BANGLADESH PANDEMIC CORONAVIRUS DAILY LIFE BANGLADESH PANDEMIC CORONAVIRUS DAILY LIFE 

ዓለምለኸ መዓልቲ ኣደ ‘አደ መምህር እያ’

ሎሚ መዓልቲ አደታት ክንዝክር እንከሎና ፍሉይ አስተንትኖ በደታት ብዝርኢ ክንገብር ጽቡቕ እዩ። አደ ምንጪ ሕይወትና ስለ ዝኾነትን ልዕሊ ኹሉ ክነኽብራ ግቡእ እዩ። አብ ምድራዊ ሕይወትና ከም አደና ገሩ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ የለን ክትከብር ክተፍቀር ምርጫ አይኮነን ግድነት እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

አብ ምዕራባዊ ዓለም መዓልቲ አደታት፥ አቦታት፥ ሽማገለታት. . . . ኢልካ ምብዓል ልሙድ እዩ፥ ጽቡቕ እውን እዩ። ንሓደ እትፈትዎ/ዋ ብኽብሪ አኽቢርካ ምዝካር ብዝያዳ ፍቕሪ ምቅርራብ እዩ ዘብዝሕ። ሎሚ እምብአር መዓልቲ አደታት ክንዝክር እንከሎና ፍሉይ አስተንትኖ በደታት ብዝርኢ ክንገብር ጽቡቕ እዩ። አደ ምንጪ ሕይወትና ስለ ዝኾነትን ልዕሊ ኹሉ ክነኽብራ ግቡእ እዩ። አብ ምድራዊ ሕይወትና ከም አደና ገሩ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ የለን ክትከብር ክተፍቀር ምርጫ አይኮነን ግድነት እዩ። አምላኽ አቦኻን አደኻን አኽብር ክብል እንከሎ አብ ሕይወትና ዘልኦም ተራ ስለ ዝፈልጥ እዩ። አብ ትሕቲ አምላኽ ወለድና ክንኽብር ትእዛዝ አምላኽ እዩ።

ተፈጥሮና አደ ምስተ ተሓወሰቶ እዩ ምሉእ ኮይኑ።

ኣዳም በይኑ እንከሎ ምሉእ አይነበረን ሔዋን ምስተሓወሰቶ እዩ ምሉእ ኮይኑ “እዚአ ዓጽሚ ኻብ ዓጽመይ ሥጋ ከአ ካብ ሥጋይ እያ” እናበለ ተቐቢልዋ። ውሃቢ አምላኽ ተቐባሊ ኸአ አዳም። ሰብአይ ንበይኑ ክኸውን ጽቡቕ አይ ኮነን ክብል እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ አደ ክሳብ ክንደይ ንሰብአይ ምሉእ ከምእትገብሮ ይገልጽ። አብ ኩሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ናይ አደ ሱታፌ ክህሉ እንከሎ እዩ ምልአት ዝረክብ። አብ ባህሪ ተፈጥሮና አደና እያ ኩሉ ነገርና፥ ፍቕሪ አደ ዝጎደሎ ሰብ ዳርጋ ሕጉስ ሕይወት የብሉን። በዚ እዮም ደረፍቲ ገጠምቲ ጸሓፍቲ ብፉልይ ብዛዕባ አደ ዝጽሕፉን ዝደርፉን።

አደ ህያብ አምላኽ ስለ ዝኾነት ንአምላኽ እተዘኻኽር ፍልይቲ ህያብ እያ። ንአምላኽ ክንዝክር እንተ ኾና አብ አደና ክንጥምት አሎና። ሰብአይ አብኡን አዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይኾኑ” ከምዝበሎ ሓድነት አቦን አደን ንተፈጥሮና ምሉእ ይገብሮ ንአገልግሎት አምላኽ ከአ ብዝያዳ ክንወፍረሉ የዘኻኽረና። 

አብ ብሉይ ኪዳን ተራ አደታት አብ ብዙሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ። አደታት አብ ድሕነትና ዓቢ ተራ ከምዝተጻወታ ነንብብ። ሣራ፥ ዮዲት፥ ሩት፥ አስተር. . . . ዝአመሰላ ክንጠቅስ ንኽእል። ልዕሊ ኹለን አደታት ከአ ማርያም አደ አምላኽ ምስኮንት ፍሉይ ክብሪ አደን አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ዝግበር ዕርቂ በደና ማርያም ንኹለን አደታት ወኪላ ከምዝተፈጸመ ንርኢ። ተስፋ አበው በደና ማርያም እዩ ተፈጺሙ። አምላኽ ካብ አደ ተወሊዱ ከድሕነና ድላዩ ኮይኑ። ሰብአይ ወይ መላእኽቲ አይኮኑን አብ ምድኃና ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሓንቲ አደ እያ ድላያ ምስ ድላይ አምላኽ አፍቂዳ ዘድኃነትና።

