ቅዋመ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ቅዋመ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ 

ቅዋመ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን ኣብቲ ሲኖዶሳውነት ጸዋዕታኣ ኣናዓበየት እትኸይድ ቤተ ክርስቲያን ዘስተንትን እዩ

ንናይ ድኻታትን ናይ መሬትን ገዓር ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ መልሲ ንምሃብ ዝዓዪ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ከምዝቖመን፡ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 26 ሰነ ክሳብ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ዝቖመ ከምዝኾነን እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ድሕሪ ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዘቕረብዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ምስ ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኤቅለሳውያንን ማሕበራት ተገደስቲ ዛዕባ ማሓድሮ ማሕበራትን ብምትሕብባር ዝዓዪ እውን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ናይ ሓድሽ ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ጸዋዕታ - ተልእኾ

ዕለት 29 ሰነ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብምዃኑ እቲ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ዕለት 29 ሰነ ክቐውም ዓቢይ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎን ጸዋዕታኡን ተልእኾኡን ዘመላኽት ኮይኑ እዚ ኸኣ ኣብታ ነቢያዊ ምርጫኣን ተግባር ተልእኾኣ ናይ ዝኾነት ናብ እትብልን እትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምግልጋል እዩ። እዚ ውልደት ናይዚ ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ምስቶም ብቐረባ ኣብ ከይድታቱ ምስ ዘሰነዩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝሓበረ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ፡ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ኣማዞን ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ጭቡጥ ውጥን ክኸውን እዩ ዝደልይ። ኣብዚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ጽንኩርን ፍሉይን ኣብ ዝኾነን ለበዒ ኮቪድ ነቲ ከባቢ ኣማዞን ብብርቱዕ ኣብ ዘጥቕዓሉ ዘሎ ዓመጽን ጸረ ህይወታውያንን ሕዝብታት ኣማዞንን ኵለንተናዊ ምልዋጥ ሕጹጽ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝቖመን እዚ ኹሉ ኣገዳስነቱ ኣዚዩ ዕዙዝ ይገብሮ።

ሓድነት ኣብ ብዙሕነት

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን ኣብቲ ሲኖዶሳውነት ጸዋዕታኣ ኣናዓበየት እትኸይድ ቤተ ክርስቲያን ዘስተንትን እዩ፡ ናይዚ ናይ ኣማዞን ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ከምዝሓረየን፡ ምኽትሎም ኣብ ፐሩ ናይ ፑወርቶ ማልዶናዶ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ዳቪድ ማርቲነስ ደ ኣጉይረ ጒነኣ ንኽኾኑ ከምእተሓርዩን፡ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ኣብ ቦሊቪያ ናይ ፓንዶ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ኤውጀኒዮ ኮተርን ናይ ከባቢ ኣማዞን ግዝኣት ብጹዓን ጳጳሳት ወኪልን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ኣማዞናዊ ኤቅለስያዊ መርበባውን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ናይ ገዳማውን ኣሕሉቕ ማሕበርን ናይ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ጨንፈር ካርታስን ኣበ መናብርት ዝሓቁፍ ከምዝኾነን ካብ ኤኳዶር ናይ ኪችዋ ሳራያኩ ደቀባት ኣማዞን ወካሊት ፓትሪሲያ ጓሊንጋን ኣብ ብራዚል ናይ ካሪሪ ደቀባት ኣማዞን ወኪል እናቴ ላውራ ቪኩኛ ፐረይራን ኣብ ፐሩ ናይ ኣሻኒንካ ደቀባት ወኪል ደሊዮ ሲቲኮናትዚን ናይ ሕዝብታ ኣማዞን ብመሰል ወከልቲ እውን ዝሓቁፍ ከምዝኾነ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ሲኖዶሳውነትን ትግባሬኡን ምንቕቓሕ

ብኻልእ መዳይ እቲ ዝቖመ ኣማዞናዊ ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ እቲ ዛዕባ ኣማዞ ኣምእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ፍቕዲ 15 ከምዝሕብሮ፥ ኣብ መንጐ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ናይ ወንጌላዊ ተልእኾ መገድታት ዘናድይ ሲኖዶሳውነት ክቐውም ዝብል ሓሳብ ዘነቓቕሕን እውን እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ዝለገስዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርዊ ምዕዳን፥ ጓሶትን ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ምእመናንን ዓለማውያንን ከባቢ ኣማዞን ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመረኸ ሲኖዶስ ናይ  ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክዓዩ (ፍቕዲ 4.) እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝትግብር እውን ምዃኑ ፒሮ ሓቢረን።

ቅዋመ ናይ ከባቢ ኣማዞን ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ
01 July 2020, 12:19