ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ  

ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ ዝተዘወደትሉ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት

ዕለት 26 ታሕሳስ 1586 ዓ.ም. ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት እቲ ቤተ ጸሎት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብፍላይ ብሳዕሪ ዝተሰርሐ ብምንባሩ እናኣረገን ኣናተበታተኸን ምስ ዓነወ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ካብቲ ዝነበሮ ደሚቑን ጸቢቑን እሞ ተሓዲሱን

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ናይ ሃገረ ኰሎምቢያ ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ ዝተዘወደትሉ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣብ መላእ ኰሎምቢያ ብዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መዳይ ይበዓል ከምዘሎን ኣብቲ በዓል ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ብራዚል ናይ ኣፓረሲዳ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማሰኖ ኣሲዚ ከምዝዀኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሰራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እመቤተ ማርያም ዘሮዛሪየም በዓልቲ ቺኵይንኵይራ፥ እዚ እታ ናይ ሃገረ ኰሎምቢያ ሓላዊት ቅድስቲ ማርያም ኣርእስቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እትኽበርን ቅዱስ ምስላ ኣብ ኮሎምቢያ ሰበኻ ቺኵይንኵይራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ዝተነብረ ኰይኑ፡ እቲ ቅዱስ ምስሊ ኣብ 1560 ክሳብ 1562 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ብናይታ ሃገር ቀዳሞት ደቀባት ባህሊ ብዘንጸባርቕ ብኣሎንሶ ዘ ናርቫኢዝ ዝተቐብአ ከምዝዀነ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ቅዱስ ምስሊ’ዚ ኣብ ኰሎምቢያ ካብ መግለጺ መንፈሳውን ሃማኖታውን ኣሳእል እቲ ጥንታዊ ተባሂሉ ዝንገረሉ እውን ምዃኑ ሰራ ይሕብሩ።

ኣናስር መንፈሳውነት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም

ልኡካን ዳህሰዳ ሓድሽ ዓለም ኣብ 16 ክፍለ ዘመን መንፈሳውነት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ኣብ ኰሎምቢያ ብኸመይ ከምተገበገሰ ዘዘኻኽር ታሪኽ ዘለዎ እዩ ፡ ኣብ 1560 ዓ.ም. ኣብ ቺኵይንኵይራ ኣንቶኒዮ ደ ሳንታና ንዝተባህለ ተወላዲ ስፐይን ንኸመሓድራ ከም ግዝኣት ስፐይን ምስ ተወሃበ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ሕንጻታት ክሕነጽ ገይሩን ንናይ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት እትውዕል ሓንቲ ቤተ ጸሎት እውን ኣቖመ፡ ሳንታና ንሓደ ዶመኒካዊ ገዳማዊ ሓው ኣንድረስ ኻድራኰወ ኣብቲ ቤተ ጸሎት ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከንብር ይሓትቶ፡ ሓው ኻድራኰወ ድማ ተወላዲ ስፐይን ኣሎንሶ ናርቫኤዝ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክቐብእ ይሓትቶ፡ ናይቲ ከባቢ ቀዳሞት ተወለድቲ ባህሊ ብዘንጸባቕ ሜላ ነታ ቅድስቲ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ምስ ኣቕረበ ኣብታ ቤተ ጸሎት ከምእተነብረ ይንገር።

ተኣምር እታ ቅድስቲ ምስሊ

ዕለት 26 ታሕሳስ 1586 ዓ.ም. ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት እቲ ቤተ ጸሎት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብፍላይ ብሳዕሪ ዝተሰርሐ ብምንባሩ እናኣረገን ኣናተበታተኸን  ምስ ዓነወ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ካብቲ ዝነበሮ ደሚቑን ጸቢቑን እሞ ተሓዲሱን ብሓንቲ ኣባል ቀዳሞት ተወለድቲ ኢዛበል ዝሽማን ምስ ወዳን ይርእየኦ፡ ብኢደ ሰብ ዘይኰነ ብተኣምር እቲ ስእሊ ተሓዲሱን ደሚቑን ካብቲ ዝነበሩ ኣዚዩ ሓድሽ ኰይኑን ረኸብዎ፡ እቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ነዚ ምስ ረኣየ ብሳዕሪ ዘይኰነ ብዕንጨይቲ ቤተ ጸሎት ሓኒጹ ነቲ ቅዱስ ምስሊ ኣብኡ ኣንበሮን ዓቀቦን፡ ናብቲ ቤተ ጸሎት ውሕዘት መንፍሳውያን ነጋዶ ተነቓቐሔ፡ ነዚ ዘስተውዓሉ ናይ ሰበኻ ቦጐታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ዛፓታ ደካርደናስ ዝግባእ ቤተ ክርስቲያን ክህነጽ ወሲኖም እታ ምስሊ ኣብቲ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተነብረ፡ እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ርእደ መሬት ዝተቓለዔ እውን ስለ ዝነበረ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን እቲ ኣብዚ እዋን ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ኣተሰምየ ተሓኒጹን ኣብ 1919 ዓ.ም. ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ብወግዒ ኣብኡ ዘወደ።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣብ 1829 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ (1880-1823)፡ ናይ ሃገረ ኵሎምቢያ ሓላዊት ቅድስቲ ቢሎም ምስ ሰመይዋ፡ ድሕሪ 90 ዓመት ዝውድናኣ ኣቲ ውሳኔ ቀኖናዊ ኰነ፡ ኣብ 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብቲ ስፍራ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2017 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ ምብጻሕ ኣካይዶም መላእ ሃገረ ኵሎምቢያ ነታ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዘቺኵይንኵይራ ከምዘወፈዩ ሰራ የዘኻኽሩ።

ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ
10 July 2019, 17:45