መንሰያት ናብ ሲኖዶስ ገጾም፡ እንገዳ ኣብ ሰበኻታት ሮማ

ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ናብ ሲንዶስ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ከካይዱን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን ምዕዳን ክልገሰሎምን እዩ።

ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ናብ ሲንዶስ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ከካይዱን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን ምዕዳን ክልገሰሎምን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ 200 ንላዕሊ ዝግመቱ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት፥ መንእሰያት ናብ ሲኖዶስ ገጾም ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ናይ ክልተ መዓልቲ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ዕለት 11 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቺርኮ ማሲሞ ኣብ እተሰምየ ጐልጐል ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን መርሕ ቃል እውን ክልገሱ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እቶም ኣብዚ መንእሰያት ናብ ሲኖዶስ ገጾም ኣብ እተሰምየ መደብ ዝሳተፉ ኣብ ሰበኻታት ሮማ ክእንገዱ ከምዝዀኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ርክብ’ዚ ቁምስናታት ተኻፊልካ ንምባር መዓጹ ምኽፋት ኣብ ዝብል ጻዕሪ ዘበራትዕ ክኸውን እንከሎ፡ ቁምስታታት ሮማ በራተን ከፊተን ከእንግዳ ስንድዋት ምዃነን ከምእተገልጸን፡ ህብረ ባህሊ ንሓድ ሕዳዊ ኵለ መዳያዊ ህብትምና ዝድግፍ እምነት ንምክፋልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ሻቕሎትን ጸገምን መእሰያትን ኣውን ተኻፊልካ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምትሕስሳብ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣባል ማሕበር ክላሪቲያኑም ኣባ ላምበርት ኣብ ሮማ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ቁምስና ምኽትል ቆሞስ እንክሕብሩ፡

ቤተ ክርስቲያን ኣደ

እዚ መደብ ቤተ ክርስትያን ኣደ ምዃና ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ኣባል ማሕበር ደናግል ክላሪቲያኑም እናቴ ሊያ ሓቢረን፡ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት በራታ ከፊታ እትከናኸን ኣደ ምዃና ትገለጽ እንክብላ እናቴ ኤላኢነ እውን ብወገነን፡ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ኣሰር ሓዲጐም ዝሓለፉ ኣብ ታሪኽ ክርስትናን ቤተ ክርስቲያንን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎም ቅዱሳት ስፍራታት መንእሰያት ንግደት ክፍጽሙም ቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም ክስምስክሩ እዮም ኢለን።

መንሰያት ናብ ሲኖዶስ ገጾም፡ እንገዳ ኣብ ሰበኻታት ሮማ
07 August 2018, 17:02