ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ሮመሮን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወፈዩ ሕይወት ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ሮመሮን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወፈዩ ሕይወት 

ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ሮመሮን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወፈዩ ሕይወት

ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ብዛዕባ ተክለ ሰብነት ጳውሎስ ሻድሻይ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣፍቃሪ ጸሎትን በዓል ዓቕልን ትዕግስትን፡ እዚ ጸላይን ትሕቱን ምዃኖም ከኣ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ ብኑባሬ ዝነብርዎ እዩ፡ ሕይወቶም ውፉይ ንእግዚኣብሔርን ንቤተ ክርስቲያን ስለምታይ እቲ ፍቕሪ ካብ ልቦም ዝምንጭው ብምዃኑ፡ እዚ ኸኣ ውፉይ ዘዀኖም ቅድመ ስንድውና ምዃኑ እዩ፡

ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንብጹዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ንኣቡነ ብፁዕ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ቅድስና ክእውጁ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ ልዕሊ 70 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱሳት ናይ እምነትን ጸሎትን ሰባት መላእ ሕይወቶም ንወንጌል ዘወፈዩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ብፅዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ብፁዕ ሮመሮን ናይቲ ንኽርስቶስ ምምሳል ዝብል ሕይወት መሰኻኽር ምዃኖም ብዛዕባ እዞም ክልተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣደጊፎም ናይ ቅዱስና ጉዳይ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩን ናይ ሳን ሳልቫድሮ ተሓባብሪ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ግረጎሪዮ ሮሳ ቻቨስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እንከምልክቱ፡

ጳውሎስ ሻድሻይ፥ መስካሪ እምነት

ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ብዛዕባ ተክለ ሰብነት ጳውሎስ ሻድሻይ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣፍቃሪ ጸሎትን በዓል ዓቕልን ትዕግስትን፡ እዚ ጸላይን ትሕቱን ምዃኖም ከኣ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ ብኑባሬ ዝነብርዎ እዩ፡ ሕይወቶም ውፉይ ንእግዚኣብሔርን ንቤተ ክርስቲያን ስለምታይ እቲ ፍቕሪ ካብ ልቦም ዝምንጭው ብምዃኑ፡ እዚ ኸኣ ውፉይ ዘዀኖም ቅድመ ስንድውና ምዃኑ እዩ፡ ፍሽኽታ ዝዓሰሎም እዮም፡ እዚ ፍሽኽ ንምባል ካብ ምድላይ ዘይኰነስ ናይቲ ዝነበሮዎ ውሳጣዊ ርግኣት መግለጺ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ሓቢሮም።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናብ ፍጻሜ ዘብጽሑ ድሕሪ እታ ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ውሩይን ብኹሉ ተቐባልነትን ክህልዎም ቢሎም ዘይኰነስ እዙዝ ንሕል ብምዃን እዩ፡ ናይ ሕዝቢ ጣቕዒት ዘይደልዩ ቅድምና ንእግዚኣብሔርን ንሕልናኦምን ንቤተ ክርስቲያንን ዝበሉ እዮም እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ይገልጽዎም።

ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ፥ ናይ ዕርቂ ሰብ

ኣስዒቦም ናይ ሳን ሳልቫዶር ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ግረጐሪዮ ሮሳ ቻቨስ ተክለ ሰብነት ሰማዕት ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ እንክሕብሩ፡ ኣብቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ 5 ሺህ ኤልሳልቫዶራውያን ከምዝሳተፉን ካልኦት ክልተ ሺሕ ዝግመቱ ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም፡ ሰማዕት ሮመሮ፥ ሓፋርን ትሑትን ይንበሩ ደኣ እምበር፡ ንናይ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን እንኰ ፍኖት፡ ምልዋጥ ልቢ ከምዝዀነ ከይፈርሑ ዘቃልሑ ዝነበሩ እዮም። ዕለት 24 መጋቢት 1980 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ዝተቐትሉ፡ ንቐተልቶም ከም ኢየሱስ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እያቶም እሞ መሓሮም ዝበሉን፡ ሕይወቶም ስለ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ብጻይን ዝሰውኡ እዮም ምስ በሉ ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ፥ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ገዛእ ርእሱ ናይ ዝስውእ ኣፍቃሪ ሕይወት መሰኻኽር እያቶም ኢሎም።

ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ሮመሮን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወፈዩ ሕይወት

ምስዞም ክልተ ናይ ዘመንና ዓበይቲ ቅዱሳን ኣብ መዓርገ ቅድስና ዝድይቡ ካልኦት ሓሙሽተ እውን ኣለው። ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም ክነቅርበልኩም!

ኣባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

 

1.      ብፁዕ ፍራንቸስኮ ስፒነሊ ኣብ ሚላኖ ብ1853 ዕለት 14 ሚያዝያ ዝተወልደ ኮይኑ ዘድሊ ኲስኰሳ ረኺቦ ብ1875 ዓምፈ ክህነት ተቀበለ። ኣብ ከተማ ሮማ ኮይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ናይ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ማሕበር ክቍውምን ሕይወተን ንቅዱስ ቊርባን ከወፍያን ዝብል መንፈስ ሓዲርዎ። በዚ ከኣ ምስ ቅድስት ካተሪና ኮመንስሊ ብምርኻብ ኣብ ስግደት ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዝተወፈያ ማሕበር መስረቱ። ከም መሥራትን መራሕን ናይቲ ማሕበር ኮይኖም ነዊሕ ኣገልግሉ። ዕለት 6 የካቲት 1913 ምድራዊ ጉዕዞ ፈጸሙ ብ1992 ዓምፈ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ብፁዕ በልዎም።

2.     ብፁዕ ቪንቸንሶ ሮማኖ ኣብ ጥቃ ከተማ ናፖሊ ቶረ ደል ግረኮ ዝበሃል ከባቢ ዕለት 3 ሰነ 1751ዓም ተወልደ። ብ1775 መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ኣገልግሎት ክህነቶም ኣብቶም ዝተረስዑን ትሑታትን ብምትኳር ከምኡ እውን ንመንእሰያት ኣብ ምምሃርን ምኲስኳስን ተዓጥቁ። ዕለት 15 ሰነ 1794 ተረ ደል ግረኮ ኣብ ቨሱቭዮ ብዝነተጐ እሳተጎመራ ጨሪሻ ተደምሰሰት። ብፁዕ ቪንቸንሶ ሮማኖ ኣብ መንፈሳውን ሥጋውን ዳግመ ሕንጸት ናይቲ ዓዲ ብዙሕ ኣበርኪቶም። ዕለት 20 ታሕሳስ 1831 እንክዓርፉ ብ1963 ዓም ከኣ እዞም ሎሚ ምሳኦም ቅዱስ ተባሂሎም ዝእወጀሎም ዘሎ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕናኡ ኣወጁ።

3.     ብፅዕት ማርያ ካተሪና ካስፐር ኣብ ደርንባኽ ዝበሃል ክፍሊ ጀርመን ዕልት 26 ግንቦት 1820 ዓም ተወልዳ። ሕይወታ ኣብ ትርር ዝበለ ስርሓት ክሳብ ንመሕነጺ ጽርግያ ኣእማን ብምስባር ትናበር ነበረት። ኣብ ከምዚ ናብራ እንከላ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ብትሕትና ዘገልግላ ማሕበር ደናግል ንክትምስርት መንፈስ ቅዱስ ኣብርሃላ። ብ1848 ዓምፈ ‘ድኻታት ኣገልግልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ’ ዝብል ማሕበር ኣቆመት። እዚ ማሕበር እዚ ብኡ ንብኡ ናብ ዓዲ ጀርመንን ካብኡ ወጻኢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ተላብዔ ክሳብ ኣመሪካ ሃገረ ህንድን በጽሔ። ብዕለት 2 የካቲት 1898 ብሕማም ልቢ ዓሪፋ ብ1978 ዓምፈ ከኣ እዞም ሎሚ ምሳኣ ቅዱስ ተባሂሎም ዝእወጀሎም ዘሎ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕናኣ ኣወጁ።

4.     ብፅዕት ናዛርያ ኢግናጽዮ ዘቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ማርኽ መሳ ኣብ ከተማ ማድሪድ ብዕለት 10 ጥሪ 1889 ተወልደት። ሥድራቤት ንመክሲኮ ምስ ከዱ ምስ ኣላዪ ንዘይብሎም ሽማግለታት ዝኣልያ ደናግል ሌላ ትምስርት ብ1908 ከኣ ኣባል ናይቲ ማሕበር ትኸውን። ብ1911 ዓም መብጽዓ ምስ ገበረት ናብ ቦሊቭያ ትለኣኽ። ኩነታት ደቂኣንስትዮ ዘተሓሳሰባ ናዛርያ ንኣገልግሎት ድኻታትን ምዕባሌ ደቂ ኣንስትዮን ዝውዕል ማሕበር የድሊ ስለዝበለት ማሕበር ምስዮናውን ደናግል መስቀላውያን ቤተክርስትያን መስረተት። ሕይወታ ኣብ ቦሊቭያስ ይኹን ኣብ ሃገረ እስፐይን ብግዜ ውግእ ካብ 1936-1939 ብዙሕ ጸገም ኣሕለፈት። ብ1942 ካብ እስፓኛ ንብወነስ ኣየርስ ኣርጀንቲና ተጓዕዘት ኮይኑ ግ ን ኩነታት ጥዕናኣ እናሓመቀ ከደ። ዕለት 6 ሓምለ 1943 ዓም እንክሞታ ብ1992 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕናኣ ኣወጁ።

ሓደስቲ ቅዱሳት

 

Photogallery

ሓደስቲ ቅዱሳት
13 October 2018, 17:38