2019.10.10 ክርስትያን ህንፃ አምላኽ እዩ! 2019.10.10 ክርስትያን ህንፃ አምላኽ እዩ!  

፮ይ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 30 2012 (11/10/2019)

መዝሙር፡ ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበት . . ክርስቶስ ሰንበት ሠርዓልና ብአኡ ሓቢርና ክንሕጎስ ዕረፍቲ ክትኮነና ሃበና፥ግራውቲ ወይኒ ዓምበቡ አታኽልቲ ፈረየ ሰለሙን እኳ ከም ሓደ ካብኦም አይለበሰን። መዓልቲ ሰንበት ምስ አምላኽ እንራኸበላ ጸጋ እንዕደለላ ዕለት ስለ ዝኾነት ክነኽብራ ይግባእ። ሰንበት አኽብሩ ጽድቂ ግበሩ ይብለና አምላኽ። ሰንበት ዘየኽብር ንአምላኽ አየኽብርን እዩ ስለዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክንጽሊ ክንሳሕ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንሳተፍ ይግብአና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ፩ቆሮ 3፡9-17፥ ያዕ 1፡1-12፥ ግ.ሓ. 28፡7-17፥ ዮሓ 2፡13-22  ምስባክ፡   “አርውዮ ለትለሚሃ፥ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠንጣብከ ትበቝል ተፈሢሓ” “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባት ብዛዕባ ሕንጻ አምላኽ ይዛረብ። አምላኽ ብብዙሕ መገዲ አብ ማእከልና ክነብር ይደሊ፥ ሓደ ካብቲ ብዙሕ አብ መንጎና ከም ዝነብር ከአ አብ ቤተ መቕደስ እዩ። ቤተ መቕደስ ዝብል ክልተ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ፩ያ ግዙፍ ህንፃ ቤት አምላኽ፥ አምላኽ ዝቕመጦ ቦታ ኮይኑ ብኽብርን ጽረትን ዝግብኦ ክብሪ ሂብና እንጥቐመሉ ቤት እዩ። ፪ይ ህንፃ ቤተ መቕደስ ንሕናን አመንቲ ግዙፍ መረጋገጺ ናይ አምላኽ ግልጸት አብ ዓለም ምዃና የስምዕ እዚ ማለት ከአ ዝኾነ ሰብ ቅዱስን ዝተበረኸ ምዃኑ አብኡ አምላኽ ስለ ዝሓድር ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኸውን ዝገልጽ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ኽገልጽ እንከሎ 1ቆሮ 6፡19 “ሰብነትኩም ቤተ መቕደስ ናይቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበልክምዎ አብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ አይትፈልጡን ኢኹም፥ እምብአር ናይ ገዛእ ርእስኹም አይኮንኩምን እናበለ ናይ ሓደ አማናይ ክርስቶስ መንነት ይገልጸልና።

ብዛዕባ ህንፃ ቤተ ክርስትያን ክንዛረብ ከሎና ብዙሕ ዘይቅኑዕ ርድኢትን አገላልጻን አብ መንጎ ብዙሓት አሎ። እግዚአብሔር አብ ኩሉ ስፍራ እዩ ዝርከብ ግድን አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ አይንረኽቦን ኢና፥ ቤተ ክርስትያን መአከቢ እዩ እምበር ካብኡ ንላዕሊ ብፍሉይ ክንርእዮ አየድልን፥ ዝብሉ ብዙሓት እዮም ነዚ መሰረት ገሮም ከአ አብ ቤተ ክርስትያን ክኸዱ አይደልዩን ከምኡ ንቤተ ክርስትያን ከምቲ ዝግባእ ክብሪ አይህቡን።

