ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሬቶ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሬቶ 

ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጻውዒት ንሓልዮት ስደተይናታት

ዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ሕብረት ኤውሮጳ ጥርኑፍ ዝኾነ መልሲ ክህበሉ እዩ ዝግባእ እምበር ኣብ ልዕሊ እታ ስደተይናታት ዝኣትዉላ ወይ ንባሕሪ ሜዲትራኒያን ቀረባ ንዝኾነት ሃገር ዝምልከት እዩ ቢልካ ምሕዳግ ጌጋ ካብ ምዃን ሓላፉ ነቲ ሕብረት ዝብል መንፈስ ዘይምኽባር እውን እዩ ዝኸውን

ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ርኢኻ እብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕርን ኣብ ወደባት ሊቢያን ዘሎ ኩነታት ስደተይናታት ኣዚዩ ዘስከፍ ምዃኑ ገሊጹ፥ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ዝኽሰት ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ብስሩዕን ብናይ ምትሕብባር መስርሕ መልሲ ክህባሉ ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነቶም ኣብ መዲትራኒያን ባህሪ ክርከቡ ንዝኽእሉ ስደተይናታት ሸለል ንኽበሃሉ ምኽንያት ክኸውን የብሉን” ነዚ ዝበሉ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ባሪዮስ ፕሬቶ ክኸኑ እንከለዉ፡ ነዚ ዝበሉ ኸኣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዝተራእዩ ስደተይናታት ጉዳይ ጠቒሶም፡ ሃገራት ኤውሮጳ ቅልጡፍን ስሙርን ውሑስን ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ሜዲትራኒያን ቀረባ ናብ ዝኾነ ወደብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ብምግባር ድጋፍ ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝገለጹን፡ ነቲ ናይ ስደተይናታት ህልው ኩነታት ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሕብረትን ብናይ ምትሕብባር መንፈስን መልሲ ክህበሉ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ፐሬቶ ገሊጾም።

ዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ሕብረት ኤውሮጳ ጥርኑፍ ዝኾነ መልሲ ክህበሉ እዩ ዝግባእ እምበር ኣብ ልዕሊ እታ ስደተይናታት ዝኣትዉላ ወይ ንባሕሪ ሜዲትራኒያን ቀረባ ንዝኾነት ሃገር ዝምልከት እዩ ቢልካ ምሕዳግ ጌጋ ካብ ምዃን ሓላፉ ነቲ ሕብረት ዝብል መንፈስ ዘይምኽባር እውን እዩ ዝኸውን ዝበሉ ኣባ ፕሬቶ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሜዲትራኒያን ባሕሪ 47 ስደተይናታት ብሓንቲ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ እዋን ረድኤት ብዘቕርቡ ዘይ መንግስታዊ ማሕበር መርከብ ዝደሓኑ ዘጓነፎም ጸገም መፍትሒ ቀረባ ናብ ዝኾነ ናይ ኤውሮጳ ናይ ባሕሪ በሪ ክኣትዉ ምፍቃድ ዝብል እዩ፡ ኣክዲ ፍቓድ ዝረኽቡ ግና ኣብ መወዳእታ ናብ ሊቢያ ንኽምለሱስ ከምእተገዱ ዘኪሮም፡ ንሊቢያ ንኽምለሱ ምግባር ጸገም እምበር መፍሒ ኣይኮነን ኢሎም።

ናይ ሓባር መልሲ ንስደት ንዝተገዱ

ባሕሪ መዲትራኒያን ናይ መቓብር ስፍራ ከይከውን ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ንስደት ዝዳረጉ ናይ ሓባር መልሲ ክህበሉን፡ እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ዝኽሰት ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ስደተይናታት ብስሩዕን ናይ ምትሕብባር መስርሕ መሰረት መልሲ ክህባሉ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ንሕብረት ኤውሮጳ ጻውዒት የቕርብ ኢሎም።

ሓደ’ኳ ድሕሪ ከይሕደግ

ዋላ’ኳ ኣብ እዋን እዚ ብኮቪድ 19 መኽንያት ዝተኸስተ ከቢድን ዘሰክፍን ለብዒ ይሃሉ፡ ዝኾነ ይኹን ጸገም ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ክስርዝ የብሉን፡ ስለዚህ ማንም እቶም ስደተይናታት እውን እንተኾነ፥ ሓደ’ኳ ንበይኑ ኣብ ጸገሙ ክሕደግ የብሉን ዝበሉ ኣባ ፐሬቶ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓደ’ኳ ከይንጸልን ንበይኑ ከይሕደግን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ንስደተይናታት ዝምልከት ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ንስደተይናታት ደጋፍ ምቕራብ ዝዋሳእ ሃገር እውን ንበይኑ ከይሕደግ ዝብልን ናይ ኩለን ሃገራት ምትሕብባር ክህሉ ዝጠልብ እዩ ይብሉ።

ኽብርን ኣኽብሮትን ንናይ ሰብኣዊ መስል

ሕብረት ኤውሮጳ ኵሉ ብፍላይ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡን እዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሰብኣዊ ፍጥረት ብኽብርን መሰልን ማዕረ እዩ ካብ ዝብል እምነቶ ነቒሉ ናይ ኵሉ ሕይወት ውሑስ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣኣብ ናይ ሓባር ምስትውዓል ዝጸንዔ ናይ ዕሴታትን መትከልን ማሕበርሰብን ብዘቃልሕ ኣገባብ ድጋፍ ከቕርብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጻውዒት የቕርብ እንክብሉ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣባ ፕሬቶ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም። 

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል
25 April 2020, 16:45