2019.12.17 መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንምስንዳው ልደት! 2019.12.17 መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንምስንዳው ልደት! 

መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንምስንዳው ልደት!

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንልደት ንምስንዳው ኣብ ኩለን ቊምስናታትን ገዳማትን ፍልይ ዝበል ናይ ምህልላን ጸሎትን ተጋድሎን ግዜ ካብ 5 ታሕሳስ ብግዕዝ (15.12.2019 ዓምፈ) ክሳብ 28 ታሕሳስ ብግዕዝ (07-01-2010 ዓምፈ) መዲቦም ከምዘለው ይሕብሩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

‘ኣየ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፡ ኣኽራን ንኣኻ ርእዮም መንቀጥቀጡ። ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ክፍለጥ ከምቲ ሓዊ ንቐሸም ዜንድዶ፡ ንማይ’ውን ዜፍልሖ፣ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ምእንቲ ኪብሉስ ነዓ ውረድ፡ ዘይተጸቤናዮ ዜገርም ግብሪ ዝገበርካሉ እዋን ነይሩ እዩ፣ ኣኽራንውን ንኣኻ ርእዮም ኣንቀጥቀጡ። ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ከምኡ እውን ከቶ ኣይተራእየን፣ ነቶም ተሐጒሶም ጽድቂ ዚገብሩን፡ ከም ፍቃድካ ዚነብሩን ትቀባበሎም’ (ኢሳ 64.1-5)

17 December 2019, 16:44