ማርያም ብኹሉ ብዘይካ ኃጢአት ከም ኩለን አደታት እያ፥ ንሳ ጸጋ ዝመልአ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት አደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ካብ ኩሉን ዝኸበረት እያ። ንሳ ብኹሉ ባህሪአ ከም ኩለን አደታት ስለ ዝኾነት አደታት መንፈስ ማርያም ብዝያዳ ክህልወን ምስአ ፍሉይ ርክብ ክህልወን ይግባእ። ምስ ማርያም ርክብ ዘለዋ አደ ብኹሉ ሓጋዚት እያ። አብ ባህልና አብ ኩሉ ጸገምና ንማርያም ንልምን። ሓራስ እንተ ሓረሰት እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ ንብላ፥ ገለ እንተ ደለና ንሰብ ይኹን ንአምላኽ ስለ ማርያም ኢልና ንልምን፥ ለማኖ ስለ ማርያም እናበሉ ይልምኑ፥ እዚ ኹሉ ዕብየት ማርያም አማልድነታን ክሳብ ክንደናይ ዓቢ ከምዝኾነ ንርኢ።

ኢየሱስ ሕይወቱ ምስ ማርያም ጀሚሩ ምስ ማርያም ወዲእዎ፥ አብ ኩሉ ዓበይቲ ትምህርቱን ተአምራታቱን ማርያም ኩሉ ጊዜ ምስኡ ነራ። አብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ መጀመርያ ተአምራት ብልመና አዲኡ እዩ ጀሚርዎ። አብ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ምእንቲ ኩሉ ዓለም ምስኡ መስዋዕቱ ዝተሳተፈት ማርያም እያ። እዚ ናይ ማርያም ተሳትፎ አብ ኩሉ ተልእኮ ኢየሱስ ናይ ኩለን አደታት ተልእኮ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ኢየሱስ መወዳእታ ቃል ለበዋ ዝሃበ ነዲኡ እዩ እንሆ ወድኺ እናበለ ንወዳ ዮሓንስ ንነፍስወከፍን ብዮሓንስ አቢሉ አብ ሕድራ ሓዲጉና። ማርያም አደና ኩሉ ጊዜ ዑቕባና እያ ሓንትስ እሙናት ደቃ ኮና ንጉዓዝ እምበር።

ሓዲስ ኪዳን ብዙሓት አደታት አብ ተልእኮ ኢየሱስ ተዋፊረን ከምዝነበራ እሞ አብ ኩሉ ይሕግዝኦ ከምዝነበራ ክሳብ መጨረሽታ ሕይወቱ ምስኡ ከምዝተጓዕዛ ወንጌል ይነግረና። ስብከተ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ አደታት ዓቢ ተራ እየን ተጻዊተን። ማርያም መግደላዊት፥ ማርያን ማርታን አሕዋት አልአዛር። ማርያም ሰይቲ ቀልዮጳ፥ ማርያም ሰይቲ ዮሳን፥ ከምኡ ካልኦት አብ ወንጌል ዓቢ ተራ ከምዝነበረን አብ ግ.ሓ. ጣቢታ ዝተባህለት ሰበኽቲ ወንጌል ከምዝነበራ ንርኢ። ኢየሱስ አብ ብዙሕ ተአምራታቱ ከምቲ አብ ደቂ ተባዕትዮ አብ ደቂ አንስትዮ ዘርእዮ ዝነበረ ሓልዮት አብ ወንጌል ተጠቒሱ ንረክብ። ንአብነት ንምጥቃስ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ ማርያም መግደላዊት፥ ወዳ ዝሞታ ከንአናዊት ሰበይቲ ነዚኤንን ንካልኦት ኩለን አደታትን ይግደሰለን የፍቅረን ከምዝነበረ ንርኢ። ነቲ ኹሉ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ርእያ ሓንቲ ሰበይቲ እተን ንአኻ ዘጠበዋ አጥባትን ዝሓቖፋ አእዳውን ብጹአት እየን ኢላቶ እዚ ኸአ ጽልዋ ናይ ሓንቲ አደ አብ ሕይወት ውላዳ እዩ ዘርእየና። ኩሉ ሥጋዊ ሕይወት ኢየሱስ ካብ ማርያም እዩ ወሲድዎ ስለዚ ኢየሱስ ዝያዳ ኩሉ ነዲኡ እዩ ዝመስል ስለዚ ኢየሱስ ዝያዳ ኩሉ ንኹለን አደታት እዩ ዝመስል እንተ በልና ጌጋ አይኮነን። ኢየሱስ ምድራዊት አደ እምበር ምድራዊ አቦ አይነበሮን ስለዚ አደታት ብዝያዳ ንአኽን እዩ ዝመስል። እሞ ሎሚ ንመን ትምስላ አሎኽን ደቂ ኢየሱስ ምዃንክን መለለዪ አሎክንዶ? ሰባት አባኽን ጓል ኢየሱስ ዘብል ይርእዩ ዘለዉ?

አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ እንተ ረአና ብፍላይ ድሕሪ ትንሣኤ አደታት እየን እግሪ አትኪለንኦ እንተ በለና ሓሶት አይኮነን። አስብኡት (ሓዋርያት) ክሃድሙን ክክሕዱን ክሕብኡን እንከለዉ አደታት እየን ላዕልን ታሕትን እናበላ አብ ኩሉ ንኢየሱስ ዝደለያ ካሳብ ዝረኽብኦ ኸአ ደው አይበላን። ነቶም ብፍርሓት አብ ሓደ ቦታ ተሸቕሪሮም ንዝነበሩ ዘበሰራ አደታ እየን። ወንጌል ገሊጹ ብስራት ትንሣኤ በደታት መጀመርያ ከምዝተበሰረ ይነግረና። ልዕሊ ኩሎም ሓዋርያት ፍሉይ እመነት ዘርአያ ንሰን እየን መብዝሕትኦም አቦታት ክሃድሙ እንከለዉ ንሳተን ግን ምስኡ ክሳብ መጨረሻ ደው ኢለን እምነተን ገሊጽናሉ።

ሓደ ፍሉይ ባህሪ አደ ክትፍለ ዘይምድላይ እዩ። አደ ካብ ሓዳራ ካብ አምላኽ ካብ ሕብረተሰባ ካብ ቤተ ክርስትያና ክትፍለ አይጥዕማን እዩ አይትደልን እውን እያ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ዝያዳ ጸሎት ዝገብራ ዝያዳ ርሕራሐ ዘልአን ደንገጽቲ አደታት እየን በዚ ምኽንያት እዩ ይመስለኒ ንሓደ ጨካን ክምሕር እንተ ደለናዮ ስለ ወላዲትካ ኢልና ንእልምኖ ስለምንታይ ወላዲቱ መሓሪት በቕባቕ ምዃና ዘይፈልጥ ውሉድ ስለ ዘየለ።

ሎሚ ፍርቂ ሕይወት ቤተ ክርስትያን በደታት እዩ ዝካየድ ዘሎ አብ ኩሉ ዓለም ወንጌል ይሰብካ ሕሙማት ይአልያ ጥሙያት ይዕንግላ ንተስፋ ዝቖረጹ ተስፋ ይህባ፥ አብ ገዛ አብ አብያተ ትምህርቲ አብ ይዩኒቨርሲታት አብ ኩሉ ይምህራ የገልግላ፥ እንታይ እሞ ዘይገብራ። ይዝከረኒ አብ ሳልሳይ ወራር ወያኔ ብዙሓት ደናግል አብ ሕክምና ውጉኣት አብ ከረን ተዋፊረን ይሕግዛ ነረን ብዙሓት ካብቶም ብብርቱዕ ተወጊኦም ዝነበሩ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ “ዝኾነ ካልእ ክሕክመና አይንደልን እዘን ብሩኻት ጥራሕ ይሓክማና” እናበሉ እተን ምእንቲ አምላኽ ሕይወተን ዘወፈያ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት አሓትና ደናግል ዘርአይኦ ፍቕርን ሓልዮትን ርሕራሐን እቶም ብቓንዛ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ውጉአት እውን ክርእይዎ ክኢሎም። ሎሚ እውን አበሰርቲ ትንሣኤ ንብዙሓት አደታት እየን። ናይ እቶም ኩሎም ተስፋ ዝቖረጹ ተስፋ እየን ናይ እቶም ኩሎም ብንዋታውን መንፈሳውን ስእንተ ዝሳቐዩ ሓለይቲ ንሰን እየን።

