ማርያም ደዓሪት ግንቦት 21 2010 ዓ.ም. (May 29 2018)

ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት። ናይ ህዝቢ ሃብታማት፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። (መዝ 44.12)
ብድምጺ ንምክትታል!

አብ ጉዕዞ ሕይወትና ምስ ማርያም ንጉዓዝ!

ንባባት፡  ገላትያ 4፡1-9፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ.1፡12-14፥ ሉቃ. 1፦39-56

ሎሚ ብስም ማርያም ደዓሪት ንአምላኽ ክብርን ምስጋናን ንማርያም አደና ጠበቓና ገርና ንምብዓል ተአኪብና አሎና። ማርያም ድዓሪት ንኹልና ፍሉይ ተዘክሮ አልአ ካብቲ ምስአ ዘሎና ምቅርራብ ክሳብ አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንገብሮ ኩሉ አብቲ ንሳ እትብዓሎ ዓድና ክንዝክር ይሕግዘና። አብዚ ክንርከብ ከሎና ፍሉይ ሓጎስ አብ ሕይወትና ይፈጥረልና ምኽንያቱ ብመንፈስ ንማርያም ዘኪርና ዕርቂ ምስ አምላኽ ንሓትት አሎና። ከምኡ ከም ሰብን አሕዋትን ብሓንሳብ ክንውዕል ከሎና ብሞራል ብሕውነት ዕረፍቲ ሥጋን ነፍስን ንረክብ ከምኡ ድማ ዓድናን ወገናን ብመንፈስ ምስኦም ዘሎና ርክብ ክነደልድል የዘኻኽረና። ዕለቱ ዕለት ምስጋና ሓጎስ ዕርቅን ፍቕርን እንዝክረሉ ደቂ ሓንቲ አደ ኮና አብ ሓድነት ክንአምን እሞ ኩሉ ጊዜ ምስ ማርያም ኮና ክንጽሊ፥ ብአአ አቢልና ንአምላኽና ክንረኽቦ ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን እዩ።

ማርያም ድዓሪት ብ18 ሓምለ 1881 አብ ከረን ብአቡነ ቱቬን ብደናግል ደቂ ፍቕሪን አብ ግዚኡ ዝነበሩ ሰበኽቲ ወንጌል ማሕበር ላዛሪስት እያ ጀሚራ። አጀማምርአ ብግሩህን ባህርያዊ ኩነታት ብዝሓገዞ እያ ጀሚራ። ደናግል ደቅ ፍቕሪ ምስተን ዝአልየኤን ዝነበራ ዘኻትም ቆልዑት ብልምዲ አብዚ ሕጂ ዝብዓል ቦታ ይኸዳ ነረን እቲ ቦታ በቲ እዋን ወሓዚ ማይ ዘየቋርጽ ከምኡ ንዓይንኻ ዘብህግ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ፍረታትን መልክዕን ዝነበሮ ቦታ እዩ። ገለና ከም ዘርከብናሉ ሩባ ማርያም ድዓሪት ከም ዝሎሚ ከይነቐጸ ዓመት ምሉእ ዝዛሪ አብ ከባቢኡ ዝተፈላለየ ፍሩታታት ዝነበሮ ንኹሉ ነጋዳይ ዝማርኽ ቦታ ከምዝነበረ ኩልና ንዝክሮ ኢና። ሰብ አብዚ ቦታ ክመጽእ እንከሎ መንፈሳውን አካላዊ ዕረፍትን እዩ ዝስምዖ። አብ ማርያም ድዓሪት ኩሉ እዩ ዝሕጎስ መንእሰያት ዓበይቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ሓጎሶም ይገልጹ። ንመዓልቲ ማርያም ድዓሪት ኩሉ እዩ ዘብዕላ ክርስትያን አስላም ብሓበራ የብዕልዋ። ኩላ ሃገር ምስ ማርያም ትውዕል እንተበልና ዝተጋነነ አይኮነን።

ማርያም ድዓሪት ክነብዕል ከሎና ንፍሉይ ምኽንያት እዩ። ብማርያም አቢልና ንአምላኽ ክንረክብ እዩ። አብ ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ክንርኢ እንከሎና አብ ሓገዝ ካልኦት ከምእትወፍር እዩ። መልአኽ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እትጸንስ ምስ ሓበራ ከም መረዳእታን ንአምላኽ ዝሰአኖ ከምዘየሎ ክገልጸላ ኢሉ ኤልሳቤጥ ጓል ሓትንአ አብ እርጋና ጸኒሳ ከምዘላ ምስ ነገራ፥ ተቐላጢፋ ነታ ናይ ብሓቂ ሓገዝ ዘድልያ ኤልሳቤጥ ክትሕግዝ ከይዳ። አብዚ ክንርእዮ እንኽእል ብዙሕ አሎ። ማርያም ንጭንቕቲ ክትሕግዝ ፥ከምኡ ናይ አምላኽ ጸጋ ክተመስግን ንርእያ። ነዚ መሰረት ገርና አብ መንጎናና አብ መንጎ ወዳን ዘሎ ርክብ አብ ጸጋ ክነብር ዝሕግዝ ምዃኑ ማርያም አብነትና እያ። ብማርያም ክንሓስብ ከሎና አብ አእምሮና ብዝያዳ ክነተኩረሉ ዝግብአና ነገራት ነዚ ዝስዕብ ክንርኢ ንኽእል።

