አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ጽዉዓት ኢና! አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ጽዉዓት ኢና!  

ሰንበት ዘፍሬ መስከረም 12 2013 ዓ.ም. (9/22/2020)

መዝሙር፡ እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ ወዓቢይ ኀይልከ. . . . “ኦ ጎይታይ ንፍሬ ምድርኻ ባርኽ ብኽረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ? እታ ጠምያ ነራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኸካ አላ፥ አብ ሰማይ እትቕመጥን ብትሑታት እትባረኽን ምስጉን ንስኻ ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢይ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ገርካ ዝሰራዕካን ንኹሉ ዘዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ፊሊጲ 1፡20-27፥ ያዕ. 5፡1-10፥ ግ.ሓ.19፡21-ፍ፥ ማቴ 20፡1-16.  ምስባክ፡ ምድርኒ ወሃበት ፍሬሃ፥ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፥ ወይባርከነ እግኢአብሔር።  “ምድሪ ፍሬአ ትህብ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ይባርኸና፥ እግዚአብሔር ክባርኸና እዩ”። መዝ. 85፡12።

ካብ 9-15 መከረም ዘሎ ዘመነ ፍሬ ይብሃል። አብ ሃገርና አብዚ እዋን ኩሉ ሸዊቱ መሬት ፍሪአ እትህበሉ ሓረስታይ ፍረጻምኡ ብግሁድ ተስፋ ዝርእየሉ እዋን እዩ። ኩሉ ዝሓረሰ አብ ግራቱ ብዓቢ ጻዕሪ ዝወፍረሉን ዝተግሃሉን እዋን እዩ፥ ሎሚ ሰብ አብ ገዛ አብ ዓዲ ክትረክብ ቀሊል አይኮነን ኩሉ አብ ስራሕ ተጸሚዱ እዩ ዝርከብ። ምስ እዚ አተሓሒዝና አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና ዝያዳ ዕግበት ክህበና ይኽእል። ኩልና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ወፊርና መንፈሳዊ ፍረ ክነፍሪ ክንዓዩ ድላይ አምላኽ እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብና ነዚ ሓሳብ ብኸመይ ክንርድኦን ክንምልሰሉ ከም ዘሎና ይነግረና። ንማቴዎስ ወንጌላዊ ክንርድኦ ናይ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ድሕሪ ባይታ ታሪኽ ክንርኢ የድልየና። እቶም ንብዙሕ ሰዓታት አብቲ ግራት ዝሰርሑ እቶም ንምሉእ መዓልቲ አብ ሃሩርን ብርቱዕ ስራሕ ክሰርሑ ዝውዓሉ፥ ህዝበ አይሁድ እዮም። እቶም ድሒሮም አብ ሥራሕ ዝወፈሩ ኸአ እቶም አረማውያን ዝነበሩ እዮም።

መልእኽትን ትሕዝቶን ናይ እዚ ወንጌል ነቶም አይሁድ ዝምልከት እዩ ምኽንያቱ አብ ልዕሊ እቶም አረማውያን ዝነበሩ እሞ ክርስትና ዝተቐበሉ በቲ ዝረኸብዎ ጸጋ አይተሓጎሱን። ማቴዎስ ሓደ ካብቲ ንኢየሱስ ዝተጓነፎ ዘሕዝን ነገር ዝነግረና ናብቶም ናቱ ዝኾኑ መጽአ ግን አይተቐበልዎን ይብለና። ሽዑ ናብቶም አረመን ከይዱ ብጽቡቕ ተቐቢሎሞ ንሱ ኸአ ኩሉ ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝቕበሉ ገርዎም። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እቲ ዝተባህለ “ዳሕሮት ቀዳሞት ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪኾኑ እዮም” አብ ሓቂ ተራእዩ።

ነዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ምስዚ ዘሎናዮ ዘመን እንተ ረአናዮ ዘይቅኑዕ አገባብ ኢና እንብሎ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝወዓሉ ዝተዋህበን ነቶም ቁርብ ሰዓታት ዝሰርሑ ዝተዋህበ ሓደ ዓይነት ስለ ዝኾነ ቅንዕና ጎዲሉ መሰል አይተሓለውን ንብል ምኽንያቱ አተሓሳስባና መጠን ዝሰራሕካዮ መጠኑ ኢና ክንክፈል እንደሊ፥ እቲ አከፋፍላ ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ዓመጽ እዩ ንብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ትምህርትን ናይ እዛ ምሳሌ ብዛዕባ “ርትዒ ሓቂ” እዩ። ክንርድአ ጸገም እንተ አልዩና አብቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ጸገም አሎና ማለት እዩ። አብ ኢሳያስ 55፡6-9 ከምዚ ዝብል ነንብብ “ተመለሱ ናብ እግዚአብሔር ጸልዩ፥ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ፥ ኃጥአን መገዶም ዓመጸኛታት ከአ ሓሳቦም ይኅደጉ፥ ናብ እግዚአብሔር አምላኽና እውን ይመለሱ፥ ንሱ ኺምሕሮም አዝዩ ኸአ ይቕረ ኺብለሎም እዩ፥ እግዚአብሔር ከምዚ ይብል አሎ ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም አይኮነን፥ መንገድታትኩም ከአ ኻብ መገድታተይ ፍሉይ እዩ፥ ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል መገድታተይ ካብ መገድታትኩም ሓሳባተይ ኻብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ”።

አብዚ እንርእዮ ነዚ ምሳሌ ብፍሉይ አረአእያ ክንርእዮ ከምዘሎና እዩ ዝሕብረና። ናይ እግዚአብሔር ሓቂ ወይ ርትዒ እንታይ ምዃኑን ከምዝመስልን ክንምሃር አሎና። ካልእ ስም ንናይ እግዚአብሔር ርትዒ ምሕረትን ርሕራሔን እዩ። አብ ቅድሚ ዓለም ክንርእዮ ከሎና አብ ገለ እዋን ዘይቅኑዕ ኮይኑ ክርአየና ይክእል እዩ። አብቲ ምሳሌ እቲ ቀንዲ ነጥቢ እቶም ብዙኅ ዝሰርሑ ከምቲ ዝሰርሕዎ አይተኸፍሉን ዝብል ዘይኮነስ እቶም ዳኅረዎት ልክዕ ሓደ ዓይነት ክፍሊት ከምዝተኸፍሉ ንምሕባር እዩ። አብዚ ነገራት ከምቲ ንሓደ ግለሰብ ብዘድልዮ ተለኪዖም ዘይኮነ ከምቲ ዘድሊ እዩ ተራእዩ ዘሎ። ኩሎም ቀዳሞት ይኹኑ ዳሕረዎት ሓደ ዓይነት ናይ አምላኽ ሓልዮትን ፍቕርን የድልዮም ነፍሲወከፍ ከአ ብምልኡ ይቕበሎ።

ስለዚ አብክንዲ ንአምላኽ ከምዚ ዘይገበረ ኢልካ አብ ክንዲ ምዝራብ ብልቢ ክነመስግኖ ይግባእ። አብ ገለ እዋን አብ ሕይወትና ከቢድን መሪርን ናብራ ዓለም አሕሊፍና ደኺምና ተቓሊስና ሕይወትና እና አሕለፍና ከሎና ሓደ ሕማቕን ዘይስሩዕን ውዱቕን ሕይወት ዝመርሕ ዝነበረ እሞ አብ መወዳእታ አብ ልቡ ተመሊሱ ተነሲሑ እንተ ሞተ ብዙሕ ርትዒ ከምዘይተገብረ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። እንተ ኾነ ድላይ አምላኽ ካብ መጀመርያ ይኹን አብ መጨረሻ ንመንግስተ ሰማይ ዘእቱ ንስሓን ግብርን ክህልወና እዩ ዝደሊ። ብዙሓ ሰሪሕና እንውስኾ ውሑድ ሰሪሕና እንጕድሎ ነገር የለን። ነገር አምላኽ ንሕና ብእንገብሮ አይቅየርን እዩ።

