ሰመራሮ፥ ሰበኻ ኣልባኖ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓውጾተ ኖልው ንኽትዕደል ይጽበይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣልባኖ ምብጻሕ ዘካይዱሉ ዕለት መስከረም 21 እዩ፡ ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል

ዕለት 21 መስከረን 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ዝጽበይ ናይ ከተማ ኣልባኖ ምእመን ጥራሕ ዘይኰነ መላእ ተቐማጦ ሕዝቢ ናይታ ከተማ  ከምዝዀነን ንሶም እውን ምስ ናይ ሰበኻኦም ውልደ ክህነት ብሓባር ነቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ክነብርዎ ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጸበዩ ከምዘለዉ ይገልጹ።

መስዋዕተ ቅዳሴን ርክብ ምስ ውልዱ ክህነት

ኣቡነ ሰመራሮ ይብሉ፡ እቲ ቀንድን ማእከልን እቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ እዩ፡ ናይ ተሳታፊ ብዝሒ ብዓንተዉ ግምት ብምሃብ እውን እቲ ቅዱስነቶም ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ  ቅርዓት ቅዱስ ፒዪስ ታሽዓይ እዩ ዝኸውን ቢሎም፡ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ምስ ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ሰራሕተይናታት ዘሳተፈ ርክብ ከካይዱን ብሓባር ክጽልዩን፡ ውሉደ ክህነት ኣልባኖ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ክጽልዩ ብቕዱስ ኣቦና ክዕደምን፡ ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ካልእ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክህሉ እዩ፡ ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነት ሰላምታ ክለዋወጡ እውን ምዃኖም ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሰበኻ ኣልባኖ ላዚያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ካብ ሃገረ ቫቲካን ብማኪና እዮም ዝነቕሉ፡ ስለዚህ እዚ ናይ ማኪና ጉዕዞ ‘ዚ ብጐደና ኣፒያ ዝፍጸም እዩ።

ዓመታዊ በዓል ናይ ኣልባኖ ካቴድራል ምኽንያ ኣብ ካቴድራል ምብጻሕ ከካይዱን፡ ኣብ ፊት እቲ ካቴድራል ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ እውን ክበጽሑን ኣብታ ናይታ ከተማ እውራ ኣደባባይ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣደባባይ ፒዮስ ታሽዓ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ስብከት ክልግሱን እዮም። ኣደባባይ ፒዮስ ታሽዓ ፊት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ሕንጻ እዩ ዝርከብ፡ ስለዚህ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዓቢይ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዎ ስፍራ እውን እዩ፡ ብተወሳኺ እቲ ብኢየሱሳውያን ዝምራሕ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ስነ ምርምር ተዓዛቢ ማእከል ዝርከበሉ ስፍራ እዩ፡ ዕጽዋት ማሕበር ደናግል ክላሪሰ ገዳም እውን ኣብ ፊቱ እዩ ገዳመን፡፡ እተን ደናግል ብመስኮት ናይ ገዳመን ኰይነን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣደባባይ ፒያ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክከታተላ እየን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣልባኖ ምብጻሕ ዘካይዱሉ ዕለት መስከረም 21 እዩ፡ ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም.  ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል

ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ኣብ ሕይወተይ ዓቢይ ዕለት እዩ፡ ወዲ 17 ዓመት እየ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ወቕቲ ጽድያ ዝኣትወሉ እዩ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ኢጣሊያ ቀውዒ ዝጅምረሉ ኣዋን እዩ፡ ስለዚህ በታ ዕለት ተመሃሮ ምኽንያት ናብቲ ዝተዳለወ በዓል ቅድሚ ምኻደይ፡ ኣብታ ዝሳተፈላ ቁምስና ክኸይድን ምስጢረ ኑዛዜ ክቕበል ደለኹ ነዚ እውን ፈጸምኩ፡ እታ ዕለት ምስቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ጐይታ ዝተራኸብኩላ ዕለት እያ፡

እንክብሉ ዕለት 21 መስከረም ኣብ ሕይወቶም ዘለዋ ዓቢይ መንፈሳውን ሰብኣውን ጦብላሕታ ከምዝገለጹ ብፁዕነቶም የዘኻኽሩ።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 መስከረም 2008 ዓ.ም. ናይ ኣልባኖ ባሲሊካ ምስ ተሓደሰ ንምብራኽ መንበረ ታቦት ኣብታ ሰበኻ ተረኺቦም መንበረ ታቦት ባሪኾምን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ካብኡ ንድሓር ዕለት 21 መስከረም ነታ ሰበኻ ዓቢይ ዕለት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ልሒቅ ር.ሊ.ጳ. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እውን ነቲ ባሲሊካ ሕዳሴ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ንዋታውን መስዋዕቲ ኵሉ ኣድኒቖም፡ ናይ ቅድስተ ማርያም ኣደነት ጠቒሶም ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስተ ማርያም ብእናታዊ ሓልዮታ ትዓቅብኩም ሓድሽ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽን ዝንበርን ብሕይወት ዝምስከር ቅድስትና ኣብ ምንባር ተዕብየኵም እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም ብፁዕ ኣቡነ ሰመራሮ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሰመራሮ፥ ሰበኻ ኣልባኖ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓውጾተ ኖልው ንኽትዕደል ይጽበይ
20 September 2019, 10:35