  • ማርያም ዓቢ እምነት ነርዋ።  አምላኽ ዝነገራ ኩሉ ብዓይኒ ርድኢት ሰባት ክንርእዮ ከሎና ክትአምኖ ዘጸግም እዩ እንተኾነ ማርያም ካብ አምላኽ ዝንገራ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠት አሚና ተቐቢላቶ። ሕይወታ ብምልኡ አብ አገልግሎት አምላኽ ክውዕል አፍቂዳ። ምሉእ ሕይወታ ኸአ በዚ ጸጋ ዝተሸለመ እዩ ነሩ። ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ክትብል እንከላ ነቲ ብርድኢት ሰብ ዘይክአል አብ አምላኽ ሓዲጋ አሜን ትብል። ኩሉ ጊዜ ብእምነት ክንዓቢ እሞ ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና ከም ዝግባእ ካብ ማርያም ንምሃሮ። 
  • ማርያም  ንወዳ ተምጽአልና። አብ እንዳ ዘካርያስ ክትከይድ እንከላ ኢየሱስ ሕፃን አብ ከርሳ ምስአ ይጉዓዝ ነሩ። ኤልሳቤጥ ንማርያም ብማዕዶ ምስ ረአየታ መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ክትንበ ጀሚራ ከምኡ እቲ ኣብ ከርሳ ዝነበረ ሕፃን ብትሓጓስ አብ ከርሳ ተሰራሰረ ይብለና ሉቃስ ወንጌላዊ። አደን ውሉድን ሓጎሶም ገሊጾም ምኽንያቱ ብማርያም አቢሉ መድኃኔ ዓለም ስለ ዝበጽሖም። ማርያም ንኢየሱስ ተምጽአልና። ናታትና ምቅባሉ ተራ አልኦ። አብ ቅዳሴ አብ መስጢራት ጸግኡን ብርእሱን ንቕበሎ እዚ ግን ፍረ ዝህልዎ ክንቅበሎ ከሎና እዩ። ከም ማርያም ንኢየሱስ አብ ቤተ ዘካርያስ ዘምጽአቶ ሎሚ ንሕና ናብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ዝተጸገሙ ክነምጽኦ እሞ ክሕገዙ ካብቲ ዘለዎም ጸገም ከም ዝላቐቑ እንገብር ንሕና ኢና። ብአና ገሩ ንብዙሓት ክበጽሕ ይደሊ አሎ። ናይ ኢየሱስ አእዳውን አእጋርን ንሕና ኢና። 
  • ማርያም አብ ዘላቶ ወዳ ምስአ አሎ። ንማርያም ካብ ወዳ ፈሊና ክንርእያ ከሎና ሽዑ ዘይመልክዑ ነልብሶ። ካብ ንእስነቱ ክሳብ አብ መጨረሽታ ሕይወቱ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ምስኡ ነራ። ካብኡ አይተፈለየትን ምስኡ ነቲ ኹሉ ስቓዩ ተቐቢላ። ሎሚ አብ ሰማይ ኮይና አብ ሓጎስ ቦትኡ ምስኡ ነቲ ካብ ዘለዓለም ዘሰናደወላ ክብሪ ተቐቢላ ምስ ወዳ አብ ሰማይ ብሥግአን ብነፍሳን ከቢራ ትነብር አላ። ንሕና ተኸተልቲ ወዳ ካብአ እንምሃሮ ብዙሕ አሎ። ንወዳ አብ ጊዜ ሕማቕን ጽቡቕን ጊዜ ናቱ ኮና ክነብር ካብኡን ካብአን ከይንፍለ።
  • ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን እያ። ብመዓልቲ ጰራቅሊጦስ ነታ ማሕበር ወዳ ነቲ ንሳ ቀድም እትፈልጦ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበል አኪባታ ጸሎት ትመርሓ ነራ። አብ ማእከሎም ኮይና ጣዕሚ ወዳን መገዲ ወዳን ትሕብሮም ነራ። ሓዋርያት ከቢቦማ ይሰምዕዋ ነሮም። ሎሚ እውን አብ መንጎና ክትርከብ እሞ ክንሰምዓ ምስአ ኮና ጸሎት ክንገብር ወዳ ዝደለዮ ክንገብር አብ መንጎና ተረኸቢ ንበላ።
  • ንሳ ወደይ ዝብለኩም ግበሩ እያ እትብለና። ንወዳ እንተ ሰማዕና ብመገዱ እንተ ኸድና ትአምር ክንሰርሕ ኢና። ወዳ ካብ ነፍስወከፍና ዝደልዮ ነገር አሎ፥ እስከ ካባይ እንታይ ይደሊ አምላኽ ንበል። አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ፍቕሪ ክነንግስ፥ ቅርሕንትን ቂምታን አሊና ክንክእል እሞ ክንሕደስ። ንአምላኽ አብ ልብና ቦታ ክንህቦ እሞ ናቱ ክንከውን። ወዳ ዘይደልዮ ነገር ክንአልዮ ካብኡ ክንርሕቕ ይግብአና።
  • ንኻልኦት ጽቡቅ ምግባር፡ ማርያም ኩሉ ነገር ብአምላኽ ምስ ተነግራ ክትሕግዝ እያ ከይዳ። አብ ወንጌል ዮሓንስ አብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ዝተጸገሙ ሰብ መርዓ ክትሕግዝ ንረኽባ፥ አብ ታሪኽ ክርስትና ሓጋዚት ጽጉማን ንብላ። ባህሪ ማርያም ባህሪ ምሕጋዝ እዩ ንኩልና ከምቲ ናታ ክንሕግዝ ከም ዘሎና ጽቡቕ አብነት እዩ። ሓገዝና መንፈሳውን ንዋታውን ክኸውን ይኽእል። አብ ኩሉ ንጽጉማት ክንአሊ ብፍላይ ካብ አምላኽ ርሒቖም መገዲ አምላኽ ጠፊእዎም ንዘለዉ አብ አምላኽ ክንመልሶ ከሎና ተልእኮና ነተግብር አሎና ማለት እዩ። ማርያም ምልእተ ጸጋ ከም ዝኾነት ምስ ተነግራ ካብቲ ዝተዋህባ ጸጋ ክተካፍል ወፊራ ሎሚ ኩልና በበቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ክነካፍል ንሕተት አሎና።

