ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላ ''ንሱ (ወደይ) ዝበለኩም ግበሩ'' ዮሓ 2፡5 ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላ ''ንሱ (ወደይ) ዝበለኩም ግበሩ'' ዮሓ 2፡5 

፬ ሰንበት ዘጽጌ 22 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም (11/03/2019)

መዝ. በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት ቆመ በረከት. . . . . . . . ክረምቲ ብግዚኡ ሓሊፉ በረኸት ተተኺሉ፥ ዕምባባታት ዓምቢቡ፥ አብ ገነት ናርዶስ ቃርፋን ለሚንን ትርንጎታትን ፈረየ፥ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ፥ ሰናይ ንዝጸገውና ነምስግኖ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ገላትያ 4፡1-12፥ 2ዮሓ 1፡4-8፥ ግ.ሓ. 1፡13-15፥ ዮሓ 2፡1-12።   ምስባክ  “ አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ፥ ወአንተ ገበርከ አድባረ ወምድረ  ኩሎ፥ ክረምተ ወሓጋየ ዘአንተ  ፈጠርከ”። መዓልትን ለይትን ፈጠርካ ወርኅን ፀሓይን ገበርካ፥ ንምድሪ ወሰን ገበርካላ ሓጋይን ክረምትን ፈጠርካ” መዝ. 74፡16-17።

፬ይ ሰንበት ዘጽጌ ንምስጢር አምላኽ ብመጠኑ ርኢና ከም እንኽእል የዘኻኽረና። እዋኑ ርክብ አምላኽን ማርያምን፥ ርክብናን ርክብ ማርያምን ብኡ አቢልና ናብ ክርስቶስ ብዝያዳ ቀሪብና ቃሉ እንሰምዓሉ ሕይወትና እንቕይረሉ ንፍሉይ ዕድመ መልሲ እንህበሉ እዩ። ሕይወት ማርያም እንተ ረአናዮ ብምልኡ ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ዝገልጽ እዩ። ትውፊት ካብ ንእስነታ አብ ቤተ መቕደስ ከም ዝዓበየት ከምኡ ወለዳ እያቄምን ሃናን ክልተ ብሩኻት ከምዝነበሩ አብ ዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ገብርአል መልአኽ ድላይ አምላኽ ከም ዝገለጸላ ነንብብ። እዚ ዅሉ ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ይገልጸልና።

ንሳ ነቲ “አምላኽ ዝገበረላ ዓበይቲ ነገራት ርእያ ከም ዝኽአለት ባዕላ ትነግረና። “እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ” (ሉቃ 1፡49) ትብል። አምላኽ ዝገበረልና ክንርኢ እንተ ኸኣልና ካብ አምላኽ ርሑቓት አይኮናን። ሰብ ሎሚ ነቲ አምላኽ ዝገበረሉን ዝገብረሉን ዘሎ ክርኢ ስለ ዘይክአለ አብ ህርፋንን አብ ንአይ ይጥዓመንን አትዩ ናይ ኩሉ ዋና ክኸውን ብዘይ ዕረፍቲ ክጎዪ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሰብ ባቢሎን በዚ መንፈስ ምስ ተመርሑ ጥፍአት ዓዲሞም፥ ጸልማት ዝጎልበቦ ልቢ ንሓቂ ስለ ዘይርኢ ንመገዲ ጥፍአት ደፊሩ ጠኒኑ ይአትዋ ሽዑ ፍረ ምርጭኡ ሞትን ጥፍአትን ይወርዶ፥ አብ ርእስና እሞ ምልስ ኢልና  ከመሎና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንነገራት አምላኽ ንርኢ ዘሎና እናበልና ንሕተት። አሰር ማርያም እናሰዓብና ክነብር ከሎና ዋሕስ ዘልኦ ጉዕዞ እዩ።

ዘመነ ጽጌ አብቲ ማርያም ምስ አምላኽን ምሳናን ዘልአ ርክብ ክነስተንትን ዝሕግዘና እዋን እዩ፥ ብምቕጻል ነቲ ማርያም ባዕላ “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ዝብል መሰረት ገርና ክንገብሮ። ሕይወትና ምስ ማርያም ከም ዝጉዓዝ ክንገብሮ ኸሎና እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንከውን ንኽእል። እምነትና ፍረ ዘልኦ ክኸውን ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ዝብል አብ ልብና አሕዲርና እንተ ነበርና እዩ።

