ኣብ ቱርኪ ድሕሪ 1923 ዓ.ም.  ቀዳመይቲ እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቱርኪ ድሕሪ 1923 ዓ.ም. ቀዳመይቲ እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን 

ኣብ ቱርኪ ድሕሪ 1923 ዓ.ም. ቀዳመይቲ እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን

በቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ምኽንያት ካብታ ሃገር ናብ ቱርኪ ዝስደዱ ብዝሒ ምእመናን ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክብ ይብል

ኣብ ረፓብሊካዊት ቱርኪ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 1923 ዓ.ም. ብናይታ ሃገር መንግስቲ ብዝሃቦ ይኹንታ መሰረት ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ኢስጣምቡል ዞባ ባኪርኮይ  ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸት ዕዮ ክጅመር ምዃኑ ዕለት 8 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ባኪርኮይ ከንቲባ ቡለንት ከሪሞግሉ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እታ ቤተ ክርስቲያን ንኽትሕነጽ ፍቃድ ከምእተወሃበ ዝተገልጸ ድሕሪ ናይታ ከተማ ከንቲባ  ከሪሞግሉን ኣብ ቱርኪ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮፖሊታ ብፁዕ ኣቡነ ዩሱፍ ቸቲን ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑን እቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕንጸት ዕዮ ክልተ ዓመት ዝወስድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ እትሕነጸሉ ከባቢ ኣብ ዞባ ከተማ ኢስጣምቡል ክፍለ ከተማ ባኪርኮይ ክኸውን እንከሎ ንኣታቱርክ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቀረባን ክሳብ 700 ምእመናን ዘእንግድ እውን ከምዝኽውን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።

ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ክብ ይብል ምህላዉ

በቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ምኽንያት ካብታ ሃገር ናብ ቱርኪ ዝስደዱ ብዝሒ ምእመናን ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክብ ይብል ምህላዉ ክፍልፍጥ እንከሎ፡ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸት ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ቱርክ መራሔ መንግስቲ ኣህመት ዳቩቶግሉ ምስ ውሁዳን ዘይ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ቆላሕታ ቱርኪ ንሶርያዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ቱርኪ ነቶም ካብ ሶሪያ ዝስደዱ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣቃልቦ ክገብር ከምዝጀመረን፡ እቲ ኣብ ሶሪያ ዝተባርዐ ግጭት ልክዕ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ መንግስቲ ቱርኪ ኣብታ ካብ ብዙሕ ዘመናት ናይ ሶሪያ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ማእከል ምዃን ዝጀመረት ክፍለ ሃገር ማርዲን ኣብ እትርከብ ከተማ ምይዲያት ኣርባዕተ ሺሕ ስደተይናታት ከአንግድ ዝኽእል መዕቆቢ ስደተይናታት ሶሪያ ከምዘቖመን ገሊጹ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቱርኪ ዝነብሩ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝሒ ኣስታት 25 ሺሕ ዝግመት ኰይኑ መብዛሕቲኦም እውን ኣብ ከተማ ኢስጣምቡል እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትህነጸሉ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ምዃኖም የመልክት።

ኣብ ቱርኪ ድሕሪ 1923 ዓ.ም. ቀዳመይቲ እትሕነጽ ቤተ ክርስቲያን
11 January 2019, 17:06