ማርያም ምስ ወዳ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና አብ ዓድና ስድራና ሃገርና ክትበጽሓና ትደሊ አላ። ማርያም ድዓሪት ክንነግድ ከሎና ምስ ማርያም ክንራኸብ ምእንቲ እዩ። ንማርያም ምስ ረኸብና ንኢየሱስ ወዳ ክንረኽቦ ኢና። ንሓደ እተፍቅሮ ክትረክብ ከሎኻ ሓጎስ ቅሳነት ይፈጥረልካ። ካብ አምላኽ ዝዓቢ ምንጪ ሓጎስ የለን ማርያም ንአምላኽ ረኺባቶ ኩሉ ዝሃባ ፈሊጣ አመስጊናቶ እያ አነን ንስኹምን ሎሚ ንማርያም ክንረክብ ንኢየሱስ ክንረክብ እዩ አኸባና። አብ ቅድሚ ማርያም አብ ቅድሚ ወዳ ኢና ዘሎና ስለዚ እንታይ ንገብር።

  1. ልብና ንአምላኽ ንኽፈተሉ። ንሓደ እትፈትዎ ምስ ረኸብካ ቀዳማይ ነገር እትገብሮ ልብኻ ንብረትካ ኩሉ ዘሎካ ትኸፍተሉ። ንአምላኽ ምስ ረኸብናዮ ካባና ዝደልዮ ክፉት ልቢ ንአኡ ጥራሕ ዝቕበል ክንሕዝ እዩ ዝደልየና። አምላኽ ብዝተፈላለየ አጋጣሚ ብአፍደገ ገዛና ይሓልፍ አሎ ከየላለናዮ ይሓልፈና አሎ። አብ ኩሉ ንአምላኽ አላሊና ክንክእል ማርያም ተምህረና። ማርያም ካብአ ዝድለ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ንአምላኽ ሕራይ ኢላቶ። እሽታ ማርያም ንኹልና ደቃ ገሩና እዚ ከአ አምላኽ አደ ኩልና ክምእትኸውን ስለ ዝገበራ እዩ። ከም ቤተ ዘካርያስ ሎሚ እዚ ጸጋ ካበይ ዝመጸኒ ዘሎ እዩ እናበልና ክነምስግን እሞ አብ ቤተይ አብ ሓዳረይ አብ ልበይን አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወተይ እቶ እናበልና ልንቅበሎ ፍቓደኛታት ንኹን።
  2. ደቂ ማርያም ኮና መንፈስ ማርያም አብ ኩሉ ንዘርግሕ። ካብ ሓንቲ አደ ዝውለዱ ሓባራዊ ጠባይን መንፈስን አልኦም። ብመንፈስ ኩልና ደቂ ማርያም ስለ ዝኾና ሓባራዊ መንፈስ ጠባይን ንሓዝ። ማርያም ደቀይ ስለ ዝኾንኩም አነ ዝደልዮ ግበሩ ትብለና። ካብ ሰይጣን ርሒቕና ንአምላኽ አብ ልብና ቦታ ክንህቦ እሞ ንዝኾነ ካብ ደቂ ማርያም ምዃን ዝኽልክለና ክንርሕቕ ይግብአና። አብ ርክባትና ስም ማርያም ዝዓብየሉ መገዲ ንድለ፥ ሰባት ብአና አቢሎም ንአምላኽ ዝቐርቡሉ ንድለ።
  3. ማርያም ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነራ ይብለና ወንጌል። አብ ልባ እትሕዞ ዝነበረት እንታይ እዩ እንተበላን፥ ምስጢር አምላኽ ከምኡ ናይ ኩሉ ትርጉምን እንታይነትን ይንገራ ስለ ዝነበራ ትሕዞ ነራ። ናይ አምላኽ ነገር አብ ልቡ ሒዙ ዝኽእል አይጋገን እዩ። አምላኽ አብዘለዎ ሰላም እዩ ማርያም ነዚ እያ ትገብር ነራ። አብ ልብኻ አምላኽ ሒዝካ ምኽአል። አብ ቃል አምላኽ ልብኻ አውዲቕካ አምላኽ ካባኻ ዝደልዮ ምፍላጥ፥ አብ ገለ እዋን ክንርድኦ ዝኸብደና ይልእከልና እዩ ስለዚ ፍቓድካ ይኹን ምባል፥ ተመስገን ኢልካ ምኻአል።