ካብዛ ምሳሌ ነዚ ዝስዕብ ነገራት ክንምሃር ይክአል፡

  1. አብ ግራቱ ክንዓዪ ዘፍቀደ አምላኽ ምስጋና ይግብኦ። አምላኽ ብፍሉይ ንነፍስ ወከፍና አብ ግራቱ ክንዓዪ ክነበርክት ሓርዩና እዩ። ከምቲ ካብ ኩሎም ዓበይትን ጀጋኑን እንከለዉ ንዳዊት አንጻር ጎልያት ክዋጋእ ዝሓረዮ፥ ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ካብ ኩለን አንስቲ ዝሓረያ፥ ንጴጥሮስ ማንም ገፋፍ ዓሣ መራሕ ቤተ ክርስትያን ክኸውን ዝሓረዮ ንነፍሲ ወከፍና ኸአ ንፍሉይ ጸዋዕታን መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ሓርዩና እዩ። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ አምላኽ ነቶም ዝደልዮም ብናቱ መገዲ ከም ዝመርጽ እዩ፥ ክገርመና የብሉን ከመይ አመራርጻ አምላኽ ከም አመራርጻና ስለ ዘይኮነ።
  2. አብ ዝኾነ እዋን አብ አምላኽ ክንምለስ ጽዉዓት ኢና፦ ምኽንያቱ አምላኽ አብ ዝኾነ እዋን ካብ ኃጢአትና ተጣዒስና ክንምለስ እንከሎና ይቕበለና እዩ። ከምቲ አብ ሕይወት ኢየሱስ ደጋጊሙ ዝተገልጸ ሓደ ኃጥእ ካብ ኃጢአቱ እንተ ተመልሰ ወላ ስዓት ዓሰርተ ሓደ ይኹን ማለት አብ መጨረሻ ሕይወቱ አብ ዝኾነ እዋን አምላኽ ይቕበሎ እዩ። አምላኽ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕይወትና ዝርኢ ሓጺር ተዘክሮ እዩ ዘለዎ። እዚ እዩ ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ክነመስግኖ ዝግብአና። አምላኽና ሓዳግ አምላኽ እዩ።
  3. ካልኦት አብ ግራት አምላኽ ምሳና ክዓዩ ክነፍቅድ ድላይ አምላኽ እዩ። አብ ግራት አምላኽ ምንፍፋግ የለን። ብክርስትያናዊ ጉዕዞ ሕይወት ክንርእዮ ከሎና ዘገርም እዩ እናስዓብናዮ ከሎና ነቶም አብ ኃጢአትን ኢሚራላዊ ሕይወት ዝነብሩ ሰባት ንከስሮም። ምሳና ስለ ዘይተጓዕዙ ንወትሩ ኵኑናት ገርና ንወስዶም ማዕጾ አፍደገ ሰማይ ክዕጸዎም ንደሊ እንተ ኾነ ትምህርቲ ወንጌል ዘስተምህሮ ሓቅን ፍቕርን ሕያውነትን እዩ፥ አብ ምክፋልን አብ ርትዕን ዝነብር ሰብ ጥራሕ እዩ ንሓቀኛ ሓጎስ ዝነብር ንኻልኦት አሕዋቱ ከአ አብቲ ንሱ ዘለዎ ክመጽኡ ብዘይ ዝኾነ ንፍገት ይጽውዕ። አብ ኃጢአት ዝነብር ሰብ ሕይወቱ ብዙሕ ጊዜ አብ ሓሳዊ ዝኾነ ነገር መሰረት ገሩ ንሓጎስ ደስታን አብቲ ዘይሓቀኛ ነገራትን ተግባራትን ክረክብ ይጽዕር። ንሕና ግን አብ ክርስቶስ አብቲ ሓቀና መገዲ ዝኾነ ኢና ክንክተል ጽዉዓት።
  4. አምላኽ ንኹልና ብሓደ እዋን አይጽውዓናን እዩ። ገለ ካብ ንእስነቶም ጥምቀት ምስተቐበሉ አብ ዕዮ አምላኽ ይወፍሩ። ገለ አኸአ አብ ሸዊት ዕድሚኦም ንኡሳን ከለዉ ገለ እውን አብ ሓዳር እንከለዉ ገለ ኸአ ድሒሩ ዝጽውዖም አለዉ። ገለ ሰባት ከምቶም ንግሆ ዕዮ ዝጀመሩ እዮም ገለ ኸአ ከምቲ ፈያታይ ዘየማን ከአ አለዉ። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ፍሉይ መደብ አለዎ። ገለ ካባና ዝተፈለ ጸጋ ሃብቲ፥ ጥዕና፥ ክእለት እንተ ሃቦም ዝያዳና ይፍቀሩ ማለት አይኮነን። ከምቲ ሓደ ወላዲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ደቁ ዝተፈላለየ ርክብ ዘልኦ እዩ። ምስ ነፍሲ ወከፍና ብፍሉይ ይራኸብ ምኽንያቱ አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልዮን ንአና ብዝጠቅምን ብፍሉይ ይራኸበና።
  5. አምላኽ አብ ግራቱ ክንዓዪ ይዕድመና። ነቶም አብ ወንጌል ዝረአናዮም ሰራሕተኛታት ካብኦም ዝተደለ ክሰርሑ ፍቓደኛታት ምዃን ጥራሕ እዩ ንሱ ኽአ አብ ግራቱ ክሰርሑ ዓዲምዎም፥ ንአና እውን ብዙሕ ጊዜ ይዕድመና እዩ፥ ከም ሳሙኤል ነብይ “እነኹ እስምዓካ አሎኹ ተዛረብ” ዝበሎ ንሕና እውን ከምኡ ክንብል እዩ ዝድለ ዘሎ። ብብዙሕ መገዲ እዩ እቲ መጸዋዕታ ስለዚ አለሊኻ ምኽአል። “ጎይታይ እንዅ ጥራሕ ይኹን መልስና”።
  6. መጨረሻ ትምህርቲ እንምሃሮ ካብዛ ምሳሌ ሕያውነት አምላኽ እዩ። እዞም ሰባት ሓደ ዓይነት ስራሕ አይሰርሑን ግን ሓደ ዓይነት ተኸፊሎም። ህያብ አምላኽ ብዘይተጸበናዮ ጊዜን ብዘይተጸበናዮ አገባብን ይመጽአና፥ ተራና ብኽፉት ልቢ ምጽባይ ጥራሕ እዩ፥ ሽዑ ንድምጺ አምላኽ አለሊና ክንክእል ኢና። ከምቲ ደሞስዜኔስ ዝተባህለ ዘስተምህሮ  “ንአሽቱ ዕድላት ፈለምቲ ንዓበይቲ ዕድላት እዮም” ካልእ እውን “እቲ ንመርከብ ጥራሕ ዝጽበ ሰብ ኩሉ ጊዜ ንሱ እዩ ንጃልባ ዘሕልፋ” ይብሃል። አብ ንአሽቱ ነገራት ንአምላኽን ምሕረቱን አለሊና ክንክእል አሎና።  

