2018.12.09 በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ኦስፒዳለ መካነ ሂወት ኣሥመራ 2018.12.09 በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ኦስፒዳለ መካነ ሂወት ኣሥመራ 

ክብረ ብዓል ደብረ ጽንሰታ ማርያም መካነሂወት ሆስፒታል

ክብረ ብዓል ናይታ ካብ ትህነጽ 110 ዓመት ዝገበረት ደብረ ጽንሰታ ማርያም መካነ ህይወት ሆስፒታሌ፡ ሰንበት 9 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም.ፈ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ካብየ ቁምስናታት ኣሥመራ ዝመጹ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብለ ብጸሎት ሳልስትን ብናይ እቲ በዓል መሥዋዕተ ቅዳሴን ብዓብይ መንፈሳውነት ከቢሩ ውዒሉ።

ብድሮ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ስርዓተ ዋዜማ፣ ያሬዳውያን መዘምራንን ካህናትን፡ ንኣምሊኽ ከመስግኑን ንማርያም ክውድስዋን ኣምስዮም። ኣብቲ ብለይቱ ዝጀመረ ጸልት ማኅሌት ድማ ክሳብ ቅዳሴ ዝጅምር ቆይሞም ከዚሙ ኣጽብሑ። ማኅሌት ዘለሉት ምስ ተፈጸመ፡ ክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ሓለቃ ማሕበር ካፑቺኒ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓረገ።

ቅዳሴ ምስ ተዛዘሙ ብማእከል መካነ ህይወት (ኦሮታ) ሆስፒታል ብመዝምሩን ብጸልት መቑጸርያን ዝተሰነየ ድሙቅ ስርዓተ ዑደት ተኻይደ። ብድሕሪ እዚ ያሬዳውያን “ኣማን ብኣማን ተፀንሰት እመ ብርሃን” እንበለ ወረብ ምስ ገበሩ፡ ተምሃሮ ኮለጅ ስነ ጥዕና ድማ “ኣንቲ ውእቱ ተስፍሁ ለኣዳም ኣመ ይስደድ እም ገነት” እናበለ ወሪቦም። ካብዚ ብምቅጻል ከኣ ክቡር ኣባ የማነ ሃይለ ወዱ ማሕበር ካፑቺኒ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ብጸጋ ኣምሊኽን ረዱኤት ንጽሕቲ ድንግል ማርያምን፡ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ብዓለም ደረጃ ትማሉ 8 ታሕሳስ ዝኽበረ፡ ብዓል ንጹሕ ጽንሰት ማርያም ኣዳና ዘኪራ፡ ንሕና ድማ ልሚ ጎኒ ጎኑ እንሆ ንግደት ናይዛ ፍልይ ዝበለት ንእሽቶን ስትርትን፡ ግን ከኣ ዓቢይ ኣገልግልት እትህብ፡ ንንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዝተወፈየት ታቦትዘለዋ ቤተክርስቲያን ከነኽብር፡ ኣብ ጎድኒ ሕሙማንና ኮይንና ከነምልኽን ክንልምንን ፍታው ዝኾነልና ኣምሊኽ ስሙ ይባረኽ።

እዛ ዘለናያ ቤተክርስቲያን ከምቲ ካልእ ታቦታት፡ ብፍላይ ንሕሙማት ከተገልግል፡ ብነፍሲ ክትረድእ ለባማት ሃኒጾማ፡ እቲ ዘገርም ብወገን ሰሜን እዛ ዘለናያ ታቦት ናይ ማርያም፡ ብወገን ደቡብ ድማ ናይ መድኃኔ ዓለም ታቦት ኣል፡ ኣደን ወድን ኣብዚ ቀጽሪ ሆስፒታል ሓቢሮም ንሕሙማንና ከጽልል ይርከቡ። ብሓቂ ናይ ኣምሊኽ ጥበብ እዩ፡ ናይ ስባት ኣይኮነን።

እምብኣርከስ መጀመርያ ኣምሊኽ ነዞም ኣብዚ ሆስፒታል ተዓቂቦም ዘለው ወገናትና፡ በቲ ብሰብኣዊ ክእለት ዝተሰርሐ መድኃኒትን ብጸግኡን ምሉእ ጥዕናን ምጽንናዕን ምእንቲ ክህቦም፡ ከምኡ እውን፡ ነቶም ኣለይቶም ኢደ ኣንቢሩ ብጥበቡ ክድግፎም፡ ክንጽሉ ይግባእ።

ኢየሱስ ጎኒ ጎኒ ብስራት መንግስቲ ኣምሊኽ፡ ኩሉ ዓይነት ሕማማት ፈዊሱ እዩ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “ሕማም ንዘለዎም ኩልም ድማ ኣሕወዮም” (ማቴ 8፡17) ይብል። ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ኣሰር መምህራ ተኸቲሊ ንሕሙማት ፍሉይ ክንክን ትገብር፡ ትካሊት ጥዕና ብምውዳድ ንግዙፍ ሕማማት ተቅልል፡ ብጸልት ብምግልጋል ንነፍሲ ትረድእ። ነዚ ክትገብር እንከላ ከኣ ብትሩፋት እቲ ንኹሉ
ሕማምና ዝጾረ፡ ብስቅያቱ ቃንዛና ዝወሰደ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስን፡ ብኣማሊድነት እታ ንጽሕቲ ወሊዱቱን ተደጊፋ ተዘውትሮ። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ኦስፒዳለ መካነ ሂወት ኣሥመራ
12 December 2018, 18:10