  4. ማህደር መንፈስ ቅዱስ ንኹን። መልአኽ “ሰላም ንአኺ ኦምልእተ ጸጋ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ. . . . . አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሒ. . . . መንፈስ ቅዱስ አባኺ ክወርድ እዩ፥ ኃይሊ ልዑል እውን ከጽልለኪ እዩ” እናበለ ብመንፈስ ቅዱስ አብአ ከም ዝዓዪ ነጊርዋ። ንሳ ካብ መጀመርያ ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ክትከውን ተመሪጻ እያ። ሕይወታ ብምልኡ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ክትብል አሕሊፋቶ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ንአና እውን ታቦት መንፈስ ቅዱስ ይብለና። ሎሚ እምብአር ምስ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ይግባእ። ልብና ክነጽሕ ኃጢአትና ክነለሊ እሞ አብ መንበር ኑዛዜ ኮና ክንሳሕ ንዕደም አሎና። ልብኹም ሃቡኒ አነ ክውንኖ አፍቅዱላይ አደኹም ልባ ሂባትኒ እያ ደቃ ኩኑ ይብለና አሎ። ደቂ ማርያም እንተኾና ተቐበልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢና።

እምብአር በዚ ብሩኽ መዓልቲ ኩልና ደቂ ማርያም ምዃና ሓዲስናዮ ክንርከብ እሞ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኰና ክንርከብ፥ ፍቕሪ ሰላም አብ መንጎና ክነንግስ እሞ ነታ ብርኽቲ አደና አብ ኩሉ ናታ ኮና ክንርከብ ክንጽዕር ክንጽሊ ይግብአና። አብ ኩሉ ምስ ማርያም ክንጉዓዝ እሞ ንኢየሱስ ክንረክብ ሕይወትና ከፊትና ንኽአል።

ኦማርያም ሕይወተይ ክቕይር ሓግዝኒ ንወድኺ ልምንለይ አብ ኩሉ እሙን ክርስትያን ኮይነ ክጉዓዝን ንዝተዋህበኒ ጸጋ ከምቲ ዝድለ ከፍርዮ፥ አብ ጉዕዞ ሕይወተይ ፍሉይ ፍቕርኺ ክሓድረኒ ሓግዝኒ እናበልና ንጸሊ። አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላም አውሪዳ ንኹሎም ጭኑቓት ራህዋ ከም ዝረኽቡ ክትገብሪ፥ ብሞት ንዝሓለፉ አብ ሕቕፍኽን ሕቕፊ ወድኽን ከም ዝኾኑ ግበሪ።

መብጽዓናን ሕይወትናን ሓዲስና ደቂ ማርያም ንኹን አምላኽ ብአማላድነት አዲኡ ማርያም ድዓሪት ይርድአና፥ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብዚ እዋን ብፍሉይ ረድኤቱን ጸግኡን ይዓድለና።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

28 May 2020, 23:00