መንእሰያት ኣማዞን ኣብ ምክልኻል ፍጥረት መንእሰያት ኣማዞን ኣብ ምክልኻል ፍጥረት 

መንእሰያት ኣማዞን ኣብ ምክልኻል ፍጥረት

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ሲኖዶስ ከምዝጸውዑን እዚ ነቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣካል ዝዀነ ከባቢ ኣማዞን ሓድሽ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መገዲ ንምልላይ ዝብል ዕላማ ዘለዎ

ከባቢ ኣማዞን ናይ ስነ ምህዳርን ከባብን ምህዳርን ንናይ ምክልኻል ተግባር ፍጹም ኣብነት እዩ፡ ካብቲ ዝናባዊ ሃብቲ ገረባቱ ክሳብ እቲ ኵሉ ኣብ ውሽጡ ዝተዓደሎ ጸጋታት ተፈጥሮን ንምክልኻልን ንጉቡእ ኣጠቓቕማኡን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ብፍላይ መንእሰያት ብቐዳምነት ዝዓዩን ዘነቓቕሑን ኣብ መላእ ዓለም ምክልኻል ከባብን ምህዳርን ኣብ ምስፋሕ ዓቢይ ኣበርክቶ ከዘለዎምን እቲ ግረታ ቱንበርግ እተነቓቕሖ መደባት ኵሉ ብምድጋፍ ዓርቢ ንመጻኢ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ መላእ ዓለም መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ምእንቲ ምህዳርን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ብቐዳምነት ከምእተዋስኡ ኣብ ከባቢ ኣማዞም ምብጻሕ ኣካይዶም ዝተመስሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሪዮ ጋልጋኖ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ሲኖዶስ ከምዝጸውዑን እዚ ነቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣካል ዝዀነ ከባቢ ኣማዞን ሓድሽ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መገዲ ንምልላይ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብፍላይ ነቶም ብዙሕ እዋን ዝርስዑን ብዘይ መጻእ ሕይወቶም ንዕለቱ ዝነብሩ ቀዳሞት ተወለደቲ ኣማዞንን ኣብቲ ናይ ዓለም ሳምቡእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝፍጸም ምብዳም ኣግራብን ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮን ዘስዕቦ ቅልውላው ምህዳርን ተቐማጦን ዘተኰረ ከምዝኸውን ኣብሪሆም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደብን ካብኡ ሓሊፉ እውን በርገሳውን ምህዳራውን ኣገዳስነት ዘለዎን ሰለስተ ሚሊዮን ደቀባት ዝርከብዎም 390 ዝተፈላለዩ ናይ ኣማዞናውያን ዓሌታትን ብጠቕላላ ንልዕሊ 34 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝምልከት ጉዳይ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣማዞን ካብ ጠቕላላ ሓምላይ ሃብቲ ዓለም ሓደ ሲሶ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ ኣማዞን ምግዳስ ማለት ብዛዕባ እቲ ሓምላይ ሳምቡእ ዓለም ምግዳስ ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ ንምቕራብ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ተጋባእያን ሲኖዶስ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክርከቡ ከምዝዀኑን፡ ቅዱስነቶም ናይ ሲኖዶስ ተጋባእያን ልኡካን ኣበ መናብርት ንኽኰኑ ካብ ቨነዝወላ ብፁዕ ካርዲናል ፖራስ ኮርሶዞን ተወላዲ ፐሩ ብፁዕ ካርዲናል ባረቶ ኺመኖን ብራዚላዊ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝን ከምዝሰመዩን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዚ ሲኖዶስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝውለድን ተልእዀን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዝብል ማዕቅን ዘለዎ ኰይኑ ናይ ሱታፌን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖን እምበር ስነ ምርምራዊ ወይ ውን ፖለቲካዊ ጉባኤ ከምዘይኰነ ባዕሎም ቅዱስነቶም ምስ ቫቲካን ኢንሳይደር እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ ይዝከር።

03 October 2019, 18:16