ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ንህያው ህልውና ልኡካነ ወንጌል ኣብ ታይላንድ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ንህያው ህልውና ልኡካነ ወንጌል ኣብ ታይላንድ  

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ንህያው ህልውና ልኡካነ ወንጌል ኣብ ታይላንድ

ናይ ታይላንድ ቅዋም ሃገር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ዝብል እዩ፡ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ዝበሃል ጉዳይ የሎን፡ ስለዚህ ብሓፈሻኡ ምክብባር ዝረኣየላ ሃገር እያ

ኣብ ታይላንድ ንድኻታ ቀረባን ነቲ ናይ ህዝቢ ኣገዳሲ ዘበለ ኵሉ ውሑስ ኣብ ምግባር ተጊሃ ናይ እተገልል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ንኸተእንግድ ብተስፋን ብውዕዉዕ መንፈስ ትጽበ ከምዘላ ኣብታ ሃገር ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ብሩኖ ሶፐልሳ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎትክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ቅድም ክብል ዝተሓበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር እቲ ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዘካየድ ኣብ ታላንድ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዋዜማ፡ እቲ ኣብ ታይላንድ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 350 ዓመት ዕድመ ምኽንያት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልዩ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ ናይ ፈረንሳ ናይ ወጻኢ ማሕበረሰብ ተልእዀ ወንጌል ዘካየዶ ኣገልግሎት ጠቒሶም፡ ነቲ ናይ ተልእዀ ወንጌል ማሕበር ዘበገሶ ኣፍሆተ ወንጌል ሎሚ ንብዙሓት ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል ኣሰር እዩ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ነቲ ውዕዉዕ ወንጌላዊ ተልእዀ ኣፍልጦ ዝህብን ዘነቓቕሕ ምዃኑ ኣባ ሶፐልሳ ሓቢሮም፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ታይላድ ዘገልግሉ ዘለዉ እዞም ኢጣሊያው ኣባል ልኡካነ ወንጌል ጸጋ እምነት፥ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ታይላንድ 96 ሚእታዊ ናይ ቡድሃ እምነት ሰዓቢ ክኸውን እንከሎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሚእታዊ ስዓቢ ከምዘለዋ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ታይላንድ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ይኹን ኣብታ ሃገር ብፍላይ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እተቕርቦ ኣገልግሎት ልዑልን ንኡድን እዪ ቢሎም፡ ምጥቃምን ጽግዕተይናን ዕጸ ፋርስን መስተን ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ንምብዳህ መንግስቲ ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባብርነት ወሳኒ ምዃኑ መንግስቲ ታይላንድ ዝምስክሮ እዩ ኢሎም።

ናይ ታይላንድ ቅዋም ሃገር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ዝብል እዩ፡ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ዝበሃል ጉዳይ የሎን፡ ስለዚህ ብሓፈሻኡ ምክብባር ዝረኣየላ ሃገር እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብናይታ ሃገር ንጉስን መራሔ መንግስትን ይዅንታ ዝተወሃቦን ደሓር እውን ብናይ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን፡ ስለዚህ እቲ ምብጻሕ ብመላእ እታ ሃገር ቅቡል እዩ፡ መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር እውን ብተስፋ ንቕዱስነቶም ይጽበይ ኣሎ ኢሎም።

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ ታይላድ ቅድሚ 35 ዓመት ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ኣብታ ሃገር ንዝካየድ ተልእዀን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን እዩ ምስ በሉ ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃማኖት መነኮሳት ዝውክሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩን እውን ዘኪሮም፡ ታይላንድ ሎሚ ንቅዱስነቶም ንኸተእንግድ ብዓቢይ ሃንቀውታ ትጽበይ ኣላ ቢሎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ንህያው ህልውና ልኡካነ ወንጌል ኣብ ታይላንድ
18 November 2019, 16:21