ዳግም ምጅማር ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዳግም ምጅማር ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን 

ዳግም ምጅማር ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን

ድሕሪ ነውሒ እዋን ውሸባ ምእመናን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸኒፈ ብምጥቃትን ጓንቲ ኣጥሊቖምን ኣብ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን መስዋዕተ ቅዳሴ በቐጻሊ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ኩሉ ክሳተፍ መታን በቢ ዝተፈላለየ ሰዓት ይዓርግ ከምዘሎን

ካብ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ተደንጊጉ ዝነበረ ሕጹጽ ናይ ሕዋን ሓደጋ ድንጋገ ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ብምስግጋሩ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ሕዝቢ ዘሳተፍ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸም ስርዓተ ሊጡርጊያ ከምቲ ልሙድ እውን እንተዘይኮነ ምእመናን ኣሳቲፉ ናይ ምፍንታት ውሳኔ ብዘኽርብ ኣገባብ ክፍጸም ዝተጀመረን ምትእኽኻብ ብዘይብሉ ኣገባብ ዝፍጸም ከምዝኾነ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ብዙሕ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተሓላለፈ ስርዓተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን፡ ኵሎም ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈንን ናይ ሓደ ሜትሮ ምርሕሓቕ ብዘኽበረ ኣገባብ ከምእተፈጸመን እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን መንግስቲ ኢጣሊያን ዝተኻየደ ምትሕብባርን ስምምዕን ዝተበጽሔ ውሳኔ ምዃኑ ዝሓበሩ ጓራሺ ኣስዒቦም፥

ኣብ ቁስምናታት

ድሕሪ ነውሒ እዋን ውሸባ ምእመናን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸኒፈ ብምጥቃትን ጓንቲ ኣጥሊቖምን ኣብ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን መስዋዕተ ቅዳሴ በቐጻሊ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ኩሉ ክሳተፍ መታን በቢ ዝተፈላለየ ሰዓት ይዓርግ ከምዘሎን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዕዶን ኣብነትን መሰረት ገይሮም ቆሞሳት ምእመና ብኣካል ዘይኮነ ብመንፈስ ዘሳትፍ ብመረብታዊ ውሕዘት ድዩ ብማሕበራዊ መረብት ኣቢሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምመናን ነናብ ቁምስናታቶም ብምኻድ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ከምዝፈፍጸሙን፡ ቆሞሳትን ሕዝቢ ነቲ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከኽብሩ ከምዘለዎም ምዕዳኖም የቕርቡ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ስምምዕ ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪን መንግስትን

እቲ ምእመናን ኣሳቲፉ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ሕቡጥ ምትእኽኻብ ከይህሉ ዝብል ውሳኔ ዘኽርብ ክኸውን ከምዘለዎን ኣብ መንጐ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውሕዱ ናይ ሓደ ሜትር ምርሕሓቕ ክህሉን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈንን ናይ ኢድ ጓንትን ናይ ሰብነት ሙቐት ልዕሊ 37.5 ዲግሪ ንላዕሊ ክኸውን ከምዘይብሉ፡ ረስንን ሰዓልን ዘለዎ እምንቲ ንናይ ኩሉ ጥዕና ኣብ ኣባይትኦም ክጸንሑን መዝምራን ብዘየሳትፍን ኣብ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ምልውዋጥ ናይ ኢድ ሰላምታ ከይህሉን ኩሉ ኣብቲ ኮፍ ዝበልሉ ኮይኑ ቅዱስ ቁርባን ቕበል ዝብልን ካህናትን ኣገልገልትን ኣፍን ኣፍንጫን መኽደኒ ክገብሩን ጓንቲ እውን ከጥልቑን ግድ ዝብል ውሳኔ ብዘኽብር ኣገባብ ዝፍጸም ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽርን መንግስቲ ኢጣሊያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ጓራሺ ኣፍሊጦም።

ዳግም ምጅማር ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን
21 May 2020, 16:05