አብዚ ዝተነበ ወንጌል ማርያም ሰብ መርዓ ዓቢ ጸገም ምስ ወረዶም ተቐላጢፋ አብ ወዳ እያ ከይዳ ምኽንያቱ ወዳ እንታ ከም ዝገብር ተፈልጥ ነራ። ንሳ ንዓመታት ክሳብ ወዲ 30 ዓመት ዝኸውን ምስአ ነሩ ኩሉ ዝገብሮን ዝብሎን ትፈልጥ ነራ። ሓደ ጽውጽዋይ አፈታሪኽ አሎ። ደቂ ናዝሬት ኢየሱስ ብዙሕ ከም ዝገብር ዝነበረ ስለ ዝፈልጡ ዝነበሩ ቆልዑቶም ወይ ዓቢ ጸገም እንተ ረኸቡ አብ ማርያም ከይዶም ንወዳ ክትልምነሎም ይሓትዋ ከም ዝነበሩ ይንገር። “ንዑናይ አብ ወዲ ማርያም ይበሃሃሉ ነሮም”። እዚ ብመጠኑ ሓቂ አልኦ ኩሎም እቶም ብምሉእ እምነት ጸገም ምስ ተጓነፎም ብልቦም አብ ኢየሱስ ዝምለሱ እቲ ዝለመንዎ ይኾነሎም እዩ።

ማርያም ወላ እኳ ወዳ እንታይ ከም ዝገብር አይትፍለጥ ወላ እውን ዝሃባ መልሲ ዝነጽግ ዝመስል እንተ ነበረ አብኡ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበራ አብቶም አሳሰይቲ ምልስ ኢላ “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” ኢላቶም። ማርያም ወላ ነገራት አይረድአ ምሉእ እምነት ነርዋ። ኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብር ትፈልጥ አይነበረትን ግን ነቲ ሓቅን ጽቡቕን ነገር ከም ዝገብር ትፈልጥ ነራ። አብ ሕይወትና ነገራት ክገጥሙ ንርኢ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾኑ እውን አይንፈልጥን አብዚ እዋን ኢና ምሉእ እምነት ገርና ክንቅበል ዘሎና። እቶም ከይርአዩ ዝአምኑ ብጹአት እዮም።

አብ ቃና ዘገሊላ አብ መርዓ ዝተገብረ ተአምራት አምሳል ቅዱስ ቍርባን (ቅዳሴ) እዩ። ፩ያ አብ ሓጎስን ደስታን ዝመልኦ ስለ ዝተገብረ፥ መስዋዕቲ ቅዳሴ ናይ ሓጎስ ፍሃን መአዲ እዩ። ፪ይ ንማይ ናብ ወይኒ ክልውጦ እንከሎ አምሳል እቲ ማንም ህብስትን ወይንን አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝልወጥ እዩ። እዚ ኹሉ ዝኸውን ማርያም ስለ ዝሃበትና እዩ። ማርያም ከስ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን እውን ምሳና አብ ማእከልና አላ ሕሹኽ እናበለት ወደይ ዝበልኩም ግበሩ ትብለና። ተመሓሓሩ ተፋቐሩ ሰላም ሓቂ አብ መንጎኹም አንግሱ ትብለና እዚ ኸአ እዩ ድላይ ወዳ።

ሕይወት ማርያም ንድለት አምላኽ ክንገብር አርአያ ኩልና እዩ።

ወንጌል ንማርያም መን ምዃና ክገልጽ እንከሎ መጀምርያ ፍርሃት አምላኽ ከም ዝነበራ ይነግረና። ኩሉ ግዜ ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትገብር ስንድውቲ ነራ። ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝብለና አምላኽ መልአኹ ከም ዝልአኸ ይነግረና በዚ ማርያም ንባህጊ አምላኽ ከም ዘማልኤት ንርኢ። ማርያም ዓይኒ አምላኽ አብአ ከም ዝሓደረን ደስ ከም ዘበሎቶ ብዓቢ ተመሥጦ ክገልጽ እንከሎ አብ አኮቴተ ቍርባን ዘእግዚእትነ ማርያም (ጎሥዓ) “ብሓቂ እግዚአብሔር ካብ ሰማይ ንምሥራቕ ምዕራብን ንሰሜንን ደቡብን አነጺሩ ጠመተ አብ ኩሉ ገነት አሸተትተ ከማኺ ግና አይረኸብን”  ይብል። አምላኽ ንፍሉይ ተልእኮ ክሓሪ እንከሎ ፍሉይ ቆላሕታ አብ ዘሕደረሉ ሰብ ጥራሕ እዩ ልኡኹ ዝሰድድ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ረኤና ሕርየት ነብያት፥ ሓዋርያት፥ ካህናት. . . ኩሎም አምላኽ ዓይኑ አብኦም ምስ አውደቐ እዮም ንአገልግሎት ወፊሮም። መጽሓፍ ቅዳሴና ቀጺሉ ከማኺ አይረኸበን እናበለ ማርያም ፍሉይ ቆላሕታ ዝረኸበት ምዃና ይገልጽ። ማርያም ንአምላኽ ዓይኑ አብአ ከም ዝዓግብ ገራ። ንስኺ ማሕደር ወደይ ሕርይቲ ፍጥረት ኢልዋ፥ አደ ሓደ ወዱ ክትከውን ሓርይዋ። ንሳ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወታ ወላ እኳ ምረት ይንበሮ እምበር ካብቲ አምላኽ ዝሃባ መንገዲ ከይወጸት ንኹሉ ተቐቢላ በዚ ኸአ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድኤት ዓወት አኽሊል አብ ሰማይ ተቐቢላ። እዚ ኹሉ ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ስለ ዝገበረት እያ።

