ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ኪሪልን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ኪሪልን 

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ምብዳህ ጥምረት፡ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክ ኪሪል መልእኽቲ

“ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንነፍሲ ወከፍናን ንህዝብናን ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሉጽ እዋን ክኸውን መለወጢና ጌርና ንኸነስትውዕሎ እግዚኣብሔር ይሓግዘና። ሎሚ ኵሉ ጥበብ ክጽግወና ልብናን ቀልብናን የርህወልና”

“ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኪሪል፥ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዮም ንሓደጋ ዝቃልዑን በቲ ለምብዒ ምኽንያት እውን ንኣሳዶ ዝዳረጉን ብግብረ ኢፍትሓውነት ንዝሳቐዩን ብሓባር ድጋፍ ምቕራብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕትን ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ምልኡ ትሕዝቶኡ ንንባብ ከምዘብቀዖ ክሕበር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ መልእኽቶም “ነቶም ቀረባን ርሑቕን ምስ ዘለዉ ኵሎም ናይ ዓቢይ በዓል ሓሴት እናተኻፈልኵ ኣብ ሕብረተሰ ናይ ግብረ ገብ ክብሪ ንምጽናዕን ነቶም ብኢፍትሓውነትን ኣሳዶን ወይ ውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንዝኸፍኤ ከቢድ ስግኣት ንዝቃሉ ዘለዉ ንምድጋፍ ሓይልና ነዋህድ - ቢሎም - መንፈሳውን ኣካላውን ሓይሊ እናተመነኹልኩም ኣብ ዝተወሃበኩም ሓላፍነት ጉስነትኵም ምሉእ ብሙሉእ ንኸተሳልጡን ነቶም ንግስነትኩም ዝተወሃቡኹም መጓሰ ኣብ ምክልኻል እግዚኣብሔር ይደግፈኩም” ኢሎም።

ነተን ዘይኦርቶዶካሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 12 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ንዘብዓላ ኣቢያተ ክርስቲያን ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ መዓለ ፋሲካ መልእኽቶም፥ “ፋሲካ ርእሰ በዓላት” እንክብሉ ገሊጾም፥ ብትንሳኤ መድሓኔ ዓለም “ናይ ገሃነም ዕርዲ ከምዝዓነወን ናይ ሓጢኣት ደልሃመት ከምእተበተነን ብትንስኤ ንሰብኣዊ ፍጥረት፥ “ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘለዓለማዊ ህይወት ተውሃበ” (ሮሜ. 6፡ 23) ኢሎም።

ቅልውላው ለውጢ ይፈጥር

ኮቪድ 19 ካብ ዝተቐላቐለሉ ዕለት ኣትሒዞም ፓትሪያር ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ብተደጋጋሚ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝዝከር ኰይኑ፡ “ነፍሲ ወከፍ ቅልውላው ለውጢ ይፈጥር፡ ስለዚህ እቲ ለውጢ እወታዊ ወይ ውን ኣሉታዊ ክኸውን ናይ ነፈሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓላፍነት እዩ” ነዚ ዕለት 7 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓለ ብስራተ ገብርኤል ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ስርዓተ ሊጡርጊያ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ “ክርስቲያን ሰብ ብእግዚኣብሔር ከምእተፈጥረን ናይ እግዚኣብሔር ቅኑዕን ፍጹሙን ሕግታቱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል ክኸውን ከምዘለዎ ክዝክር ይግብኦ፡ እዚ ሕጊ’ዚ ሰብ ናብቲ እውነተይና ሓሴት ዝመርሕን እዚ ኸኣ ኣብ ውልቃውን ካብ ካልኦት  ኣብ ዝተሓብኤ ሕይወቱ ዘይኮነስ ኣብ ሕንጸት ማሕበራዊ ርክባትን ኣብ ርክብ ሰብን ፍጥረትን ሰብን ቆዝሞስን ዝነብሮ ክኸው ኣለዎ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ሕትመቱ የመላኽት።

