ኣብ ናይጀሪያ መዕለቢ ዝሰኣነ ዓመጽ፥ 40 መዓልቲ ጸሎትን ምህለላን ኣብ ናይጀሪያ መዕለቢ ዝሰኣነ ዓመጽ፥ 40 መዓልቲ ጸሎትን ምህለላን 

ኣብ ናይጀሪያ መዕለቢ ዝሰኣነ ዓመጽ፥ 40 መዓልቲ ጸሎትን ምህለላን

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ጥቅምቲ ናይጀሪያ መዓልቲ ናጽነታ እተብዕለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ጠቒሶም ምእመናን ምእንቲ ሰላምን ናጽነትን ሓሳብ ገይሮም ጸሎት መቑጸሪያ ከዘውትሩን ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ሕማምት ምስጢር ከተኩሩ

ኣብ ሃገረ ናይጀሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ብሔራዊ ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ መታን ብሓባር ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር፡ ነዚ መደብ እዚ ዝሓንጸጸ ናይታ ሃገር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ክኸውን እንከሎ፥ “ሃገርና ንምድሓን ነርበዓ መዓልት ጸሎትን ምህለላን” ብዝብል መርሕ ሓሳብ ካብ ዕለት 22 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 30 መስከረም 2020 ዓ.ም. ዝቕጽልን መንፈሳዊ መደብ ከምዘቐረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን፡ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይጀሪያ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ሸበራዊ መጥቃዕትን ከብቅዕን ከምዝጸለዩ ክዝከር እንከሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኣቡጃ ርእሰ ሰበኻ ናይ ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ኣባ ፓትሪክ ኣሉሙኩ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “መላእ ሕዝቢ ናይጀሪያ ኣብ ሰላም ዝኣምን እዩ፡ ብጹዓን ጳጳሳት እውን ኣብ ናይ ሰላም ጐደና ብሓባር ኩሉ ከከም እምነቱ ክጓዓዝ ጻውዒት የቕርቡ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ኣሉሙኩ ኣስዒቦም፥ ዓመጽን ጃምላዊ ህልቀትን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብ ይብል ከምዘሎ ገሊጾም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዘተኮረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጠቒሶም፥ እዚ ኹሉ ዓመጽ ከብቕዕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ ንጸሎትን ምህለላን ትዕድም ኢሎም።

ዕለታዊ ጸሎት

ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይጀሪያ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣቡን ዘበሰማያትን ሰለስተ ሳዕ ሰላም ንዓኽን ስብሓት ንኣብን ጸሎት ክደግም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትዕድም፡ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ጥቅምቲ ናይጀሪያ መዓልቲ ናጽነታ እተብዕለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ጠቒሶም ምእመናን ምእንቲ ሰላምን ናጽነትን ሓሳብ ገይሮም ጸሎት መቑጸሪያ ከዘውትሩን ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ሕማምት ምስጢር ከተኩሩ ይዕድሙ።

ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ቅልውላው ዘኪሮም፥

            ሎሚ ብፍላይ ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዓመጽን ግብረ ሸበራንኮይኖም ንዘለዉ ተቐማጦ ዞባ ስሜን ናይጀሪያ እጽልይ!

ከምዝበሉ ፒሮ ኣዘኻኺረን፥

ናይ ሕዝቢ ከቢድ ስቓይ

ኣባ ኣሉሙኩ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ መጥቓዕቲ ጸረ ሃገርን ሕዝብን እዩ፥ ክርስቲያንን ኣስላምን ንሞት ዝዳርግ ዘሎ እዩ፡ ከምዝበሉ ሓቢረን፥ ናይ ሕዝቢ ሰላምን ደሕንነትን ጸጥታን ውሑስ ክኸውን ፍልልያት ከም ሃብትን መራኸቢ ድልድል ምጥቓምን ካብ ፍልልይ ዝተበገሰበ ሓድነት ጽኑዕ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ምስጋና ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ነሓሰ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምእንቲ እተን ኣብ ስቓይ ዝርከባ ሃገራትን ሕዝበንን ይጽልዩ፡ ሰላምን ዘተን ክተባባዕ እውን ይምዕዱን ጻውዒት የቕርቡ፡ ምእንቲ ናይጀሪያ እጽልይ ዝበልዎ ቃሎም ሕዝቢ ናይጀሪያን ኣብ ናይጀሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ብዓቢይ ሓጎስ ከምእተቐበሎn ምስጋና ንቕዱስነቶም እውን የቕርብ ከምዝበሉን ፒሮ ይሕብራ።

ዓመጽን ህልቂትን

ብጹዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ ነርበዓ መዓልቲ ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይጀሪያ ክጽለይ ክዕድሙ እንከለዉ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ህልቀትን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እዩ ዘነጽሩ፡ ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዓመጽን ምጭዋይን ንኹሉ ዜጋ ዘሰክፍ እውን እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዘተኮረ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝፍጸም መቕተልቲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ኩሉ እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ጻውዒት ጳጳሳት ንፖለቲካ ኣካላት

ብጹዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ ነቲ ኣብ ሃገሮም መዕለቢ ዝሰኣነ ዓመጽን ህልቀትን ከብቅዕ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብሓባር ምእንቲ ሰላም ክቖሙን ክዓዩን ናይ ዓመጽን ህልቀትን ተሓተትቲ ዘበሉ ኵሎም ንሕጊ ክቐርቡን ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ሰላም ስለ ዘየለ ንዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ፍትሒ ኣብ ምርግጋጽ ክጽመዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ምቕታል ሃይማኖት ናይ ምንቕቓሕን ምስፋሕን መጋበሪያ ክኸውን ኣይክእልን፡ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላምን ስኒትን እዩ፡ ብስም ሃይማኖት ጸረ ሕይወት ዝኾኑ ተግባራት ምንቕቓሕ ጸረ ሃይማኖትን ብዓቢዩ ድማ ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ሓቢረን፥ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ እዋን ጐስጓስ ምረጹኒ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ንምውጋድን ዝርጋሔ ጸዓት መብራህትን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ናይ ስራሕ ዕድልን ክፈጥርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ክከናኸንን መደብ ሕንጸትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንኹሉ ክባጻሕን እንክብል ዝኣተዎ ቃል፥ ምልስ ቢሉ ከስተውዕሎን ኣብ ግብሪ ከውዕሎን ከምእተላበዉ የመላኽታ።

ምሕረትን ዕርቅን

ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ምእንቲ ኩሎም ኣደዳ ዓመጽን ግብረ ሸበራን ዝኾኑን ንኣባይቲ ምዉታትን ጸሎትም ኣረጋጊጾም፡ እውነተይና ሰላምን ስኒትን ካብ እግዚኣብሔር እዩ ቢሎም፡ ኵሉ ናይ ምሕረትን ዕርቅን መጋበሪያ ብምዃን ምእንቲ ሰላም ክዓይን እግዚኣብሔር ሓይሉ ክጽግው ንጽልይ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥ ዕለት 23 ነሓሰ ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኩሉን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መዓልቲ ጸሎት ክኸውን ናይ ሃገረ ናይጀሪያ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር ጻውዒት ከምዘቕረበን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ብሓባር ኣብ ናይ ዕለት 23 ነሓሰ ጸሎት ክሓብሩ ሓደራ ከምዝበለ የመላኽታ።

23 August 2020, 11:28