ናይ ዒራቓውያን ምስክርነት እምነት ኣብ በዓለ ልደት ናይ ዒራቓውያን ምስክርነት እምነት ኣብ በዓለ ልደት 

ናይ ዒራቓውያን ምስክርነት እምነት ኣብ በዓለ ልደት

ኣብ ዒራቕ እውን በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ብዘድምቖ ናይ በዓለ ልደት መግለጽታት ዘይተሰነየ እውን እንተዀነ ብጥልቅን ብጽሞናን ይንበር

በዓለ ልደት ኣብ ዒራቕ ብጸገማትን ህዝባዊ ናይዕቢ ብዝፈጠሮ ዘሎ ጽንኵር ኵነት ዝተሰነየ እውን እንዀነ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ተስፋታቱ ብዘቃልሕ ምስክርነት እምነት ይነብሮ ከምዘሎን፡ ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዞባ ነነዌ ዝርከብ ማሕብረሰብ ቃራቆሽ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም እምነቱ ኣብ ምምስካር ሓይሉ ከበራትዕ ይላበው።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዒራቕ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ናይታ ሃገር ታሪኻዊ ናይ ክርስትና ስፍራ ከምዝዀነን እቲ ከባቢ ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝፍጽምዎ ዓመጽን ኣሳዶን ንዝቡሕ ስቓይ ዝተቓልዔ ምዃኑን ኣብዚ እዋን’ዚ ናብቲ ንቡር ኩነታቱ ንኽምለስ ቀስ ብቐስ ንቕድሚት ይስጉም ከምዘሎ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብርኤላ ቸራዞ ኣስዒበን፡

በዓለ ልደት

ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኣብ ዒራቕ እውን በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ብዘድምቖ ናይ በዓለ ልደት መግለጽታት ዘይተሰነየ እውን እንተዀነ ብጥልቅን ብጽሞናን ይንበር ከምዘሎን ገሊጸን፡ ዕለት 23 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ንዘሎ ስእነት ጸጥታን ዘይምርግጋእን ዝረኣየሉ ዘሎ ህልው ኩነታት ግምት ብምሃብ ኣብ ባቕዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ ኣትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ዕለት25 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዘሰጋግር ለይቲ ብምኽንያ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝዓርግ መስዋተ ቅዳሴ ከምዘይህሉን እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ዒራቅ ናይ ከላዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ብዙሕ ሓዘን ከምዘሕደረሎም ገሊጾም፥ ኣብ ናይ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ጐደናታት ስራሕን መውሃቢ ኣገልግሎን ናጽነትን ዝሓትት ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ መልሲ ክርከብ ተስፋ እገብር እንክብሉ ገሊጾም ከዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ንማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ፡ እምነት ንምምስካር ሎሚ ከም ቀደም ስንድውን፡ ብፍላይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መላእ ዓለም ንዝነብሮ እምነት ኣብነት ምዃኑን፡ ቅርበትን ድጋፍን ጸሎትን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓለም ዘይተፈለዮን ናይ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ምትሕብባርን ዘይረሓቖ ምዃኑ ድሕሪ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ እስላማኢ ኣሸባሪ ጉጅለ ዘስዓቦ ዕንወት ናብ ንቡር ኩነት ንኽምለስ ናይ ዝጽዕር ዘሎ ካባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ቃራቆሽ ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ በሕናምን ሳራሕን ቆሞስ ኣባ ጆርጅ ጆሖላ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ናይ ዒራቓውያን ምስክርነት እምነት ኣብ በዓለ ልደት

Photogallery

ናይ ዒራቓውያን ምስክርነት እምነት ኣብ በዓለ ልደት
26 December 2019, 16:50