እቲ ሓቒ

እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሓደገይና ለብዒ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት እዩ፡ ብርቱዕ ጥንቃቐ ዝሕቱ ዝተፈላለየ ተላባዕያን ሕማማት ንብዙሕ ይዅን ንውሑድ ሕዝብታት ዘጥቕዔ ነይሩን ተራእዩን እውን እዩ፡ ክፍለ ዓለማት ዝሃሰዩን፡ ይኹን ደኣ እምበር በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ልብዒ ንኸይትልከፍን ንኸይትመውት ውሕስነት ዝህብ ስፍራ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፡ ሎሚ ተምሳላዊ ስፍራ የለን፡ ስለምንታይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዓውሎማዊ እዩ” ህዝቢ ክፈርሕ ቅኑዕ እዩ፡ ምእንቲ ሕይወቱ ይፈርሕ፡ “ካብዚ ኵለተናዊ  ሕማቕ ዕድል ኣብ ዝዀነ ኵርናዕ ዓለም እትሕብኣሉ ስፍራ ስለ ዘይብልካ እዚ ምኽንያት ፍርሒ ዶ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል - ከምቲ ኩሉ ኩነት እቲ እዚዩ ጽንኩር ብመንጽር መደብ ምድሓን ኣምላኽ እዩ ክንበብ ዘለዎ” ይብሉ። “ስለዚ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማምን ፍርሒ ሞትን ምአራም የድሊ፡ ኣብ መውዳእታ ነቲ ብሕጊ እምነት ዝነብርን ንዘኣይ ኣምን እውን ሓቂ ኢና ክንክውን ዘሎና”፡ እዚ ሓቂ’ዚ ግና ኣየናይ ሓቂ እዩ? እቲ ሓቂ ፈጣሬ ኩሉ ዓለም እግዚኣብሔር እዩ፡ ዋል’ኳ ስነ ምርምራት ሰብ ርእሰ ብቑዕን ካብ እግዚኣብሔር ከርሕቕን ይፈትን፡ ናይ ፍጥረት ሰብ ጽሕፍቶ ካብኡን ኣብኡን እዩ።”

ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ተለዊጥካ ምውጻእ

ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይን ሓያልን፡ ናይ ዓለም ማእከል፡ ኣብ ማእከል ኵሉ ህልዎት ክኸውን ምድላዩ፥ “ስልጣኔ ስነ ሰብእ ማእከልነት፡ እግዚኣብሔር ናይ ወሰናስንን ደጋዊ ክፍሊ ህልዎት ማእከል ክኸውን ገይሩ፡ ንኣምላኽ ካብ ሕይወት ዝሰጒገ፡ ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ዘሰነየ፡ እዚ እቲ ሰብ ዝፈጸሞ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ ሰብ ሓላፊ ክስተት ክነሱ፡ እዚ ኵሉ ምንቲምንታይ? ጻድቃንን ግብረ ገብን ልምድታትን እምነታትን ናይ ሓደ ሰብ፡ ኵሉ ተቐያያሪ እዩ ብዝብል ሚሳል ክሳብ ግብረ ገባውያን ክብርታት ዝቐያይር፡ ናይ መጻኢ ወለዶ ውርሻ መንፍሳውነት ዘይውሕስ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ናይ ሕይወት ኵለንተናውነት ክሳብ ዘይምውሓስ፡ እቲ ነባርን ዘይቀያየርን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፡ ንሱ ጥራሕ እዩ ሓቀን ፍጹምን”። ስለዚህ ናይ ሰብኣዊ  ፍጥረት ዕማም ንእግዚኣብሔር ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ንምስጓግ ኣሚቱ ምስ እግዚኣብሔር ምቅላስ ዘይኰነ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ልቡ ተቐቢሉ ሓድሽ ሰብ ምዃን እዩ። “ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንነፍሲ ወከፍናን ንህዝብናን ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሉጽ እዋን ክኸውን መለወጢና ጌርና ንኸነስትውዕሎ እግዚኣብሔር ይሓግዘና። ሎሚ ኵሉ ጥበብ ክጽግወና ልብናን ቀልብናን የርህወልና” ዝበሉ ናይ መላእ ርሱያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ኪሪል፥ “ኵላትና ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ብዝበርትዔ እምነትን እግዚኣብሔር ናይ ታሪኽ ጐይታ ምዃን ንጹር ግንዛበ ዘህልው ምልዋጥ ዓቲርና ንኽንወጽ ተላብዮም፡ ከምዚ ጥራሕ ምስ ዝኸውን እዩ “እቲ ቅልውላው እንብሎ መለወጢና - ዕድል ዝኸውን፡ ንሰናይናን ዝዀነ ቅልውላው ይኸውንን ንዝበለጸ ምልዋጥ ይዀነልናን።” ኢሎም።

እግዚኣብሔር ኣይነወግድ

ዕለት 12 ሚያዝያ ብናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርክስቲያን ስርዓተ ኣምልዀ በዓለ ሆሳዕና ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ናይ ሞስካ ፓትሪያርክ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ለብዒ “ሰብ ብእንጌራ ጥራሕ ዝነብር ከምዘይኮነ ንኸነስተውዕ ይድርኸና፡ ናይ  ሕይወትን ውሱንነቱን ትርጉም ንኽንሓስብ ይድርኸና”፡ በዚ ስቓይ’ዚ “ክንልወጥ ኢና፡ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝንጽል ተስፋታቱ ብፍልጠትን ሃብቲ ገንዘብ ዝትክእ ሃብታም ናይ ዝዀነ ኣህላኺ ሕብረተሰብ ቅድመ ፍርድታት ኵሉ ከነዕንው ኢና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ዕለት 14 ሚያዝያ 2020 ሕትመቱ የመላኽት።

15 April 2020, 16:35