ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር መግለጺ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር መግለጺ 

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር መግለጺ

ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ፡ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

ቤተ ክርስቲያን ብናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ነበር 88 ዓመት ዝዕድመኦም ካርዲናል ተኦዶረ ኤድጋር መክካሪክ ዝወሰደቶ ውሳኔን፡ ኵሉ ማዕርገ ቅብኣተ ክህነቶም ክሕከኽን ክለዓልን ዝብል እውን ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ፥ ማንም ጳጳስ እውን ይዅን ልዕሊ ሕጊ ቤተክርስቲያን ኣይኰነን፡ ስለዚሁ ኵሉ ትሕቲ ሕጊ እዩ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳያት ናብ ፈውስ ዘሰንይ ክኸውን እውን ተስፋ እገብር እንክብሉ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዛዕባ ተኦዶረ መክካሪክ ቅድስቲ መንበር ዝወሰደቶ ውሳኤ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብሱቕታ ዘይሕለፍ ሸለል ዝብሃል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ማንም ጳጳስ እውን ይኹን ልዕሊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነን ነዚ ዝበሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጋልቨስቶንን ሁይስቶንን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳንኤል ኒኮላስ ዲናርዶ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብመክካሪክ ዝተዓመጹ እቶም ኵሎም ናይ መክካሪክ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝወረደ ግፍዒ ዝሓክኽ እውን እንተዘይኰነ ናብ ሰብኣውን መንፈሳውን ፈውሲ ዘሰንይ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ቢሎም፡ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ ወንጌል ዘለዎም ሓላፍነት ዘነጽር እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝወሰድዎ ቆራጽ ውሳኔ ከመስግን እፈቱ ኢሎም።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሰበኻኡ ቁምስናኡ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉአ ክህነት ይኹን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ እንተሎ ኣብ ሰበኻ ንዝቖመን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ንዝዀኑ ዝሓልዮ ድርገት ከተቃልዑ ኣላበው፡ ብሓባር ኣብ ጐደና ፈውስን ዕርቅን ነብል ከምዝበሉ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጃመስ ግራይን፥ ሓደ ብመካሪክ ዝተዓመጸ

ገና ወዲ 11 ዓመት ሕጻን እንከሎ ኣብ ሩሑቕ ዓመታት መክካሪክ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዀነ ኣመሪካዊ ጃመስ ግራይን፡ ብዛዕባ እዚ ዝተፈጸመ ገበን ቃል ምስክርነቶም ዝሃቡ ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ቅድስቲ መንበር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣመልኪቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣሚኖምንን ኣብ ዕዕሊ መክካሪክ ዝወሰድዎ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳኔ ዋላ’ኳ ዕሸል ዕድመይ ዘይመልሰለይ ይዅን፡ ከምዚ ዓይነት ፍርዲ ክመሓላለፍ ምርኣይ ወሳኒ እዩ፡ መክካሪክ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንም ዓይነት ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ዝተቐበልዎ ማዕርገ ክህነት እውን ክለዓል ተገይሩ እዩ። እዚ ዓቢይ ተስፋ እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ሲን ኦመለይ፥ ብፁዓን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናን ብሓባር

ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ዝተወሰደ ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ፡ ንዝተዓመጸ መልሲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘሕደሮ በሰላ ክወግዶ ዝኽእል ምንም ዓይነት ፍርዲ የሎን፡ ምሉእ ፈውሲ ካብ እምነት እዩ ምስ በሉ፡ ኣብ ምውጋእ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምሉእ ምትሕብባር የድሊ፡ ኣብዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵሉ ተሳታፍነት ዘድልዮ ምዃኑ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኦማልይ ይገልጹ።

ኣባ ሎምባርዲ፥ ኣብ ከይዲ ሓቂ ንዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣገባብ ምትላልን ምድንጋርን

ዝዀነ ይዅን ዝመሓላለፍ ፍርዲ ዓወት ኣይኰነን፡ ዓወት ድሕነትን ፈውስን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ይግባይ ዘየብሉ ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ዘመሓላለፈቶ ውሳኔ ግብኡ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ዘሕዝን እውን እዩ፡ ዝፈጸምዎ ገበን ከቢድ እዩ፡ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ግቡእ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ሸለልል ክበሃል ዘይብሉን ካልእ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ እውን እንተዀነ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ኩሉ ከከም ሓላፍነት ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተጊሁ ክዓዪ ዝጽውዕ ፍርዲ እውን እዩ፡ ናይ ወሲብ ናይ ሕልናን ናይ ስልጣንን ዓመጽ፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ፡ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምስ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣጣሚራ እትምልከቶ ጉዳይ ምዃኑ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ይሕብሩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር መግለጺ
18 February 2019, 16:23