ማርያም ካብ ወዳ ተፈልያ እይትፈልጥን፥ ንኹሉ ጸበባን ሓጎስን ምስኡ ተኻፊላቶ ምስ ተወልደ ብስደት ዝጀመረ ሕይወቱ አብ ቀራንዮ ብመስዋዕቲ ክዛዝሞ እንከሎ ምስኡ ነራ። ቃል አምላኽ እናአስተምሃረ ብዙሓት ክደፍርዎ ክጸርፍዎ፥ ከዋርድዎ ትርኢ ነራ፥ ቅዱስ ሉቃስ ዝነበራ ዕሞቕ ርድኢት አምላኽ ክገልጽ እንከሎ ንኹሉ አብ ልባ ትዓቝሮ ነበረት ይብለና። ንመደብ አምላኽ ከም ብርሃን ቀትሪ ትፈልጦ ነራ። ንሕና ንሓደ ነገር ብምሉእ እንተ ፈለጥናዮ ክሳብ ሞት ንበጽሕ፥ ሞት መግለጺ እምነትና ንገብሮ። አእምሮና ነቲ ዝለዓለ ፍልጠት ርእዩ ምስ ከአለ ድሕር አይብልን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ሕይወተይ አባኻ ዕረፍቲ ይረክብ ይብል። አምላኽ እቲ ዝለዓለ አብኡ ኩሉ ናይ ሕይወትና ትርጉም ተፈጥሮና ዝረከበሉ ስለ ዝኾነ ክሳብ አብኡ ዘይበጻሕና አይንዓግብን። ማርያም ናይ አምላኽ ምስጢር ርእያ፥ ፈሊጣ፥ ስለዚ ናይ ወዳ ጉዕዞ ይርድአ ስለ ዝነበረ ምስኡ ትጉዓዝ ነራ። ኩሉ ነገራ ሰባት ምስጢር ወዳ ክርድኡ እዩ ጻዕራ።

እቲ ብማርያም ድሕነት ዝሃበ አምላኽ ሎሚ እውን ብአና ገሩ ድሕነት፥ዕርቂ፥ምሕረት፥ ፍቕሪ ክነግር ድለቱ እዩ። ሰብ ምስ አምላኽ ክነብር ተፈጢሩ ግን ሰብ ካልእ መገዲ መሪጹ ካብኡ ንድሓር መገዲ ድሕነት ኩሉ ግዜ ይድናገሮ። ክንምለስ ንደሊ መገዲ ዝሕብረና ንደሊ። ንጠፍእ ኢና ንዝንግዕ ኢና፥ ገለእዋን ንሽፍት ኢና፥ ሎሚ ንጽጉማት እትረድእ መገዲ ዝጠፍኦም ነቲ ቀንዲ ባዕላ ዝተጓዕዘቶ እትሕብር አደ አላትና። አቱም ደቃይ ወደይ ዝብለኩም ግበሩ ሽዑ ተአምራት አብ ሕወትኩም ክትርእዩ ኢኹም ትብለና።

ዮሓንስ ወንጌላዊ ማርያም ባዕላ ጸገም ሰብ መርዓ ርእያ ጸገም ተጓኒፍዎም አሎ ገለ ግበር ኢላቶ ይብለና። አብዚ ማርያም ንጽጉማት እትሕግዝ ከምዝኾነት፥ ንጸገም ክትፈትሕ ንወዳ ከምእትልምነልና፥ ንአና ኸአ ብእምነት ንሱ ዝበለና ክንግብር ከምዘሎና ሽዑ ተአምራት ከም ዝግበረልና ትሕብረና። ብሓልዮትን ልመናን ማርያም ዝርከብ ረድአት ንአና ፍሉይ ሓጎስን ቅሳነትን ይፈጥረልና። ሎሚ ንሕና ሰብ መርዓ ኢና ኩሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ተጽጊሙ ወጣጢ በዚሕዎ ተጽጊምና አሎና። ከም አዳምን ሔዋንን ብቐትሩ ጸልሚቱና አምላኽ ኦወደይ/ጓለይ አበሎኻ/ኺ እናበለ ይሓትት አሎ። ሰላም፥ፍቕሪ፥ ጠፊኡ ምምሕሓር፥ጥልመት፥ ምክሕሓድ፥ በዚሑ ዓለምና ተጽጊሙ አሎ። ማርያም አብዚ እዋን ብፍሉይ ተድልየና አላ። ከምቶም ሰብ መርዓ ምስ ወዳ ንዓድማ። ኩሉ ጠፊኡና አብ ጸገም አሎና እሞ አደና ተለመኒ ኢልና ንቕረባ።

