ካርዲናል ዲናርዶ፥ “ቃላት ንብይኑ እዅል ኣይኮነ ትግባረ የድሊ” ይብሉ ካርዲናል ዲናርዶ፥ “ቃላት ንብይኑ እዅል ኣይኮነ ትግባረ የድሊ” ይብሉ 

ካርዲናል ዲናርዶ፥ “ቃላት ንብይኑ እዅል ኣይኮነ ትግባረ የድሊ” ይብሉ

“ግልጺ እዩ ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ ኣድልዎ ብዘርኢ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብ የዕንትና ከምዘሎ ጉንዲ እዩ፥ ኣይንርእዮን፡ ናይ ካልእ ኣሉታዊ ተግባራት ጥራሕ ንርእይ፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ማሕበራውን ሰብኣውን ጭቡጥ ኩነት እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዕምቆት ክረአይ ዘለዎ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገም እዩ፡ ክሳብ ፈሊና ዘይፈለጥናዮ ግና እቲ ሽግር ንኽንፈትሖን ንኽንኣልዮን ዘይከኣለና ኮይንና ኢና እንተርፍ”

ኣድልዎ ብዘርእን ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ምፍላጡን ምልላዩን ድሮ ናብ መፍትሒኡ ምቕራብ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጋልቨስቶንን ሁዩስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብኢድ ሓይሊ ጸጥታ ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ዝተቐትለ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ፍሎይድ ናይ ቀብሪ  ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ግልጺ እዩ ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ ኣድልዎ ብዘርኢ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብ የዕንትና ከምዘሎ ጉንዲ እዩ፥ ኣይንርእዮን፡ ናይ ካልእ ኣሉታዊ ተግባራት ጥራሕ ንርእይ፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ  ማሕበራውን ሰብኣውን ጭቡጥ ኩነት እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዕምቆት ክረአይ ዘለዎ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገም እዩ፡ ክሳብ ፈሊና ዘይፈለጥናዮ ግና እቲ ሽግር ንኽንፈትሖን ንኽንኣልዮን ዘይከኣለና ኮይንና ኢና እንተርፍ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጋልቨስቶንን ሁዩስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዳኒኤል ዲናርዶ ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብሓይሊ ጸጥታ ዝተቐትሉ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ፍሎይድ ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ሁይስቶን ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝኾነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ኣስዒበን፥

ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምዃንን ጸማም እዝኒ ምሃብ የብቅዕ

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ታሪኽ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ይብሉ - ዝተፈላለዩ ዓሌትን ዘርእን መሰረት ዝገበሩ ዝተፈጸሙ ዓመጽን ኢፍትሓውነትን ብሱቕታ ክሓልፍዎ ጸኒሖም እዮም፡ ሕጂ ግና ከምዚ ክኸውን ኣይክእልን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ክርስቶስ ሓውኻ ኣፍቅር እንክብል ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ከተውዕን ክትነብሮን ዝተሳእና ትመስል - ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ጸረ ኣድልዎ ብዘርእን ብዓሌትን ዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ ሓዋርያዊ መልእኽቲ - ‘ነሕዋትናን ኣሓትናን ልባትና ጋህ ኣቢልና ንኽፈት፡ ዝኾነ ይኹን ተግባር ኣድልዎ ብዘርኢ ኣብ ኣመሪካ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕልዎት ኣካላት ብገለ ገለ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን” ከይተረፈ ተፈጺሙ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ኣብ 2018 ዓ.ም. ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ብዛዕባ ዝፍጸም ኣድልዎ ብዘርእን ሰማዒ ቤት ጽሕፈት ክቐውማ ዝተገብረ፡ እዚ ኸኣ ንምልዋጥ ኽንድገፍ መታን እዩ፡  ከምዝበሉ ኣፍሊጠን ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም . .  ኣድልዎ ብዘርኢ ክመሓው ዘለዎ ማሕበራውን ሰብኣውን መንሽሮ እዩ ምስ በሉ፡ እቲ ኸኣ ኣብ ሰበኻኦም እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ ኣብ ኣባይትን ሕብረተሰብን ክሰርጽ ዝግበር ክርስቲያናዊን ሰብኣውን ሕንጸት ብስሩዕ መደብ እውን ከምዝነቓቓሕ ይሕብሩ።

ቃላት ንበይኑ እዅል ኣይኮነን ብግብሪ!

ገዛእ ርእሱ ክብ ዘብል ክዋረድ እዩ፡ ገዛእ ርእሱ ብሉጽን ምሩጽን ገይሩ ዝሓስብን ጐይታ ብምትካእ ገዛእ ርእሱ ፈራዳይ ገይሩ ዝምልከት ክዋረድ እዩ፥ ኣድልዎ ብዘራኢ ድዩ ገዛእ ርእሱ ምሩጽን ብሉጽን ገይሩ ዝሓስብ  ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዝኾነ ሓጢኣት እዩ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም እውን - ኣድልዎ ብዘርኢ ብኣፍካ ምኹናን ንበይኑ እዅል ኣይኮነ ብግብሪ እውን ክኸውን ዘለዎልን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኩላትና ሓላፍነት ክስምዓና ኣለዎ፡ ኢፍትሓውነትን ኣድልዎ ብዘርኢ ዝተፈጸሙ መደላትን ብዘይ ዓመጽ ክእለ ይግብኦ . . .  ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ይከበር፡ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፖቸ ኣስዒበን፥ ፍሎይድ “ከተንፍስ ይሰኣነኒ ኣሎ በጃኻ ብርክኻ ካብ ክሳደይ ኣልዕሎ” ዝብላ ቃላት ቅድሚ ሙማቱ ነቲ ዝቐትሎ ዝነበረ ‘ሓይሊ ጸጥታ’ ዘስመዔን እያተን፡ ቅድሚ ፍሎይድ እውን ካልእ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ኤሪክ ጋርነር ከምእተቐትለ ብጹዕነቶም ዘኪሮም “ማንም ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ትንፋስ ናይ ምዕጋት ስልጣን ኮነ ሓላፍነት የብሉን - ኩላትና ብግቡእን ብነጻነትን እነተንፍስ- ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ኩላትና ኣድልዎ ብዘርኢ ካብ መንጐናን ካብ ሕብረተሰብናን ምሉእ ብምሉእ እነውግድ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ካርዲናል ዲናርዶ፥ “ቃላት ንብይኑ እዅል ኣይኮነ ትግባረ የድሊ” ይብሉ
12 June 2020, 18:08