አብ ብሉይ ኪዳን እግዚአብሔር አብ ፍሉይ ቦታ ከምኡ ፍሉይ መራኸቢ ምስ ደቂ ሰብ ይጥቀም ከም ዝነበረ ነንብብ፥ አብ ደብረ ሲና ንሙሴ እዚ ዘሎኻዮ ቦታ ቅዱስ እዩ እሞ ሳእንኻ አውጽእ ክብሎ ንሰምዕ፥ አብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ቅዱሳን ፍሉይ ቦታ አምላኽ እሞ ሊቀ ካህናት አብ ዓመት ሓደ ጊዜ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ህዝብን መስዋዕቲ ዝዓርገሉ ከምዝኾነ ነንብብ፥ ጎ.ኢ.ክ. ባዕሉ ቤተ መቕደስ ቤት ጸሎት ንአምላኽ ጥራሕ ዝግባእ ቦታ ከምዝኾነ ነቶም ንቤተ መቕደስ ዘራኽሱ ዝነበሩ ከምዝሰጎጎም ነንብብ ስለዚ ቤተ መቕደስ ፍሉይ ቤት አምላኽ እዩ። ቤተ ክርስትያን እውን ነቲ ህንጻ ጸሎት አብኡ ማሕበር ክርስቶስ ዝእከቡሉ ዝጽልዩሉ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዘዕርገሉ ኩሉ ምስጢራት እንዕደሉሉ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ቦታ ክብረት ዝውሃቦ ፍሉይ እንፃ አምላኽ እዩ።

አብ መጽሓፍ ሕዝቅኤል 47፡1-12 እንተ አንበብና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ራእይ ከም ዝረአየ ይነግረና፥ አብዚ እንርእዮ አብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ አምላኽ ከምዝሓድር እዩ። አብኡ አምላኽ ከምዝሓድር ከምኡ አብ መንጎ ህዝቡ ከምዝሓድር ክነግር እንከሎ ቤተ መቕደስ ወይ ቤተ ክርስትያን ሓደ ቦታ ኮይኑ ካብኡ በረኸት አምላኽ ዝምንጭወሉ ዘለዓለምዊ በረኸት እንረኽበሉ፥ መንፈሳዊ ጽምእናን ጥመትናን እንዕንገለሉ፥ ልዕሊ ኹሉ ኸአ ምሕረት እንረኽበሉ አብኡ ኢየሱስ ናይ ጊልዓድዶ ፈውስና (ኤርም 8፡22) ዝኾነ ቍስሊ ነፍስና እንሓውየሉ እዩ። ሕዝቅኤል ነቲ ካብቲ ቤተ መቕደስ አምላኽ ወይ ቤተ ክርስትያን ዝውሕዝ ከምዚ ገሩ ይገልጾ፡ “እቲ ውኂዝ ዝአተዎ ዘበለ ድማ ዅሉ ብሕይወት ኪነብር እዩ. . . እዚ ውኂዝ ዝበጽሖ ጥዕናን ሕይወትን ይረክብ. . . ምኽንያቱ እዚ ማይ ካብ ቤተ መቕድስ ስለ ዝመጽእ” ይብል። አብዚ ፍልልይ ናይ ሓደ ማንም አዳራሽን ዝተመረቐ ቤተ መቕድስን ክንርኢ ንኽእል። አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅድስት ስላሴ ህላዌ አብኡ ይረክብ። ቅዱስ ቀዋሚ ቦታ አምላኽን ቦታ ጸሎትን እዩ፥ ስለዚ ዝለዓለ ክብሪ ክውሃቦ ይግባእ።

አብ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብቲ ካልአይን ቀንድን ትርጉም ቤተ መቕደስ እንታይ ከምዝኾነ ይነግረና። “ህንጻ አምላኽ ኢኹም. . . . መንፈስ ቅዱስ አባኹም ኃዲሩ ምህላዉንዶ አይትፈልጡን ኢኹም” እዚ እዩ ትኽ ኢሉ አብቲ ቀንዲ ትርጉም ዝወስደና። ንሕና ማኅደር መንግስቲ አምላኽ ኢና ምኽንያቱ ልባትና ውሽጣዊ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጳውሎስ አብዚ ፍሉይ ህላዌ አምላኽ አብ ልባትና ይሕብረና። ንሕና ሕያውን ዝንቀሳቐስ ቤተ መቕደስ አምላኽ ኢና።

