ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል መንእሰያት፥ ዓለም ንኽሕድሱ ዝተላእኵ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል መንእሰያት፥ ዓለም ንኽሕድሱ ዝተላእኵ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል መንእሰያት፥ ዓለም ንኽሕድሱ ዝተላእኵ

ፒዞሊ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምዕዳን መሰረት ሕጻናትን መንእሰያትን ብቓልን ተግባርን ብፍላይ ንድኹማትን ድኻታትን ብዘቕርብዎ ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ናይ ወንጌል ሓሴት መሰኻኽር ንኽዀኑ

ዕለት 6 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ ናይ መእንሰያት መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተበዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ መንእሰያት ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዘለዎም ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ዘመላኽትን ስለ እቲ ዝተቐበልዎ ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ዝጽልዩሉን ዘተባብዕሉን ዕለት ምዃኑ፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ምስፋሕ ወንጌል መንእሰይ ክርስቲያን ክዋሳእ ዘኽእሎ ዝተፈላለየ መደብ ሕንጸት ዘቕርብ ከምዝዀነን፡ ጸጋ ጥምቀትን ወንጌላውነትን ዝተጣምረ እዩ ዝብል ዓቢይ ዕለት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝምራሕ ናይ ካቶሊካውያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መንእሰያትን ተግባርን ማሕበር ተልእዀ ወንጌልን ብሓባር ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍልዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ክኸውንን ዝተጠመቑን ዝተላእኩን ብዝብል ቃል ክምራሕ እንክብሉ ወሲኖም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እውን በቶም ክልተ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ጽሕፈቱ ኣቢሉ ዓለም ንኽሕድሱ ዝተላእኩ ብዝብል ቃል ክምራሕ ክምዝገበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን፡ ናይቲ መርሕ ቃል መሰረት ከኣ ዝተጠመቑን ዝተላእኩን ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ምዃኑ ገሊጸን።

ናብ መላእ ዓለም ኪዱ ናይ ወንጌል ሓሴት ኣስፍሑ

ኣብ ላቲን ኣመሪካን ደሓር እውን ኣብ ኣፍሪቃ ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ጳጳሳዊ ናይ ተልእዀ ወንጌል ተግባር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዘፐ ፒዞሊ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምዕዳን መሰረት ሕጻናትን መንእሰያትን ብቓልን ተግባርን ብፍላይ ንድኹማትን ድኻታትን ብዘቕርብዎ ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ናይ ወንጌል ሓሴት መሰኻኽር ንኽዀኑ ዘተባብዕን ተልእዀ ወንጌል ናይ ኵሉ ናይቲ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከከም ናይ ዕድመን ጸዋዕታን ደረጃ ንኽንበር ተተባብዕ፡ ስለዚህ እቲ ናይ መንእሰያት ናይ ተልእዀ ወንጌል መዓልቲ ነዚ ዘቃልሕ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

መንእሰያት ግብረ ሰናይ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም

ነታ መዓልቲ ናይ መንእሰያት ተልእዀ ወንጌል፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምሉእ ዓመት እዩ ምስንዳው ዝግበር፡ ስለዚህ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ብዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወግዓውያን ድረ ገጻትን ማሕበራውያን መረብትን መሰረት እውን ብዙሕ ጓስጋስ ይግበረሉን ብፍላይ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ዝተሰነየ ምዃኑ ይሕብሩ፡ ዓለም ዝሕደስ ዝተሓደሰ መንእሰይ ወለዶ ምስ ዝህልወካ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ሕዳሴ ዓለም ካብ መንእሰያት ትብል እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል መንእሰያት፥ ዓለም ንኽሕድሱ ዝተላእኵ
07 January 2020, 17:06