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ነቶም አብ ሰሜን ግሪኽ ዝነብሩ ዝነበሩ አብ ዝጽሓፋ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ነጻነት እንታይ ምዃኑ ይገልጽ። ነዚአ መልእኽቲ ክጽሕፍ እንከሎ ጳውሎስ አብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነሩ ምናልባት ብክርስትያናዊ እምነቱ ምኽንያት ክቕተል እውን ይክአል እዩ። ዝኾነ ይኹን ንሱ ቅሩብ እዩ፡

“ከምቲ ኵሉሳዕ ሕጂውን እንተ ኾነ እንተ ብሕይወት እንተ ብሞት ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ እየ፥ ከመይ ንአይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፥ ሙማት ከአ ረብሓይ እዩ፥ ብሕይወት እንተ ደአ ኽነብር ኮይነ ግና ፍረ ዘለዎ ዕዮ አሎኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና አይፈልጥን እየ፥ ብኽልቲኡ ወገን እጭነቕ አሎኹ፥ ዚሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና ካብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ እንተኾነ ንአኻትኩም ምእንቲ ክሕሸኩም ብሕይወት ምጽንሐይ የድሊ እዩ” (ፊሊ 1፡20-24)።

እዚ ቃላት ጳውሎስ ናይ ሓደ ብምሉእ ንድላይ አምላኽ ክገብር ፍቓደኛ ዝኾነ ብምሉእ ንመገዲ አምላኽ ዝኽተል አብ ኩሉ ራእዩ ድለት አምላኽ ሓዊሱ ዝኸይድ ዝበለጸ አብነት እዩ። እዚ ክግበር እንከሎ ተቐባሊ ጥራሕ ዘይኮነ ተሳታፊ ናቱ ተራ እውን ክጻወት አለዎ እምበር ንላዕሊ ጠሚትካ ካብ አምላኽ ጥራይ ምጽባይ ማለት አይኮነን።

በዚ ብሩኽ ሰንበት አምላኽ አብ ሕይወትና አብቲ ዝድለ ነጻነትና ሕያውነትና ክንርከብ ንለምኖ። እዚ ኸአ እዩ ምስጢር ናይ ሓቀኛ ሓጎስ። አብ ግራትካ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ክንዓዪ ዝሓረኻና ነመስግነካ አሎና። ድላይካ ክነለሊ ፍቓድካ ክንፍጽም ጸጋን ሓይሊ ሃበና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

18 September 2020, 12:42