እምብአር ወዳ ዝበለና ክንገብር ንሎሚ አብዘን ዝስዕባ ሓሳባት ልብና ነውድቕ፥

·         ንኢየሱስ ብማርያም ንቕረቦ። ዮሓንስ ንሳ ዝበለቶ ከምዝሰምዓ ነጊሩና እሎ ስለዚ ገለ ክገብር ንገርልና ንበላ። ግን ንሕና ንማርያም ክንዛረበ ክነዕልላ አሎና። ዕላል ምስ ማርያም ክንለምድ አሎና። ደቂ ማርያም ክንከውን መንፈስ ማርያም ክሓድረና ይግባእ ሽዑ ርድአዮም ክትብለልና እያ። ካብ ሓደ ሰብ ሓገዝ ወይ ካልእ ዓቢ ነገር ክንሓቶ እንተ ኾና በቲ ብዝያዳ ዝቐርቦን ዝፈትዎን ኢና እንቐርቦ፥ ንኢየሱስ እታ ዝቐረበትን ክተስምዖ እትኽእል ማርያም ስለ ዝኾነት ብአአ ንቕረቦ ንለምኖ፥ ሽዑ ዝደለናዮ ኽግበረልና እዩ።

·         አብ ርእስና ንመለስ። ሕልናና ንመርመር ኩነትና ንፍለጥ። ሰብ አብ ጸገም ዝነብር ርእሱ ስለ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ሰብ ርእሱ ክፈልጥ ዘይደሊ ምኻኑ እዩ። መስትያት ገጽና ክንርኢ ይሕግዘና ሽዑ ንዝኾነ ከምቲ ዝደለናዮ ንገብር መስትያት ሕልናና ሎሚ ክነጽርዮ ንዕደም አሎና። ሕልናና ንሕከኽ። እዚ አብ ንስሓ ይመርሓና። ብእከየ ወበዓቢ እከየ አብ ምባል የብጽሓና። አብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ንርአ ቅድም ቅድሚ አብ ዓይኒ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎ በሰር ከይርአና።

·         ንማርያም ቃል ንእተዋላ። አብ ባህሊ ሰባት ሓደ ሕማቕ ልምዲ ወይ አብ ጌጋ ዝነብር ካብ ገጋኡ እንተ ተመልሰ ምልክት ምምላሱ ቃልማሕላ ይአቱ አብቲ ናይ ቀደም ከይምልስ ሎሚ ንሕና አብዚ ታቦት አምላኽ ቀሪብና ካብ ሓጢአትና ተነሲሕና ንኢየሱስን ማርያምን ክንዕረቖም ቃል ንእተዎም። አብ መአዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ከሎና ንጹሕ ሕልና ስንዱው መንፈስ ሒዝና እነኹ ቀሪበ ተቐበለኒ/ተዓረቐኒ ንበሎ።

·         ማሕበርና፥ ቁምስናና፥ ኪዳና፥ ኩሉ ሕይወትና ናይ ማርያም ንግበሮ። ማርያም አብዘላቶ ወዳ አሎ ወዳ አብዘልኦ ሰላም፥ፍቕሪ፥ ምሕረት፥ሕድገት፥ ኩሉ አሎ። አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት እምብአር ኩሉ ማርያም እተደልዮ ክንገብር እሞ ክንሕደስ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወትና ንጀምሮ። ክርስትያን ኩሉ ግዜ አብ ጉዕዞ እሞ ብዝበለጸ ንጸጋ አምላኽ እናለበሰ ዝጉዓዝ እዩ። መግቢ ጣዕሙ ጨው ምስ ተሓወሶ እዩ ክርስትና ጣዕሙ ማርያም አብ መንጎ ክትሓድር እንከላ እዩ እሞ ሎሚ አብ ኩሉ ንማርያም አብ መንጎና ንገበራ።

ንከአል ኩሉ አምላኽ ብኹሉ ናቱ ክንከውን ብማርያም እና ቀረብናዮ ነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናና አቲና መብጽዓ ጥምቀትና ነሓድስ። አብ ፍቕሪ ተጠሚርና ነቲ እንአምኖ አምላኽ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና ንመስክሮ። ካብ ማርያም ተወሊዱ ዘድሓነና አምላኽ ሎሚ እውን ብልመና ማርያም አቢሉ ዕርቂ፥ሰላም፥ምሕረት የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

26 October 2019, 12:11