ኣብ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ፖምፐይ፥ ድንግል ማርያም ዘሮዛርየም ኣብ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ፖምፐይ፥ ድንግል ማርያም ዘሮዛርየም  

ፈተናታት ንምስጋር ውሉድ ዝጥቀመሉ ኣጽዋር

ጸሎት መቝጸሪያ ህርመት ልቢ ምእመናን ኣብ ህርመት ልቢ ኢየሱስን ማርያምን የሕብር፡ ሕይወት ምእመናን ኣብ ናይ ደስታን ሕማምን ክብርን ምስጢራት ብኣስተንትኖ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ጸሎት መቝጸርያ ጥሙር ይገብር

መቝጸርያ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምልኵት ኮይኑ ንዘሎ ናይ እዋንና ፈተናን ሳዕቤናቱን ተጻብኦታቱን ኵሉ ንምስጋር ጭቡጥ ሓገዝ ምዃኑ እቲ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብወርሃ ማርያም ዝፍለጥ ወርሒ ግንቦት ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ናይ ስነ ማርያም መጽናዕቲ ሊቅ ኣናቴ ዳኒኤላ ደል ጕይዶ ገሊጸን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሎት መቑጸርያን ወርሒ ግንቦትን ዘለዎ ጥምረት ካብ ርሑቕ ዘመናት ዝመጸ ክርስቲያናዊ ባህሊ ምዃኑ ኣዘኻኺረን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእመናንን ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ቤቱን ስድራ ቤቱን ጸሎት መቝጸሪያ ክደግም ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላላፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ብግልን ብማሕበር ክድገም ዝላበው እዩ ዝብላ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ደናግል ንጽሕት ኣብ ረጂና ኣፖስቶሎሩን ጳጳሳዊ ተቛምን ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ቅዱስ ኣንሰልም ናይ ስነ ማርያም መጽናዕቲ መምህር ኣናቴ ዳነኤላ ደል ጒይዶ ኣስዒበን፥ ጸሎት መቑጸሪያ ንዘመናት ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ዘሰነየ ዘሰንይ ዘሎ “ናይ ሕዝቢ መዝሙረ ዳዊት” ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦን፡ ኣማላድነት ማርያምን ማርያማዊ ኣስተንትኖን ብሰላም ንኣኺ ዝብል ናብ ማርያም ብዝቐርብ ጸሎት ዝንበር መዝሙረ ዳዊት እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Rosarium Virginis Mariae - መቑጸሪያ ድንግል ማርያም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጸሎት መቑጸሪያ ዘማእከለ ዝደረሰዎ ሰነድ፥ ጸሎት መቝጸሪያ ህርመት ልቢ ምእመናን ኣብ ህርመት ልቢ ኢየሱስን ማርያምን የሕብር፡ ሕይወት ምእመናን ኣብ ናይ ደስታን ሕማምን ክብርን ምስጢራት ብኣስተንትኖ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ጸሎት መቝጸርያ ጥሙር ይገብር፡ ስለዚህ እዚ ጸሎት’ዚ ንምስትንታን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ጸገም ኵሉ ንኽንሰግር የብቅዓና። ኣብ ታሪኽ ዝተመስከረ ሓቂ እውን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ዝድገም ዘሎ ጸሎት እዩ ኢለን።

ማርያም እመ ኣማልኽ ኣዴናን ቀረባናን ሕይወታ ኣብ ናታ ታሪኽ ጥራሕ ዝሕጸር ዘይኮነ ካብ ሰማየ ሰማያት ኣብቲ ናትና ይሓብርን ከም ደቃ ተሰንየናን ትከላኸለልናን። ከም ኣደ! ስለዚ ንኣኣ ክንጽልይ እንኮለና ሓለዋኣ ኢና ንጽገው፡ ህላዌኣን ቅርበታን ኣብ ሕይወትና።

