eritrean-refuges-profess-as-tertiary-order-of-st.-francis-members-in-Sudan1.jpeg

ዕለተ ሓጎስ ቁምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም

ሰምሃር ስምና - ኣባል ዓለማዊት ፍራንቸስኮስ፡ካርቱም

ኣብዚ ጊዜ`ዚ፡ ካብ ተኸተልቲ ርዓት ግዕዝ፡ እታ ዝዓበየት ቁምስና፡ ቁምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም እያ እንተ በልና፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቕና ኣይመስለናን። ቁጽሪ ምእመናና፡ ብምኽንያት ስደት ዘይቀዋምነት ኣባላት፡ ብመጠኑ ዝልዕልን ዝትሕትን፡ እኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግን፡ ልዕሊ 8,500 ኣቢሉ እዩ። ካብዚኣቶም እቶም 99% ኣባጽሕን ጎራዙትን እዮም። ናይዚ ቁምስና`ዚ ናይ መልክዕ መልክዕ ኮይኑ ዝርከብ ከኣ፡ ምእመናን ካብ ኲለን ዞባታት ሃገርና ዝመጹ ስለዝኾኑ፡ `ሓድነት ኣብ ብዙሑነት ተስተማቕረላ` ብምኳና እያ።

ኣብዚ ጊዜ`ዚ፡ ንምእመናን ካቶሊካውያን ከተማ ካርቱም ዝጓስዩ፡ ሰለስተ ፈለስቲ ካፑቺኒ፡ ደቂ ቅ.ፍራንቸስኮስን እዮም። እዞም ፈለስቲ እዚኣቶም፡ ካብ 1977 ጀሚሮም፡ ዝደሓሩ ንዝቐደሙ እናተክኡ፡ ነዚ ኣገልግሎት ናይ ስደተኛታት`ዚ የካይድዎ ኣሎዉ። ንቁምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ምስ ጓሶቶም ሓቢሮም፡ ሕይወት ኣብ ምዝራእ ዓቢይ ጊደ ዘሎዎም፡ እቶም 20 ዝኣባላታ ቤት ምኽሪ ቁምስና፡ ሰለስተ ዓበይ ጉጅለ መዘምራን መንእሰያት፡ ንሳቶም ከኣ ብመንፈሳውነት ቅ. ቪንቸንስዮ ዝምርሑ ደቂ ማርያም፥ ደቂ ቅ. ኣንጦንዮስ በዓል ፕዶቫን ቅ.ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዝን፡ ብዙሓት ተራ ምእመናን ሰብ ጽቡቕ ድላይን እዮም። ብፍላይ እኳ እቶም በቶም መዘምራን መንእሰያት፡ ኣብ ቤተክርስትያንን ጽጉማት ስደተኛታት ኣብ ዝተረኽብሉ ቦታን፡ ዝግበር ኣበርክቶ፡ ብቃላት ዘይግለጽን፡ ብካቶሊካውነትካ ዘነይትን እዩ። ሓደ ሓደ ካብኡ፡ ኣብ ቅዳሴ ተረኺብካ፡ ብዝተፈላለየ ጥዑም መዛሙር ንኣምላኽ ምምስጋንን ምልማንን፡ ንተፈላለዩ ሕሙማን፡ ሕልፊ ከኣ ደም ንዝደልዩ ሕሙማን፡ ስኣን ደም ሕይወቶም ከይትሓልፍ ኢሎም፡ ደም ዝልግሱ፡ ናብ ገዛ ሕሙም ኬድካ፡ ገዝኡ፡ ክዳውንቱ ምጽራይን ምሕጻብን፡ ብሕማም ካንሰር ተስፋ ዝቖረጹ፡ ከድካ ምዝንጋዕ፡ ብመነባብሮ ዝተሸገሩ፡ ብቊጠባ ምርዳእ፡ መንበሪ ገዛ ንዝተሸገሩ፡ ገዛ ክረኽቡ ምጽዓርን ዝኣመሰሉ እዮም።

