እምነት ኣብ እዋን ኮቪድ 19

ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘራኽብ መስኰት፥ ኣብ እምነት ዘጽንዕ ኣብ ሓጐስን መከራን እምነት ንምንባር ዘተባብዕ መስኰት፡ እዚ ሓድሽ መደብ ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ካልእ ሃገራትን ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ 19 ዝንበር ዘሎ ጽንኵር ኩነት ዘዘንትው ጥራሕ አይኰነ ታሪኻትን ድምጽታትን ዘአግድን ካብ ወንጌል ዝነቅል ተስፋ ዘቃልሕ

ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዛዕባ “እምነት ኣብ እዋን ኮቪድ 19” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ወንጌል ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ሕይወት ዝምስኩሩ ድምጾም ዘስምዕሉን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ዝካየደሉ ሓድሽ መደብ ቫቲካን ረዲዮ ከምእተበገሰብ ንሕብር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዜና ቫቲካን ሓላፊ ማሲሚሊያኖ መኒከቲ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝልግስዎ ስብከትን ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ክኸውን ብዘቕረብዎ ውሳኔ ዝተነቓቐሔ መላእ ዓለም ምስ ቅዱስነቶም ብሓባር ክጽልን ብፍላይ ምእንቲ እቶም ብተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተለኽፉን ነቶም ዝሓመሙን ኣብ ምእላዮምን ብቕድመ ግንባር ዘገልግሉ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታን ኣባይቲ ስድራኦም ኣረጋውያንን ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡን ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎት ንኽንሓብር ዘቕረብዎ ለበዋ ብምንቕቓሕ እምነት ኣብ እዋን ኮቪድ 19 ዝብል ሓድሽ መደብ ከምእተበገሰ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ንምብዳህ  መንግስቲ ዝኣወጆ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ፥ ኣብ እኵብ ዘይምርኻብ ዝብል መምርሒ  ዘሳዅዔ ብምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ሓድሽ መምርሒ ከምዝስዕቦ ኣፍሊጡ፡ ምእመናን ኣሳቲፉ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንግዚኡ ክቋረጽ ከምዝገበረን፡ በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብቐጥታ ክመሓላለፍን ኵሉ ኣብ ዘዘለዎ ብመንፈስ ክሓብር እንክብሉ ዝገለጽዎ ድላይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተበገሰ ሓድሽ መደብ ምዃኑ መኒከቲ ኣፍሊጦም።

ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘራኽብ መስኰት፥ ኣብ እምነት ዘጽንዕ ኣብ ሓጐስን መከራን እምነት ንምንባር ዘተባብዕ መስኰት፡ እዚ ሓድሽ መደብ ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ካልእ ሃገራትን ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ 19 ዝንበር ዘሎ ጽንኵር ኩነት ዘዘንትው ጥራሕ አይኰነ ታሪኻትን ድምጽታትን ዘአግድን ካብ ወንጌል ዝነቅል ተስፋ ዘቃልሕ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሳቐይ ዘሎን ኣብ ብሕትውና ዝርከብ ልቢ ዘማሙቕን እምነት ኣብ ኵሉ ኣርካናት ሕይወት ንምንባሩ ዝድግፍ፡ ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝጥቅዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ህሙማንን ነዚ ሓሽ ተላባዒ ሕማም ንምብዳህ ቅድመ ግንባር ንዘገልግሉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታን ኣብ ቤት ማሕቡዝስ ንዝርከቡን ዘበራትዕ መደብ ምዃኑ መኒከቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

እምነት ኣብ እዋን ኮቪድ 19
10 March 2020, 16:36