ዳካር፡ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ዳካር፡ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ 

ዳካር፡ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ

ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ኣዚዩ ዝገድእ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረአዩ ውግኣት ክውገድ መንግስታት ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ዘቕረበ

“ደቀ ንስትዮ፥ ናብቲ ብጽእሚ ዘህለክልኽ ዘሎ ዓለም ማይ ሕይወት ዘብጽሓ” ብዝብል ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዘዘንትዎ ርክብ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ሳምራዊት ሰበይትን ታሪኽ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ቃል ኣምሪሑ ኣብ ሃገረ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ካብ ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝተበገሰ ካብ 35 ሓገራት ዝተዋጽኣ ልኡካን ካቶሊካውያን ማሕበር ደቀንስትዮ ናይ ዳካር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቤንጃሚን ንዲያየን ናይ ሰነጋል ርእሰ ብሔር ማክይ ሳል ብዘስምዕዎ መደረ ዝተበገሰ ናይ ሰነጋል ሰዓብቲ ሃይማኖት ደቀንስትዮ ዝውክላ ኣሳቲፉ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይን ሳዕቤኑን እዚ ኸኣ ከይዲ ምዕባለ ዝዕንቅጽ ናብ ውግእ ዝድርኽ ከምዝዀነን ናይዚ ውግእን ዓመጽን ኣዚዩ ተጠቓዒ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድኻታትን ደቀንስትዮን ሕጻናትን ከምዝዀኑ ኣበርቲዑ ብናይ ሰነጋል ካቶሊካውያን ማሕበር ደቀንስትዮ ወሃቢት ቃል ኣነማሪየ ማንሳልይ ብዘስምዐኦ ዘረባ ሰፊሕ ትንታኔ ከምዝሃበሉ ላ ክሩዋ እተሰምየ ኣብ ፈረንሳ ዝሕተም ካቶሊካዊ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት ደቀ ንስትዮ ምትሕብባር ክህሉ

እቲ ናይ ዳካር ዓውደ ጉባኤ እቲ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ሳምራዊት ሰበይትን ዝተኻየደ ርክብ ንናይ መላእ ካቶሊካውያን ማሕበራት ደቀንስትዮ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ እውን ናይ ምትሕብባርን ሱታፌን ኣስተንፍሶ ክኸውን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኰይኑ ርኹባት ደቀንስትዮ ነተን ድኻታት ደቀንስትዮ ክድግፋን እተን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ካቶሊካውያን ደቀ ንስትዮ ነቶን ኣሕዋተን ደቀንስትዮ ድኻታት ሃገራት ክሓሳባን ኣብ ምድጋፈን ክተግሃ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ላ ክሩዋ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየዱ ውግኣት ቀዳማይ ገጽ ክወሃቦ

ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 4 ዘሎ ርክብ ኢየሱስን ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይትን፡ ዘዘንትው ታሪኽ ኢየሱስ ማይ ሕይወት እንክብል ዝገልጾ ሓንሳብ ንመዋእል ጽምኢ ዘርውይ ምስ ሰላም ዝብል ቃል ብምትሕሓዝ እቲ ዓውደ ጉባኤ፡ እቲ ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ኣዚዩ ዝገድእ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረአዩ ውግኣት ክውገድ መንግስታት ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ዘቕረበ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ፡ እዚ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቀንስትዮ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምትብባዕን ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳኢት ክትከውን ንምድጋፍ ኣሚት ኣብ 1910 ዓ.ም.  ዝተፈላለያ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለማት ዝተዋጽኣ ኣብ 66 ሃገራት ዝርከባ ካቶሊካውያን ማሕበራት ደቀንስትዮ ጠርኒፉ ዝተመስረተ ምዃኑ የዘኻኽር።

ዳካር፡ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቀንስትዮ
23 October 2018, 17:42