ጸሎት መቝጸርያ ገና ካብ ብጋሴኡ መጋበሪያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ንኣብነት ቅዱስ ዶመኒኮ፥ ጸሎት መቝጸርያ ብምስጢራት ተሰንዩ ናብ እምነትን ናብ ክርስቶስን ዘቕርብ እዩ እንክብል ይገልጾ፡ ቅዱስ ልዊጂ ግሪንዮኒ ዲ ሞንትፎርት ተወፋይነት ናብ ማርያም ምስቲ ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥምቀት መሰረት ዳግም ንኽንራኸብ የብቅዓና ይብል። ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይን ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብልዎ፥ ጸሎት መቝጸርያ ናይ ህዝቢ ውፉይነት መግለጺ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኣስተንትኖ ቅዱስ መጋበርያ እውን እዩ። ብሓጺሩ ብጹዕ ባርቶሎ ሎንጐ - ጸሎት መቝጸርያ ምስ እግዚኣብሔር ዘጣምረና ኣብ ናይ ክርስቶስ ምስጢር ጐደና ንኽንጓዓዝን ናይ ድሕነት ምስጢር ንኸነስተንትንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪብና መንነትና ንኸነስተውዕል የብቅዓና እንክብል ከምዝገለጾ እዩ። ብዙሓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት መቝጸሪያ ናይ ውሉድ ጸሎት ከምዝኾነ ይገልጽዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን፥ ማርያም ኣዴና፥ በቲ ህያው ዝኾነ እምነት ንኽንዛረብ ትምህረና . . . ዝኾነ ይኹን ሓደጋን ፈተናን ጸላእን ንኽንብድህ ጸጋ እግዚኣብሔር ዘውሕዘልና ጸሎት  ምዃኑ የብርሁ።

ፒዮስ ሓምሻይን ሊዮነ ሻምናይን ፒዮስ ታሽዓይን ፒዮስ መበል 12ን ዮሓንስ መበል 23ን እቶም ኣብ ጸሎት መቝጸሪያ ልዑል ተወፋይነት ዝነበሮም ተባሂሉ ዝንገረሎም ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ድግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ብቐዳምነት ንምዝካር ይከኣል፡ ጳውሎስ ሻድሻይ Marialis Cultus - ማርያማዊ ኣምልዀ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ መቝጸርያዊ ናይ ኣስተንትኖ ሜላ የብርሁ፡ እዚ ኸኣ ጸሎት መቝጸሪያ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት ምዃኑ ብዑምቀት የብርሁ፡ ብምስጢረ ክርስቶስ ወንጌል ብጭቡጥ ቀንዲ መልእኽቱ ንኸነስተውዕል ዘብቕዓና ምዃኑ የነጽሩ፡ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብምቝጸርያ እንነብሮ ስድራ ቤታዊ ዘተ ምስ ማርያምን ብማርያም ኣብ መንጐናን ዘሎ ውህደት ንነብር።

ማርያማዊ ናይ እምነት ኣኽብሮት ክልተ ማዕቅን ኣለዎ፥ ንሱ ኸኣ ኣብነታውነትን ኣስተንትኖን ዝብል እዩ፡ ስለዚ ንኣኣ ንምህለል ስለምንታይ ተመክሮኣ ንኸተወፍየልና መታን፡ ብኣብነታዊ ተመክሮኣ ዕለታዊ ህይወትና ንኽንነብርን ጸገማት ኩሉ ብኸመይ ንኽንብድህ መገዲ ትሕብረና፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣስተንትኖ እዩ፥ ኣብ መደብ ድሕነት ዘለዋ ተራ፡ ከምቲ ብቲዮሎጊያ እመ ኣምላኽ ዝብል ትንታነ ዘመላክቶ፡ ለዚህ እዚ መንነታ’ዚ ነቲ በማላድነታ እነቕርቦ ጸሎት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃን ዘረጋግጽ ማዕቅን እዩ። ናባኺ ነማዕቁብን ነማሕጽንን ምባል ክደይ ጽቡቕን ኣገዳስን እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

03 May 2020, 18:54