ኪያራ ኣሚራንተ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንናይ ድኻታት ገዓር ምስማዕ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ ኪያራ ኣሚራንተ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንናይ ድኻታት ገዓር ምስማዕ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ 

ኪያራ ኣሚራንተ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንናይ ድኻታት ገዓር ምስማዕ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ

ነቲ ጸላም ሕይወት ዝቕንጥጥ ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ መሰረትን ምኽንያትን ሓሴት ክርስቲያን እዩ፡ እዚ ሓሴት ኣብ ገሃነም ጐደናታት ብምብሳር ነቶም ኣብ ክቱር ስቓይን መከራን ዝርከቡ

ንተልእኾ ካብ ገዛእ ርእሳ ኣብ ምውጻእ እትርከብ ቤተክርስትያን፡ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየድ እቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝቅጽል ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 28 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይቲ ሓድሽ ደረት ትርኢት ናይ እተሰምየ ማሕበር መስራቲት ኪያራ ኣሚራንተ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስመዖኦ ቃል ምስክርነት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሻድሻይ ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው መርሓ ፍኖት ዘንጸባርቕ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን እንክብል ዘመላኽቶ ቲዮሎጊያዊ ስነ ሓሳብ ዘማእከለ ካብ መላእ ዓለም ዝተጸውዑ ካርዲናላት ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያንን ምእመናን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ፡ ነታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ምስቲ እቲ ብኣኤን ዝተመስረት ማሕበር ኣተሓሒዘን፡

ሓሴት ትንሱእ ኣብቲ ገሃነም ጐደናታት

ነቲ ጸላም ሕይወት ዝቕንጥጥ ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ መሰረትን ምኽንያትን ሓሴት ክርስቲያን እዩ፡ እዚ ሓሴት ኣብ ገሃነም ጐደናታት ብምብሳር ነቶም ኣብ ክቱር ስቓይን መከራን ዝርከቡ፡ ውሉፋት ዕጸ ፋርስን ኣልኰላዊ መስተን ሕይወት ኣመንዝራን ካልእ ክብሪ ሰብኣብ ዘሕስር ኩነት ዝርከቡን ኣብ ፈቕዶ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝርከቡ ኰታ ንዅሎም ነቶም ኣብ ቀቢጸ ተስፋነት ገዛእ ርእሶም ዝቐበሩ ብቐረባ ብምክትታል ናይቲ ብኽርስቶስ ዝተረጋገጸ ትንሳኤ ተሳተፍቲ ንክዀኑ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምስላጥ ኣሚቱ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝቖመ ምዃኑ እውን ሓቢረን፡ ኣብዚ ተልእዀ እዚ ልዕሊ 700 ሺሕ ዝግመቱ ነዚ ሓሴት’ዚ ኣስተማቒሮም ድሮ መሰኻክር ሓሴት ኰይኖም ከምዘለዉ ገሊጸን፡ ሓሴት እውነተይና ዝኸውን ምስ እተካፍሎ እዩ ከምዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ኦርትን ሓድሽን ገዓር ድኻታት

ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ወንጌል ሓሴት መሰረት እትወጽእ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘይትዕጸውን ኣነነት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ብምውካልን ብምዃንን፥ ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘመላኽትዎ ብጣዕሚ ዝምስጥን ማራኺ ዝዀነ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ገዓር ድኻን ኣብ ስቓይ ናይ ዝርከብ ሓው ድምጺ ምዃንን፡ ነዚ ገዓር እዚ ጸማም ኰይና ምንባር ካብ ናይ እግዚኣብሔር ድላይ ወጻኢ ምንባር ማለት እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ መሰረት ንድኻን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከብ ቀረባ ብምዃን ንገዓሩ ናትካ ገርካ ስሌኡ ምግልጋል የድሊ፡ እዚ መለለዪ ናይታ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን እዩ ቢለን ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ዝተፈላለዩ ዓመጻንትን ጸረ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝዀኑ ተግባራትን ኩሉ ዘርዚረን፡ ነዚ ዓለም እዚ እቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ምብሳር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ ከምዝበላ ሰፒያ ገሊጸን።

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤን ተጋባእያንን ዕለት 30 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን እውን ክጽገው ምዃኑ ኣዘኻኺረን፡ ንሶም እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኵኑ ዝብሉ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓላፍነት ብቓልን ብተግባርን ዘተሓሳስቡና ፍቕሮም ንዘሎና ኣቦንን ጓሳናን ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጻውዒቶም ብምእንጋድን ብምንባርን ፍቕርና ንግለጸሎም፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ንምብሳር ምስኦም የተሓብረናን እቲ ንሰን ዝመስረተኦ ማሕበር ነዚ ናይ ወንጌል ሓሴት ኣብ ምንባር ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብምዕዳኖምን ጸኒዑ ዝጓዓዝ ምዃኑ ገሊጸን፡ ንዓለም ናይ ፍቕሪ ሰውራ ንምቕራብ ምስኦም ሓቢርና ኣብ ናይ ቅድስና ጐዳና ንኽንስጉም መታን ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን’ዚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ከምቲ ንሶም ኣብ ጸሎቶም ዘሀልውና ኣንሕና እውን ኣብ ጸሎትና ህልው ንግበሮም ከምዝበላ ሰፒያ ሓቢረን።

ኪያራ ኣሚራንተ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንናይ ድኻታት ገዓር ምስማዕ ሕጹጽ ሓላፍነት እዩ
29 November 2019, 17:01