ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ንኣባይቲ ሕክምና 2 ሚሊዮንን 400 ሺሕ ኤውሮ ለጊሱ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ንኣባይቲ ሕክምና 2 ሚሊዮንን 400 ሺሕ ኤውሮ ለጊሱ 

ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ንኣባይቲ ሕክምና 2 ሚሊዮንን 400 ሺሕ ኤውሮ ለጊሱ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣባይቲ ሕክምና ኮረና ተህዋስ ንምዳህ ኣብ ዘካድኦ ጻዕሪ ንደግፍ ብዝብል መደብ መሰረት ዝተዋህለለ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኢጣሊያ ንዝርከባ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ኣመሳለጢ ጸረ ኮቪድ 19 መደብ ዝውዕል 6 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝለገሰን

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብቲ ካብ ዜጋታት ኢጣሊያ ዝረኽቦ ሓደ ሽሓዊ ኣብዚ እዋን```ዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ንዝዓያ መዋቕራት ኣባይቲ ሕክምና መላእ ኢጣሊያ ሓገዝ ከምዝለገሰ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ ሕዝቢ ብድላዩ ምርጫ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝህቦ ሓደ ሽሓዊ ሓገዝ ዝተዋህለለ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባይቲ ሕክምና ኮረና ተህዋስ ንምዳህ ኣብ ዘካድኦ ጻዕሪ ንደግፍ ብዝብል መደብ መሰረት ዝተዋህለለ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኢጣሊያ ንዝርከባ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ኣመሳለጢ ጸረ ኮቪድ 19 መደብ ዝውዕል  6 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝለገሰን ኣስዒቡ  እውን ክልተ ሚሊዮንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕም እውን ከምዝለገሰ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ  ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ብጽዓ ጳጳሳት ኢጣሊያ ንሕዝብን ሃገርን ብጸሎት ከምዘሰንይን ነቶም ነቲ ሕማም ንምብዳህ ብግንባር ቀደም ንዘገልግሉ ጸሎትን ቅርበትን ኣረጋጊጹ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓባር ከምዝብዳህን ኩሉ ነዚ ሕማም’ዚ ንምስናፍ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ በቢ ሓላፍነቱን ከከም ሓላፍነቱን እጃሙ ከበርክት ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ናይ ኩሉ ሓደ’ኳ ንድሕሪ ዘይሓድግ ናይ ሓባር ጽባሕ ምሕናጽ ከምዘድሊ የዘኻኽር።

ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ንኣባይቲ ሕክምና 2 ሚሊዮንን 400 ሺሕ ኤውሮ ለጊሱ

 

21 April 2020, 15:05