ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኮቪድ - 19 እስትንፋስ ክኾልፍ ብጸሎት ነተንፍስ ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኮቪድ - 19 እስትንፋስ ክኾልፍ ብጸሎት ነተንፍስ 

ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኮቪድ - 19 እስትንፋስ ክኾልፍ ብጸሎት ነተንፍስ

ኩለን ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢለን ንሓድ ሕደን ክደጋገፋን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዋላ’ኳ ማሕበራዊ ምርኻብ ንግዚኡ ኣይሀሉ ኣብ እዋን ተወሸብን ምፍንታትን ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢለን ክራኸባን ክጸናንዓን ብጸሎትን ኣብ ጸሎትን ክሓብራን

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ነዴታትን ንሰብ ሓዳር ኣዴታትን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብቲ ኣብ በይናውነትን ብሕትውናን ኣብ ዝርከባሉ ኩነት በይንኽን ኣይኮንክንን ብምባል ድጋፍን ቅርበትን ንምቕራብ ዕላማ ዝገበረ ብመርበብ ሓበሬታ ዘሰናደዎ መዓልቲ ኣስተንትኖ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኾረና ተህዋስ እስትንፋስ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይዓግትን ይኾልፍን ሳናቡእኻ የለብዕ ምእንቲ’ዚ ሕይወትካ ንኸተድሕን መሳርዕ ኣድሕን ሕይወት - መስተንፈሲ የድልየካ፥ እዚ ኣስተውዕሎ እዚ እቲ ንካቶሊካውያን ማሕበር ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመላእ ኣዴታትን ንሰብ ሓዳር ኣዴታትን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብቲ ኣብ በይናውነትን ብሕትውናን ኣብ ዝርከባሉ ኩነት በይንኽን ኣይኮንክን ንምባል ብመርበብ ሓበሬታ መዓልቲ ጸሎት ኣሰናድየን ናይቲ መደብ ጸሎት ኣርእስቲ “ከተንፍስ ኣይከኣለንን ኣሎ” ዝብል ከምዝኾነ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ኣደ መንበር ፊኪለ ሞትሳ ሓቢረን፡ እቲ ዝተፈጥረ ብሕትውናን ብበይናውነትን ብጽሞናን ዝጉደለ ሕይወት ንምምላእ እዩ ከምዝበላ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ

እቲ መደብ ጸሎት ኩለን ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢለን ንሓድ ሕደን ክደጋገፋን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዋላ’ኳ ማሕበራዊ ምርኻብ ንግዚኡ ኣይሀሉ ኣብ እዋን ተወሸብን ምፍንታትን ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢለን ክራኸባን ክጸናንዓን ብጸሎትን ኣብ ጸሎትን ክሓብራን ዘኽኣል እዩ ከምዝበላ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ኣብ ወርሓ ደቀንስትዮ

እቲ መደብ ካብ መንፈስ ኣሃትነት ዝነቐለ እዩ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ስዕረት ከይስምዐንን ኣብዚ ኣብታ ልዕሊ 90 ሺሕ ዝግመቱ ብኾሮና ተህዋስ ኣብ ዝተለኽፍላ ሃገር ኣብ መጻኢ ተስፋ ከገብራን እቲ ናይ ጸሎት መደብ ንኽካየደሉ ዝተሓርየ ወርሒ ነሓሰ ክኸውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፥ ማለት ዕለት 9 ነሓሰ 1956 ዓ.ም. ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ እዋን ጸለምቲ ናብቲ ናይ ጸዓዲ መንበሪ ናብ ዝነበረ ከባቢ ንምእታውን ወይ ብኣኡ ንምሕላፍ ናይ ይሕለፍ ዝብል ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ዓሌታዊ ፍልያ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ዘካየዳሉ ዕለት ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ታሪኽ ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ታሪኻዊ ወርሒ እዩ ከምዝበላ ኣፍሊጦም።

እቲ ማዕበል ሓላፋይ እዩ

ኣደ መንበር ሞትስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣተሓሒዘን፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ኣደዳ ዝተፈላለየ ዓመጽ እውን ከምዝኾናን ኣብ ገዛእ ቤተን ከይተረፈ ቅትለን ዓመጽን ከምዘጋጥመንን፡ እቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ ንምውጋድ ጻውዒት ዘቕርብ መደብ እዩ፡ “ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ጠቢቕናን ኣብኡ ጸኒዕናን ብዘይ ፍርሕን መስርቕ ብዘይምስሓትን ንቕድሚት ንኽንብል ዘነቓቕሕ እዩ። ንሱ ነቲ ማዕበል ኮቪድ - 19 ዝግ ክብል ዝገብር፡ ጽንዓ ተስፋ ኣይተቕህማ ዝብል፥ ነዚ ጽን ምስ እንክብልን ኣሜን ምስ እንብል ፍርሒ ኣይክህልወናን እዩ” ከምዝበላ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኮቪድ - 19 እስትንፋስ ክኾልፍ ብጸሎት ነተንፍስ
26 August 2020, 16:19