ኪያራ ሉቢክን ኣባ በንዚን ብፅዕና ንኽእወጀሎም ብሰበኻ ደረጃ ዝካየድ መርመራ ተጠናቒቑ ኪያራ ሉቢክን ኣባ በንዚን ብፅዕና ንኽእወጀሎም ብሰበኻ ደረጃ ዝካየድ መርመራ ተጠናቒቑ 

ኪያራ ሉቢክን ኣባ በንዚን ብፅዕና ንኽእወጀሎም ብሰበኻ ደረጃ ዝካየድ መርመራ ተጠናቒቑ

ብኪያራ ሉቢክ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤትን እቲ ብኣባ በንዚ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹን

ናይ 20 ክፍለ ዘመን ናይ እምነት ዓበይቲ መሰኻኽር ካብ ዝበሃሉ ኪያራ ሉቢክን ኣባ ኦረስተ በንጺን ቤተ ክርስቲያን ብፅዕናን ቅድስናን ንኽትእውጀሎም መሰረተ ሓሳስብ ንምቕራብ ብሰበኻ ደረጃ ክካየድ ዝጸንሐ ገድለ ብፅዕናን ቅድስናን ኪያራ ሉቢክን ኣባ በንጺን ከምእተጠናቐቐ ክንገር እንከሎ፡ ነቲ ዝተጠናቐቐ ናይ ምርምር ሰነድ ንናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ክመሓላለፍ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ክልተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር፥ ኪያራ ሉቢክን ኣባ ኦረስተ በንጺን ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ንኽትእውጀሎም ዝሓትት ብሰበኻ ደረጃ ዝካየድ ዝነበረ ምርምር ገድለ ብፅዕናኦም ከምእተጥናቐቐን፡ እቲ ብኪያራ ሉቢክ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤትን እቲ ብኣባ በንዚ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹን፡ እቲ ብሰበኻ ደረጃ ዝተጠናቐቐ መጽናዕቲ መፍነሳዊ ገድልታት ሉቢክን በንጺን ናብቲ ብዛዕባ ቅድስን ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ዝመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኪያራ ሉቢክ ንብፅዕናን ቅድስናን ዘብቅዕ መጽናዕትቲ መንፈሳዊ ገድልታት ድሕሪ 5 ዓመት ዕረፍተን ዕለት 7 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ከምእተበገሰን፡ ነዚ መጽናዕቲ’ዚ ዝከታተሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፍራስካቲ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ራፋኤሎ ማርቲነሊ ዕለት 27 ጥሪ 2015 ዓ.ም. እቲ ናይ ክያራ መንፈሳዊ ገድልታት መጽናዕቲ ብወግዒ ከምእተበገሰ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ማሶቲ ኣስዒበን፡ ኣብቲ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኪያራ ሉቢክ ናይ እምነት ምስክርነት መንፈሳዊ ውርሻ እቲ ብአኤን ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤ ወራሲ እንክብሉ ገሊጾምን ኣብቲ ንሓድነት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ተቐቢለን ንቤተ ክርስትያን ዝወልዐኦ ሓድሽ መብራህቲ ብሕዝበ እግዚኣብሔር ፍሉጥ ክኸውን ሓደራ እንክብሉ ምዒዶም ከምዝነበሩ ኣፍሊጠን።

ኪያራ ሉቢክን ኣባ በንዚን ብፅዕና ንኽእወጀሎም ብሰበኻ ደረጃ ዝካየድ መርመራ ተጠናቒቑ
17 October 2019, 17:43