እዛ ብሓጺር ዝተገልጸት ስእሊ ቊምስናና፡ ብሰንበት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2019፡ ሓደ ንዂሉ ዝተሳተፈ ደስ ዘብል ፍጻሜ ኣብዒላ። ንሱ ከኣ 12 ምእመናን ቁምስና፡ ብዘልዓለማዊ መብጽዓ፡ ኣባላት ዓለማዊ ፍራንቸስካዊ ማሕበር (Secular Franciscan Order) ንኣምላክ ክውፈዩ ማሕላኦም ፈጺሞም። ብዙሓት ከምዝፈልጥዎ፡ ቅ.ፍራንቸስሶስ፡ 3 ማሕበራት እዩ መስሪቱ፡ 1ይ ፈለስቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ 2ይ መነክሰያት ደቂ ቅ. ኪያራ 3ይ ማፍራንቸስካውያን/ት ዓለማዊ ማሕበር። እዞም ቀዲምና ዝበልናዮም ምእመናን እምበኣር እዮም፡ ናይ`ዚ ማሕበር`ዚ፡ ኣባላት ኮይኖም። ትርጉም መብጽዓኦም ከኣ ነቲ ብጸጋ ጥምቀት ብተኽሊልን ዝኣተውዎ መብጽዓ፡ ብጽንዓት ክንነብሮ ኢና ዝብል እዩ። ብካልእ ኣበሃህላ`ውን `ካቶሊካውነት ብግብሪ` Catholicism in Action ክንነብር ኢና ዝብል እዩ።
መደብ መብጽዓ፡ ኲሎም መዘምራን፡ ነናይ ጉጅልኦም መፍለዪ ክዳን ተኸዲኖም፡ ነቲ ብኣባ ሃብቶም ወ/ገብርኤልን ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን ዝተመርሔ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዓጀብዎ። ኣባ ክፍለኢየሱስ ኣብ ዝሃብዎ ስብከት፡ እዚ ማሕበር`ዚ ብበዓል ጽቡቕ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎርዮስ 9ይ፡ 1221 ብወግዒ ዝተመስረተን፡ ኣባላት ን800 ዓመት፡ ንሕብረተሰብ ዓለም፡ መባኲዕቲ ኮይኖም ንርእሶምን ንኻልኦትን  ዝቐደስሉን፡ ጌና`ውን ዝቕድስሉ ዘሉዉን ምኻኑ ድሕሪ ገሊጾም፡ እዞም ናይ ሎሚ ተመባጻዕቲ`ውን፡ ኣብዛ ከተማ ስደትና ዝኾነት ካርቱም፡ ብኣነባብራ ሕይወቶም፡ ከምኡ ዝበለ ስብከተ ወንጌል ከካይዱ፡ ኣጆኹም በልዎም። ንሶም እዚ ማሕበር`ሲ ብዓለም ለኸ ደረጃ፡ ልዕሊ 400, 000 ስዓብቲ ከምዘለውዎ`ውን ኣመልኪቶም። ብሓፈሻኡ እቲ መደብ ንልቢ ኩሉ ተሳታፋይ ዝቐስቀሰ ነበረ።
ድሕሪ ቅዳሴ፡ ኩሎም መንእሰያትን፡ ውሑዳት ዓበይቲ ምእመናን፡ ኣብቲ ኣብ ጂረፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝርከብ ማእከል ትምህርተ ክርስቶስ ከድና`ሞ፡ ኩሉ ቊርሲ ተዓዲሉ ቆረሰ። ድሕሪኡ፡ ቡን ዝሰቲ ቡን እናሰተየ፡ ንሓደ ክልተ ሰዓት ዝኸውን፡ ታሪኽ ቅ. ቬሮኒካ ጂልያኒ ጓል ቅ. ኪያራ፡ ብተዋስኦ መልክዕ ቀረበ። ኣቕረብቲ ኣባላት ዓለማዊ ፍራንቸስካዊ ማሕበር ነበሩ።
እቲ ተዋስኦ ብሓፈሻ ንኩሉ ብፍላይ ከኣ፡ ነቶም ብምኽንያት ዓቕሚ ንመርዓ ዘይደፍሩ ዘሎዉ መንእሰያት ከተማና፡ በዳሂ ትምህርቲ ነበሮ። ኣብ ሞንጎ መንጎ`ውን፡ ንዓቕሚ ፍልጠት ቅዱስ መጽሓፍን፡ ትምህቲ ቤተክርስትያንን ክትፍትሽ ዝሕግዝ መደባት ተኻየድ። ኣባ ክፍለእየሱስ፡ኩሉ መደብ ብጽቡቕ ተወዲኡ ድሕሪ ተመሳጊና፡ መዕጸዊ ጸሎትን ቡራኬን ሃቡና`ሞ በዚ ፍጻሜ`ቲ መደብ ኮነ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ብድምጺ ንምክትታል!

Photogallery

በዓል ምስ ኣባላት ሣልሳይ ፍራንቸስካዊ ማሕበር ካርቱም ሱዳን!
14 October 2019, 11:35