ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነና ዝነበራ ትካላት ጥዕና ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነና ዝነበራ ትካላት ጥዕና  

‘ነቲ ኺማጐተካን ቀሚሽካ ኺወስድን ዚደሊ፡ ነጸላኻ እውን ኅደገሉ፤’ (ማቴ 5.40)

ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነና ዝነበራ ትካላት ጥዕና ኩሉ ኩለን ዕሥራን ትሽዓተን ኰይነን፡ ሾመንተ ካብኤን ቅድሚ ክልተ ዓመት ማለት ብወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓምፈ ተደራቢ እየን ተባሂለን እንክዕጸዋ እተን ዝተረፋ ከኣ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2019 ዓምፈ ተዓሺገን ገሊኤን ተራስየን ገሊኤን ከኣ ታራአን ይጽበያ ኣለዋ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2017 ዓምፈ ዝተዓጽዋ ኣርባዕተ ኣብ ርእሰ መንበር ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝርከባ ኰይነን ኣብ ከተማታት መንደፈራ ማይ ምነ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ጐዳይፍ ግንዳዕን ነረን። ንብረት ካቶሊካዊ መንበረ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ዝኾና ከኣ ኣብ ከተማታት ደቀምሓረ ኣኰሎጒዛይ ጸሮናን ሰንዓፈን ዝርከባ ኣርባዕተ እየን። ከምኡ እውን ኣብ ዋሊኩ ዝነበረት ኣብ ከተማ ከረን ናይ ካቶሎካዊ መንበረ ኤጳርቅና ከረን ሓንቲ ነበረት።

ሎምዘመን ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2019 ዓምፈ መጀመርያ ዝተዓሸጋ ደሓር ተራስየን ዝተባህላ ክልተ ናይ ርእሰ መንበር ኤጳርቅና ኣሥመራ ንብረት ዝኾና ኣብ ዛግርን ዓዲዘይኑን ዝነበራ ክልተ፥ ኣብ ሔቦን ኣኽሩርን ተኾንዳዕን ሓዋጹን መነዅሰይቶን መሰራሕን ድግሳን እንገላን ዝርከባ ንብረት ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ንግዜኡ ተዓጽየን ዝተባህላ ሾመንተን ኣብ ኣቦ ከተማ ዓሰብ ዝነበረት መጀመርያ ዝተዓጽወት ደሓር ዝተራሰየትን እንክኾና፡ ንብረት ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ዝኾና መጀመርያ ዝተዓሸጋ ደሓር ዝተራሰያ ኣብ ሓሊብመንተ በጉ ግላስ ኣሸራ ፈለዳርብ ሓመልማሎን ሓልሓልን ዝነበራ ሸውዓተ እየን።  ናይ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ባረንቱ ንብረት ዝነበራ መጀመርያ ዝተዓሸጋ ደሓር ዝተራሰያ ኣብ ኢገርነን ቢምቢናን ሞጎሎን ዝርከባ ሰለስተ ነበራ።

እዚኤን ኩለን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነበር ብምእኩል መንገዱ ቀንዲ ቤትጽሕፈተን ጨንፈር ቤትጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገረን ንገበርቲ ሠናይ ይኹን ንዝምልከቶ ኣካል መንግሥትን ቤተክርስትያንን ንጹር ጸብጻብ እናሃበ ብሰነዳት ዝዋፈራ ሕጋውያን ኣካላት ነበራ።

04 July 2019, 19:23