካርሎ ኣኵቲስ ብጽዕና ንኽእውጁ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ካርሎ ብንኡስ ዕድመኡ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብዝሓደሮ ሕማም መንሽሮ ደም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልየን፡ ከምቶም ኵሎም መሳቱኡ ንኢንተርነት ዝነበሩ ፍልዩ ድላይ ከምዘሎ ኮይኑ ነዚ እዋናዊ መጋበርያ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝተጠቐመሉን ናይ ወንጌል ጽባቔን ክብርን ዝመስከረሉን ካብቲ “መምህርን መድሕንን ዓርኪ” ንኻልኦት ሓልዮትን ፍቕርን ምእንቲ ካልኦት ንኽብል ዝበቕዔ” ዝማርኽ ስብእና ዝነበሮ፡ ገና ብዓንተውኡ ኣብነት ምዃኑ ዝንገረሉ ዝነበረን “ሓይሉ ኩሉ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ካብ ዝነበሮ ርክብ ዝምንጭውን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ማእከል ናይቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብ ህሞት ዝገበረን” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ በነደታ ሓቢረን።

ልቢ ዝትንክፍ

ብፍቕሪ ኢየሱስ ዝነደደ፥ ብሕይወቱ ናይ ወንጌል ምስክር ዝኾነ” እምነቱ ዝነግርን ዝምስክርን፡ ኩሉ ዝጾረ፡ ነቶም ዘባጭውሉ ንዝነበሩ ከይተረፈ፡ ቅድስና ስድራ ቤትን ናይ ሕይወት ክቡርነትን፥ ምቅዋም ጽንሲ ምንጻልን ምክልኻል ቅዱስ ቁርባንን፥

ካልኦት እቲ ንሱ ዝተራኸቦ እግዚኣብሔር ንኽፈልጡን ንኽራኸቡን ምስኡ ምዃን ዓርኩ ምዃን ክንደይ ሰናይ ምዃኑን ንኸስተማቕሩ ዝመስከረ!

ኩሉ መጋበርያ ንመንፈሳዊ ድላይ መሳለጢ ክኸውንን ብፍላይ ከኣ መርበብ ሓበሬታ ናይ ዘተን ናይ ፍልጠትን ምክፋልን ምክብባርን ግኡዝ ዘይኮነን፡ ብሓላፍነት ኣጠቓቕማኡ ዘመላኸትን፡ በቲ ብስነ ኣሃዝ ብዘራቐ መጋበርያ ንዝረአይ ዓለቐይናነት ኣይፋል ዝበለን” ዓሚዩቕ ፍቕሪ ንቕዱስ ቁርባንን ልዑሉ ኣኽብሮት ንቕድስቲ ድንግል ማርያምን ትምህርተ ክርስቶስ ንሕጻናትን። መቑጸርያ ወትሩ ኣብ ሕይወቱ ዘሰንዮን።

ጸሎትን ተልእኾን፥ ኣብታ ሓጻር ምድራዊ ሕይወቱ ካርሎ ኣኵቲስ፥ ኵለንተናኡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘማዕቆበን ዘወከፈን!

ክመሳሰል ዘይበለ

ገና ብንኡስ ዕድመኡ ከቢድ ሕማም ምስ ኣጋጠሞ እውን ስቓዩ ንጐይታን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንቤተ ክርስቲያን ዘወፈየ፥ . . .

እዚ ሓድሽ ብጹዕ እዚ፥ ኣብ ፍቕሪ ኢየሱስ ንኽጸንዕን ንኽነብርን ኵሉ ተመሳሲልካ ምንባር ኣብ ዝብል ዋጋ ዕዳጋን ዘይኣተወ፥ ብጥልቅን ብኣተኵሮን ኣብ ወንጌል ምንባር ዝመረጸ!

ነቶም ሕብረተሰብ ዝንጽሎምን ከም ውዳቕ ዝሓስቦምን ድኻታት ምሕሳብ፡ ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚኣቶም ምሕሳብ ንኢየሱስ ምሕሳብ ማለት እዩ ዝበለ እንክብሉ ከምዝገለጽው ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

            ከም ናይ ቅዱስ ቁርባን ህብስቲ ምእንቲ ካልኦት ዝበለ ብሩህ ሕይወት!

ብኽርስቶስ ዝተማርከ

“ናይዚ ወዲ 15 ዓመት ሕይወት መንእሰይ . . . ጽንዓቱ ኣብቲ ክቡር ዋጋ ዝገበረ፥ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዘመላኽቶን . . . ማለት ኣብ ሕይወትካ ቅዳምነት ንእግዚኣብሔር ምሃብን ነሕዋት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡን ምግልጋል ዝብል ምንበር ዝነበረ፥” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ሓቢረን።

እቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ምስ ኣብቅዔ ናይ ሰበኻ ኣሲዚ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ፥ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያኑ ብጹዕ ካርሎ ኣኵቲስ ስለ ዝዓደላ ምስጋና ኣቕርብ፡ ንዅሎም ኣብ ጉዕዞ እምነት ንዝርከቡ መንእሰያት ድጋፍ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ብጹዕ ካርሎ ኣኵቲስ ዘይነጻጸሉ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም፡ ካርሎ ወትሩ ውሁድ ምስ ኢየሱስን ልዕሉ ፍቕሪ ንቕዱስ ቁርባንን ዝነበሮ ቢሎም ብስም እዚ ሓዱሽ ብጹዕ ናይ ድኻታት መመገቢ ማእከል ክቐውም ከምዝኾነን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ሽልማት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ቡጽዕ ካርሎ ኣኵቲስ እተሰምየመ ንሓደ ሓድሽ ናይ ሕውነት ኤኮኖሚ” ዝወሃብ ክብገስ ምዃኑ ሓቢሮም እዚ ኸኣ ነታ ቅዱስ ኣቦና “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቲ ንስደረስዋ ዓዋዲት መልእክቲ ዓቢይ ግምት ዝሃበን መልስን እውን እዩ ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን።

12 October 2020, 22:41