እዋና ዘመን ጉራማይለ ኮይኑ አብዘለዎ እዋን አብቲ ሓቀኛ መገዱ ክምለስ እንተ ኾይኑ አደታት ሓቀኛ ሕይወተን ክለብሳ አልአን። ኩሉ ነገር ካብ ገዛ እዩ ዝብገስ ዝብል አብሃህላ ኩሉ ነገር ካብ አደ እዩ ዝጅምር እዩ ዘስምዕ። እታ ናይ መጀመርያ ዘርኢ ሕይወት ዝሃበት አብ ጊዜ ሕፃንነትናን ከምኡ እግሪ ተኺልና ክሳብ ዓቕምሰብ እንበጽሕ ትከናኸነና አደና እያ ስለዚ መብዝሕትኡ መጻኢ ሕይወትና ካብ አደና ኢና እንወስዶ እሞ ሎሚ አደታት ንደቅኽን እንታይ ተውርሳ አሎኽን?

ሎሚ እውን አደ አብ ገዝአ አብ ሓዳራ አብ ሕብረተሰባ ክትገብሮ ዝግብአ ብዙሕ ነገራት አልአ፡

·         አደ ኩሉ ሰናይ ነገር እተውርስ ክትከውን አለዋ፡ አደ መሰረት ሕይወት እተውርስ ንሳ ስለ ዝኾነት ንደቃ ንቤታ ጽቡቕ ነገር ጥራሕ ክተውርስ ዓቢ ሓላፍነት አልአ። ኩሉ ጊዜ ንደቀይ እንታይ አውሪሰዮም ክትብል አለዋ። ንደቃ ግላዊ ሕይወቶም ብዝርእን ምስ ሕብረተሰብ ክህልዎም ዝግብኦም ርክብን ከምኡ አብ እምነቶም ዘልኦም ርድኢት ኩሉ ካብ መምህሮም ዝኾነት አዲኦም እዮም ዝመሃርዎ። እሞ አደታት እንታይ ትምህራ አሎኽን።

·         አደ ጸዋሪት ኩሉ ክትከውን አልአ። ንደቃ ንሓዳራ ሓንቲ ሕማቕ ነገር ዘይተርኢ ንኹሉ አብ ከብዳ እትጸውር ክትከውን እንከላ ገዝአ ኩሉ ጊዜ ርኹብን ቅሱንን እዩ። አብ ገለ እዋን ንጸገማት ገዝኣ ከይተርኢ ንመስዋዕቲ ስንድውቲ ክትከውን ይግብአ። ከምቲ ሽምዓ ንርእሳ እናሓረረት ንኻልእ ግን መብራህቲ እትኸውን አደ እውን ከምአ እያ። ንስለ ደቃን ሓዳራን ልዕሊ ኹሉ እትስዋ አደ እያ። ግርማን ክብርን አደ አብ እትግብንሮ መስዋዕቲ እዩ ዝምርኮስ። መስዋዕቲ ዝመራ አደ ቤታ ንጸልማት ንምብታን ክፉት ትገብሮ አላ ስለዚ አደ ንመስዋዕቲ ድልውቲ እንተ ኾነት ንስድርአ ተድሕን።  

·         አደ መለልይኣ መሓሪት ምዃን እዩ። ምሕረት ሕድገት ንኹሉ ዝበደለ ከምዘይበደለካ ኮንካ ምኻድ ካብ አደታትና ኢና እንምሃሮ። አደ እናረአየት ከምዘይረአየት ኮይና ክትኸይድ እንከላ ንደቃ ንሓዳራ ካብ ብዙሕ ጸገም እያ እተድሕኖም። ሳላ ትዕግስቲ አደ ከምኡ ሳላ ምሕረተን ብዙሓት ስድራታት ካብ ምብትታን ድሒነን አለዋ። ብዙሕት ሰባት ካብ አደይ እዚ ተማሂረ እናበሉ ክዛረቡ ንሰምዕ። ዘይትምሕር አደ መጻኢ ሕይወት ቤታ ዘሰክፍ እዩ።

