ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል 

ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል

“ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኣብዚ ስቓይ ዝተመልኦን ብዝቕባበ ቃላት ሕንፍሽፍሽ ዝበለን ዝተደናገረን ዓለም ፍጥረት ሰብ ሰለይ እናበለ ብዘይታህዋኽ ነቲ ህያውን ዘጸናንዕን ናጻ ዘውእን ብሓሴት ዝመልእን እንኰ ቃል ንኸለልይ መገዲ ዝሕብር እዩ”

ካብ ቃላት ናብ ቃል እዚ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ተራሞ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ለውዚ ናይ ዝደረስዋ ሓዳስ መጽሓፍ ኣርእስቲ ክኸውን እንከሎ፡ እታ መጽሓፍ ዕለት 28 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ድሕሪ ቐትሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ርክብ ንንባብ ከምዝበቕዔት ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ብቓል ኣቢልና ንኢየሱስ ንፈልጥን ናብ ሓደ ሓድሽ ግላዊ ሱታፌ ንኣትውን ተመክሮ ምስኡን ከምቲ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ቅዱሳት መጽሕፍት እንተድኣ ዘይፈለጥና ክርስቶስ ንምፍላጥ ዝከኣለና ኣይክኸውንን እዩ፡ ስለምንታይ ሕይወት ክርስትና ፍልጠትን ተመክሮን ኣብ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ ዝበሎ ሓሳብ ጠቒሶም ከምዘብርሁን፡

ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል
ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል

ኣእምሮ ዘርህው ቃል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ኣታሓሳሲቦምን በዚ መሰረት’ዚ እውን ዕለት 26 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቀዳማይ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር ከምእተበዓለን ክዝከር እንከሎ፡ ብፁዕ ኣቡነ ለውዚ ይብሉ እታ ካብ ቃላት ናብ ቃል ዘርእስታ መጽሓፍ ንኽደርሱ ዝደረኾም እውን እታ ንኣኣቶም ተኸፈተሎም ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ምዃና ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምባቓዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ሎሚ ከም ቀደም ክርስቶስ ይዛረብ ኣሎ፡ በቲ ንሱ ዝዛረቦ ንኣኡ ብምስማዕ ከም ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንኽንሓንጽ ዝተጸዋዕና ኢና፡ እቲ ናይ ብዙሓት ልብን ሕይወትን ኣካይዳን ዝቐየረ ቃልን በቶም ነቲ ቃል ዝተቐበሉ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያንን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ኣብ ምንባር ክርስቲያን ምዃኑ ብምምስካር ካብ ቃላት ናብ ቃል የብል።

ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል
ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል

ቃል፥ ንዝኣምን ብርሃን እዩ

ናይታ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጃኮሞ ሞራንዲ፥ “ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኣብዚ ስቓይ ዝተመልኦን ብዝቕባበ ቃላት ሕንፍሽፍሽ ዝበለን ዝተደናገረን ዓለም ፍጥረት ሰብ ሰለይ እናበለ ብዘይታህዋኽ ነቲ ህያውን ዘጸናንዕን ናጻ ዘውእን ብሓሴት ዝመልእን እንኰ ቃል ንኸለልይ መገዲ ዝሕብር እዩ” እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፡ ስለዚህ ይብሉ እቲ ቃል ንዝኣምኑ መገዲ ዘብርህ ይኸውን፡ ኪደታት ኣመንቲ ዘብርህ ብርሃን፡ ኣተሓሒዞም ኢየሱስ ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ኣብ ደልሃመት ንኸይንኸውን የዕንትና የብርህ፡ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ዓቃላትን ዕጉሳትን ጽኑዓትን ኣብ እምነት ንኽንከው ዝድግፍ እቲ ምኡዝ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝኸውን ልብና ምጽንናዕ ዝረኸበሉ ቀንዲ ትርጉም ሕይወትና ንኽንርዳእ የብቅዓና ከምዝበሉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ተዓዘብቲ ናብ ሓነጽቲ ዝልውጠና ቃል
29 January 2020, 17:26