ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ንኣባይቲ ሕክምና 2 ሚሊዮንን 400 ሺሕ ኤውሮ ለጊሱ
ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብቲ ካብ ዜጋታት ኢጣሊያ ዝረኽቦ ሓደ ሽሓዊ ኣብዚ እዋን```ዚ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ንዝዓያ መዋቕራት ኣባይቲ ሕክምና መላእ ኢጣሊያ ሓገዝ ከምዝለገሰ ተሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ ሕዝቢ ብድላዩ ምርጫ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝህቦ ሓደ ሽሓዊ ሓገዝ ዝተዋህለለ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባይቲ ሕክምና ኮረና ተህዋስ ንምዳህ ኣብ ዘካድኦ ጻዕሪ ንደግፍ ብዝብል መደብ መሰረት ዝተዋህለለ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኢጣሊያ ንዝርከባ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ኣመሳለጢ ጸረ ኮቪድ 19 መደብ ዝውዕል 6 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝለገሰን ኣስዒቡ እውን ክልተ ሚሊዮንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕም እውን ከምዝለገሰ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ብጽዓ ጳጳሳት ኢጣሊያ ንሕዝብን ሃገርን ብጸሎት ከምዘሰንይን ነቶም ነቲ ሕማም ንምብዳህ ብግንባር ቀደም ንዘገልግሉ ጸሎትን ቅርበትን ኣረጋጊጹ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሓባር ከምዝብዳህን ኩሉ ነዚ ሕማም’ዚ ንምስናፍ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ በቢ ሓላፍነቱን ከከም ሓላፍነቱን እጃሙ ከበርክት ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ናይ ኩሉ ሓደ’ኳ ንድሕሪ ዘይሓድግ ናይ ሓባር ጽባሕ ምሕናጽ ከምዘድሊ የዘኻኽር።