ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ  

ዕለት 2 ነሓሰ መዓልቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ

እቲ ብኣሕጽሮተ ቃል Secam - ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ሓምለ በቶም ንፈለማ ግዜ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካየዱ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኡጋንዳ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ባሪኾምን መሪቖምን ዘበገስዎን

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 2 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ክበዓል እዩ። ናይቲ ጉባኤ ተልእኾ ሕውነታዊ ሱታፌን ምትሕብባርን ኣብ መንጐ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ኣፍሪቃን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ወንጌላውነትን ውንግልትናን ፍትሕን ሰላም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ዝብል ምዃኑ ዘጋቢያን ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒን ማሪና ታማሮን ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኣፍሪቃውያን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ታሪኹን ውዳቤኡን ተልእኾኡን ንምልላይን ከምኡ እውን ንዅላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽጽለይን ብፍላይ ነታ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ምጽላይ ምስ ዝብል ዕላማኡ ክላለዩ ብዝብል ምኽንያት ዘብዕሎ ከምዝኾነ ኣብ 2014 ዓ.ም. መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ቅዋመኡ ኣብ ዘብዓለሉ እዋን ከምእተመልከተ ታማሮ ሓቢረን እቲ ጉባኤ 37 ብሔራውያን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን 8 ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ዝሓቁፍ ኮይኑ ብትኽክል እቲ መዓልቲ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዕለት 29 ሓምለ ዝበዓል ክኸውን እንከሎ ዕለት 29 ሓምለ ሰንበት እተድኣ ዘይውዓል ኮይኑ ኣብ ዝስዕብ ወርሒ ቀዳማይ ሰንበት ዝሰጋገር ከምዝኾነ ዘንጋሪኒ የዘኻኽራ።

ንመላእ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ኣገልግሎት

እቲ ብኣሕጽሮተ ቃል Secam - ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ሓምለ በቶም ንፈለማ ግዜ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካየዱ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኡጋንዳ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ባሪኾምን መሪቖምን ዘበገስዎን ኣብ 2019 ዓ.ም. መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ቅዋሜኡ ከምዘብዓለን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ጉባኤ ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ዘቖሙሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣፍሪቃዊ ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ዓይነት ራእይ ዘለዎ መዋቕር ቤተ ክርስቲያን ምቛም ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ልሳናውን ታሪኽን ባህላውን ፍልልያት ሰገር ብናይ ሓባር ድላይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝገልጽሉ ብናይ ሓባር ድላይ ክዓዩን ዝብል ዘቕረብዎ ሓሳብ ስዒቡ ዝተረጋገጸ እዩ ከምዝበሉን ፍሉይ መለለይ ተልእኾኡ፥ ኣብ መንጐ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ኣፍሪቃ ምትሕብባርን ብፍላይ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ዓውዲ ፍትሕን ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ኣፍሪቃ ሕውነታዊ ሱታፌ ምጽናዕን ምንቕቓሕን ዝብል ከምዝኾነ ዘንጋሪኒ የዘኻኽራ።

መዓልቲ ምጽዋት ከምእተሰጋገረ

ምስ መዓልቲ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ተተሓሒዙ እውን ምእካብ ምጽዋት ዝካየድ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ መደብ ምእካብ ምጽዋት ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒን ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ምኽንያት ምስግጋሩ ግድን ከምዝኾነ ናይቲ ጉብኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ተርዋሰ ሀንርይ ኣካቢያም ከምዝሓበሩ ናይ ሰካም - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ጉባኤ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ታማሮ ኣስዒበን፥ እቲ ዝእከብ ምጽዋት ናይ ሰካም ተልእኾን ዕዮታትን ንመሳለጢ ዝድግፍን ኮሎም ኣፍሪቃውያን ሰካም ናቶምን ንሳቶም እውን ኣካሉ ምዃኖም ምሉእ ኣፍልጦ ንኽህልዎም ብምሉእ ኣርእስቲ ኣባላቱ ምዃኖም ንኸስተውዕሉ ዝድግፍ እዩ፡ ናተይ እትብሎን እትግፎን እንክብሉ ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ዞባዊ ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንቶንይ ማኩንደ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ዕለት 2 ነሓሰ መዓልቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ
15 July 2020, 19:19