ፍሉይ መጸዋዕታ አሎና ሎሚ ነዚ ቤተ መቕደስ ብቅድስና ብንጽሕናን አኽብሮትን ክንሕዞ። ምኽንያቱ አምላኽ አብ ቀለዓለም ዝመልኦ ነገር አይነብርን እዩ። ቤተ መቕደስና ብቅድስና እንተ ነበረ አብ መንጎና ክነብር እዩ። እንተ ዘይኮነ ከምቲ እስራኤል ንአምላኽ ምስ አሕረቕዎ ታቦት አምላኽ ምስ ተማረኸ ሰይቲ ፊንሃስ “ኢካቦድ” ኢላ ቅድሚ ምማታ ነቲ ዝወለደቶ ሕፃን ስም አውጺአትሉ (ክብረት አምላኽ ካባና ክርሕቕ እዩ ፩ ሳሙኤል 4፡21)። አብ ጊዜና ተመሊስና እንተ ረአና ብስም ነጻነት ከምኡ መሰል ሰባት ብዝብል ጉልባብ ክንደይ ጊዜ ሰባት (ቤተ መቕደስ አምላኽ) ዘይተገፍዑ። ሰባት ነዚ አብ ድራግ ብምእታው፥ ወልፊ ስኽራም ዝሙት ብዝተፈላለየ ናይ ዘመና ፋሽን ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ አምላኽ የርሕቖም አሎ። እዚ ኹሉ መሰረቱ ንሕና መን ምዃና ብዘይምፍላጥና ወይ ከአ ንመንነትና ሸለል ብምባልና እዩ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ አምላኽ ኢና። አብ ርእስና እንተ ርአና መጀመርያ ናይ አምላኽ ኢና ምኽንያቱ ባዕልና አይተፈጠርና። በዚ ምኽንያት እዩ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ዝህበና ንቤተ መቕደስ አምላኽ ዘይናቱ ክብሪ ከይንህቦ። “ሓደ እኳ ነታ ቤተ መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ አምላኽ ከፍርሶ እዩ፥ ቤተ መቕደስ አምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤት መቕድስ እዚአውን ንስኻትኩም ኢኹም” (1ቆሮ 3፡17)።

ወንጌል ዮሓንስ ናይ እዚ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝለዓለ ትርጉምን ምስጢርን ይነግረና። ንቤተ መቕደስ አምላኽ ከመይ ገርና ብአኽብሮትን ብጥንቃቐን ክንሕዞ ከምዘሎና ይነግረና። ኢየሱስ ጠቕሊሉ ነቲ ሓሳብ ክገልጽ እንከሎ “ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ አፍርስዎ አነ ኸአ ብሰለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ ኢልዎም . . . ንሱ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረቦም” (ዮሓን 2፡17)። ሰውነትና ከም ቤተ መቕደስ አምላኽ መጠን ብማይ ጥምቀት ዝነጽሐ ብቅብአተ ሜሮን ዝተቐደሰ፥ ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ እዩ፥ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ማኅደር ቅድስት ስላሴን ናይ እቲ “ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት አምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ” (1ጴጥ 2፡9) ማኅደር እያ።

ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሓስብ ክነስተንትን እንከሎና አምላኽ አባና ምሳና ከምዘሎ ኢና እነስተንትን ዘሎና። አብ ሓዲስ ኪዳን ኅንጻ ቤተ መቕደስ የለን፥ እቲ ቤተ መቕደስ ሎሚ ማሕበር ክርስትያን ናይቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ሰውነት ዝኾነት እዩ። “ንአኹም ዝረአየ ንአይ ረአየ፥ ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ” ይብል። ሎሚ እምብአር ንሕና መን መዃና ክንዝክር፥ ከመይ ከምዘሎና ክንርኢ፥ ንመን ንመስል ከምዘሎና ፈሊጥና ንዓለም ቤተ መቕደስ አምላኽዶ ኮይነ አሎኹ ክንብል።