·         ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ካብ አደ ኢና እንምሃሮ። መምህር ፍቕሪ ሓልዮት ለውሃት አደ እያ። ፍቕሪ አደ ከቢድ እዩ ስለምንታይ አቐዲማ ስለ እተፍቅር። አደ ንውሉዳ እተፍቅር መልክዖም ጠባዮም ግብሮም ብዘየገድስ እዩ ውሉዳ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ተፍቅሮም ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ። አደን ሃገርን ክልተ ክንቅይረን ዘይንኽእል ነገራት እየን ወላ እኳ ካልእ ኩሉ ክንቅይሮ ንኽእል እንተ ኾና።

·         አደ እንተላ ኩሉ አሎ። ዝኽትምና ስክፍታ ፍርሒ አደና እንተዘየላ እዩ። ቆልዓ ክበኪ እንከሎ አደይ ኢሉ እዩ ዝበኪ። አብ ሕይወትና ዝክትምና አደ ዝኸበደ እዩ። አብ ሕይወትና አደና እንተላ ዳርጋ ኩሉ አሎና ንብል። ቦታደ ዝትክእ የለን።

·         ንፍዕቲ አደ ንኹሉ ክበድ ገዝኣ ትጸውር። አደ ጸዋሪት እንተ ኾነት ገዝአ ተስፋ አልኦ። ንኹሉ ብሸልትነት እንተ ረአየቶ ግን ብቐሊል ገዝአ ንፋስ ክአትዎ ይኽእል እዩ። ብፍላይ አብ ሓድርን ቆልዑት አብዘለውዎ ንኹሉ ተሰካሚት አደ ክትከውን እንከላ ኩነታት ናይ ምቕያር ተኽእሎ አሎ። አደ ከም ሓደ እንዳ ጉሃፍ ንኹሉ ሕመቕን ክፍአትን ደቃ ሓዳር እትጸውር ስለ ዝኾነት ጸዋሪት መስቀል ንብላ። በዚ ምኽንያት እዩ ይመስለኒ ሓዋርያት ክሃድሙ እንከለዉ ንሞት ወዳ ክትርኢ ክትጸውር ዝኸአለት።

ሎሚ እምብአር ነዘን እነፍቅረን አደታትና አሓትና ብፍሉይ አኽብሮትን ፍቕርን ንኤን እተዋህበት ዕለት ክንዝክር እንከሎና መጀመርያ ህያብና አብ እነዕርጎ ጸሎት ንዘክረ። አብ ኩሉ ሕይወተን ደቂ ትንሣኤን አበሰርቲ ትንሣኤን ኮይነን ክነብራ። አደ አብ ሓደ ጸልማት እተብርህ መብራህቲ ገዛ እያ፥ ተስፋ ሰላም አደ እያ። መምህር ጸሎት አደ እያ፥ ዕብየት ሃገርን ቤተ ክርስትያንን ካብ አደ እዩ ዝጅምር ስለዚ ንሕና እውን ነዚ ክብሪ ዘኪርና ክንሕግዘን ክንጽልየለን አብ ኩሉ ሓልዮትና ክነርእየን ትሑዛት ኢና።

ፍቑራት አደታት ከምቲ ማርያም ንሓዋርያት አብ ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋናት እተጸናንዖምን ጸሎት እትምህሮምን ዝነበረት እሞ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም እተሰናድዎም ዝነበረት ንስኽን እውን ደቃ ስለ ዝኾንክን ጸልያልና ሓግዛና ደቂ ሓንቲ ገዛ ግበራና። ብፍላይ አብ ክልተ ነገራት ብዝያዳ ክትሕግዛና ትኽእላ ነዛ ሰላምን ምርድዳእን ጎዲልዋ ዘሎ ሃገርና ከምቲ ቅድሚ ናጽነት አብ ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ጸሊኽን ሰላም ዘምጻእክናላ ሕጂ እውን ሰላም ፍቕሪ ምምሕሓር ክወርደና ከየቋረጽክን ጸልያልና። ካልአይ ሎሚ እምነት ጎዲሉ ሰብ ንአምላኽ ሓደጉ አብ ገንዘብን ህርፋንን ጽልእን ጥራሕ ተዋፊርሉ ዘሎ እዋን አብ ገገዛኽን አብ አምላኽ ክትመልሳና ሓገዝክን ተወፋይነትክን የድሊ አሎ። ብርሃን ሰላም አብ ልባትና ክበርቕ ንመገዲ ቅድስና ክንዕጠቕ መስከርቲ ትንሣኤ ክንከውን ብጸሎትክን ሓግዛና አምላኽ አብ ኩሉ ይሓግዝክን።

ቅድስና ዝመልኦ መዓልቲ አደታት ይግበረልክን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

09 May 2020, 14:25