ቅዱስ ጳውሎስ “ንሕና መዓይይቲ አምላኽ ኢና፥ ንስኻትኩም ከአ ግራት አምላኽ ኢኹም፥ ሕንጻ አምላኽ ኢኹም” (1ቆሮ 3፡9) ይብል። ጳውሎስ ንርእሱ ከም ሃናጻይ ይወስድ እዚ ግን ናይ ግዙፍ መንደቕ ሃናጻይ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ሃናጻይ እዩ። ንሱ ጀማራይ እዩ ካልኦት እዮም ነቲ ህንጻ ዝውድእዎ ወይ ዝቕጽልዎ፥ እዚ ናይ ህዝቢ ህንጻ ሓደ መሰረት እዩ ዘልኦ ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

አብ መወዳእታ ኢየሱስ ንኹልና ዝበሎ “ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ እንተ ተአከቡ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ” ዝብል እዩ። ብሓደ ሓቢርና ብሓደ መንፈስ ክንጽሊ እንተ ኸአልና ከምኡ ፍቕሪ እንተ አንገስና አምላኽ ምሳና አሎ። ከሰክፈና ዘለዎ ንአምላኽ ቦትኡ ንኻልእ ሂብና ከይንህሉ። ንገንዘብ ንምቾት ንዓለም ሂብና ጠፊእና ከይንህሉ ሎሚ አበሎኹ ንመንከ እመስል አሎኹ ክንብል ይግብአና።

ልብና ምፍታሽ የድልዮ አሎ፥ ክጸሪ ሰላም ክረክብ ክምሕር አብ ጽቡቕ ክምለስ የድልዮ አሎ። አብ ልብና አቲና ክንፍትሽ እንተ ኸኣልና ክንደይ ክነጽርዮ ክንዕርዮ ዘድልዮ ነገራት ክንርኢ ኢና። አብ መንበረ ንስሓ አቲና ንስሓ ኃጢአት ክንገብር ምሓረና ክንብል እዋኑ እዩ። ነዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ “ልብና ቤተ መቕደስ አምላኽ ክኸውን ዝኽእል።

ማርያም ቅ. ገብርኤል ከበስራ እንከሎ “ጸጋ ዝመልአኪ እንካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ” እናበለ አበሲርዋ። “መንፈስ ቅዱስ ከጽልለኪ ኃይሊ እቲ ልዑል ከአ አባኺ ክወርድ እዩ” ክብላ እንከሎ ማኅደር አምላኽ ከምዝኾነት ገሊጹላ። ንሳ ልዕሊ ኩልና ታቦት አምላኽ ኮይና ንምስጢር አምላኽ ልዕሊ ኹልና አብ ሕይወታ አወሃሂዳቶ። “አደ አምላኽ” ንብላ እዚ ፍሉይ ክብርን ቦታን ይህባ። ከምኩለን አደታት ንወዳ ኩሉ ባህሪ ሥጋ ሂባቶ ንሱ ኽአ ምልእተጸጋ ገርዋ። ካብ ማርያም እንምሃሮ ንአምላኽ ልብኻ ሕይወትካ ሂብካ ምኽአል። ልብና ከፊትና እንተ ኸአልና መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን አባና ክሓድር እዩ።

ኦ ማርያም አደና አስርኪ ስዒብና ልብና ሕይወትና ብምልኡ ታቦት አምላኽ ክኸውን ለምንልና። እቲ አብ ልብኺ ዝኃደረ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ኃዲሩ ታቦቱ ኽገብረና ለምንልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ        

 

31 October 2019, 17:35